bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 25
Deuteronomy 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ተልዓለ፥ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ። እቶም ፈራዶ ነቲ ቕኑዕ ነፃ የውፅእዎ፤ ነቲ በዳሊ ኸዓ ይቕፅዕዎ።
2
እቲ በዳሊ መግረፍቲ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ እቲ ፈራዲ፥ ብኣፍ ልቡ ናብ ምድሪ ለጥ ኣቢሉ፥ ከም ልክዕ በደሉ ብቝፅሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ።
3
ይኹን እምበር ካብ ኣርብዓ ዝበዝሕ ኣየግርፎ፤ እስራኤላዊ ሓውካ ኣብ ቅድሜኻ ኸይሓስር ካብ ኣርብዓ ኣይብዛሕ።
4
“እኽልኻ እንትተኽይድ ኣፍ ብዕራይ ኣይትልጐም።
5
“ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፥ እቲ ሓደ ውሉድ ዘይብሉ እንተ ሞተ፥ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ኻብ ቤተ ሰብ ወፃኢ ንኻልእ ኣይትመርዖ። እቲ ሓሙታ ተመርዕዩ ንባዕሉ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈፅመላ።
6
ስም እቲ ምዉት ሓዉ ኻብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ ድማ፥ እቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስም እቲ መዋቲ ይፀዋዕ።
7
“እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኽወርሳ እንተ ዘይደለየ፥ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ባይቶ፥ ናብቶም ሹመኛታት ትኺድ፤ ‘ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ምቛም ኣብዩ፤ እቲ ኸም ሓሙት ዝግብኦ ኽፍፅመለይ ኣይደለየን’ ኢላ ትንገሮም።
8
ሽዑ እቶም ሹመኛታት ከተማ ናብኣቶም ፀዊዖም ይዛረብዎ። ንሱ ኸዓ፥ ‘ክወርሳ ኣይደልን እየ’ ኢሉ እንተ ፀንዐ፥
9
እታ ሰበይቲ ሓዉ ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት ናብኡ ትቕረብ፤ ሳእኑ ኻብ እግሩ ተውፅእ፤ ናብ ገፁ እውን እንትፍ ትበለሉ፤ ‘ገዛ ሓዉ ንዘይሃንፅ ሰብ ከምዙይ ይግበሮ’ ኢላ ድማ ትዛረብ።
10
ስሙ ኸዓ ኣብ እስራኤል ‘ቤት ፍቱሕ ሳእኑ’ ይበሃል።
11
“ክልተ ሰባት ንስንሳቶም እንተ ተበኣሱ፥ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸዓ፥ ንሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዝወቕዖ ኽተድሕኖ ኢላ፥ ሓፍረት እቲ መባእስቱ እንተ ሓዘት፥
12
ኢዳ ቝረፅዋ፥ ኣይተናሕስዩላ።
13
“ኣብ ውሽጢ ኸረጢትኩም ማዕረ ዘይኮነ ዓቢይን ንእሽተይን መስፈሪ ወይ ሚዛን ኣይትሓዙ።
14
ኣብ ገዛኹም ማዕረ ዘይኮነ ዓቢይን ንእሽተይን መስፈሪ ወይ ሚዛን ኣይሃሉኹም።
15
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ትኽክልን ቅኑዕን ሚዛን ይሃሉኹም፤ ትኽክልን ቅኑዕን መስፈሪውን ይሃሉኹም።
16
ነዝ ዅሉ ዝገብርን ዝዕምፅን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅሉእ እዩ።
17
“ካብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም፥ ነቲ ኣማሌቃውያን ኣብ መንገዲ ዝገበሩኹም ዘክርዎ።
18
ንስኻትኩም ደኺምኩምን ዓቕሚ ስኢንኩምን እንተለኹም፥ ኣብ መንገዲ ብድንገት ከም ዝተራኸቡኹም ንእግዚኣብሄር እንተይፈርሑ ኸዓ፥ ነቶም ዳሕረዎት፥ ንዅሎም እቶም ብድሕሬኹም ዝነበሩ ድኹማትኩም ከም ዝወቕዑ ዘክርዎ።
19
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ ንሱ ኽትወርስዋ ርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ፀላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፥ ንዝኽሪ ኣማሌቃውያን ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስስዎ፥ ኣይትረስዕዎውን።
← Chapter 24
Chapter 26 →