bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 24
Deuteronomy 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ሓደ ሰብ ሰበይቲ እንተእተወ፥ ዘሕፍር ነገር ስለ ዝረኸበላ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ኣብ ኢዳ ሂቡ ኻብ ገዛኡ ይስደዳ።
2
ካብ ቤቱ ወፂኣ ድማ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዓወት፥
3
እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ፀልኣ፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ኣብ ኢዳ ሂቡ ኻብ ገዛኡ እንተ ሰደዳ፥ ወይ ድማ እንተ ሞተ፥
4
ስለ ዝረኸሰት እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፥ ሰበይቱ ኽትከውን መሊሱ ኽወስዳ ኣይኽእልን እዩ። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፍ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ ሓጢኣት ኣይተምፅኡላ።
5
“ሓደ ሰብ ምስ ተመርዐወ ናብ ውግእ ኣይውፃእ፤ ካልእ ማሕበራዊ ሓላፊነት ድማ ኣይፅዓንዎ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ገዛኡ ሓራ ይኹን፤ ነታ ዘእተዋ ሰበይቱውን የሐጕሳ።
6
“ዝኾነ ይኹን ሰብ ትሕጃ ገይሩ መጥሓንን መዲድን ኣይውሰድ፤ ናይ ሰብ ነፍሲ ከም ምውሳድ እዩ እሞ።
7
“ሓደ ሰብ፥ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፥ ባርያ ኽገብሮ ወይ ክሸጦ እንተሎ እንተ ተረኽበ፥ እቲ ሰራቒ እቱይ ይቀተል፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
8
“ሕማም ለምፂ እንተ ሓዘኩም፥ ከምቲ ዅሉ ሌዋውያን ካህናት ዝመሃሩኹም ግበሩ። ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎምውን ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ።
9
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እቲ ኻብ ግብፂ ወፂእኹም ኣብ መንገዲ እንተለኹም፥ ኣብ ሚርያም ዝገበሮ ዘክሩ።
10
“ንብፃይኩም ዝኾነ ልቓሕ እንትተለቅሕዎ፥ ትሕጃ ኽትወስዱ ናብ ገዛኡ ኣይትእተዉ።
11
ኣብ ደገ ደው ኢልኩም ፅንሑ፤ እቲ ዘለቃሕኹምዎ ሰብ ነቲ ትሕጃ ናብ ደገ ናባኻትኩም የውፅኣዮ።
12
እቲ ሰብ ድኻ እንተ ኾይኑ ነቲ መትሓዚ ምሳኻትኩም ኣይተሕድርዎ።
13
ተኸዲንዎ ምእንቲ ኽድቅስ፥ ነቲ ኽዳን ለይቲ፥ ብዓራርቦ ፀሓይ ምለሱሉ፤ ንሱውን ኽምርቐኩም እዩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ፅድቂ ኽቝፀረልኩም እዩ።
14
“ንድኻን ፅጉምን ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛ፥ እስራኤላዊ ኾነ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታትኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፥ ኣይተጨንቕዎ።
15
ንሱ ድኻ፥ ትፅቢቱ ድማ ኻብ ውዕለቱ እዩ እሞ፥ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ፀሓይ እንተይዓረበት ሃብዎ፤ እንተ ዘይኮነ ናብ እግዚኣብሄር ክጠርዕ እዩ፤ ሓጢኣት ድማ ክኾነኩም እዩ።
16
“ኣቦታት ብሓጢኣት ደቆም ኣይቀተሉ፤ ደቆምውን ብሓጢኣት ኣቦታቶም ኣይቀተሉ፤ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይቀተል።
17
“ንስደተኛን ንደኽታምን ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ክዳን መበለት ከዓ ብትሕጃ ኣይትውሰዱ።
18
ንስኻትኩም ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩምን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዓ ኻብኣ ኸም ዘድሓነኩምን ዘክሩ። ስለዙይ ድማ እየ ነዝ ነገርዙይ ክትገብርዎ ዝእዝዘኩም ዘለኹ።
19
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሉ ግብሪ ኢድኩም ምእንቲ ኽባርኸልኩምስ፥ እኽልኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተ ረሳዕኹም፥ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ይኹን እምበር፥ ክትወስድዎ ኣይትመለሱ።
20
ፍረ ኣውሊዕኹም ክተርግፉ እንተለኹም፥ መሊስኩም ኣብ ጨንፈር ዘሎ ኣይትእረዩ፤ ንሱስ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።
21
ወይንኹም ክትቅንጥቡ እንተለኹምውን፥ መሊስኩም ኣይትቐርምዎ። ንሱስ ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።
22
ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። ስለዙይ ከዓ እየ ነዝ ነገርዙይ ክትገብርዎ ዝእዝዘኩም ዘለኹ።”
← Chapter 23
Chapter 25 →