bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 23
Deuteronomy 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ፍረ ነፍሱ ዝተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ ዝተሰልበ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
2
“ድቓላ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲውን ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
3
“ኣሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ክሳዕ ዓስራይ ትውልዲ ንዘለኣለምውን እንተ ኾነ ናብ ጉባኤ ቤት እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
4
እዙይ ከዓ ኻብ ግብፂ ምስ ወፃእኹም፥ ኣብ መንገዲ እንጀራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፥ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም፥ ካብ ጴቶር ናይ ኣራም ነሃራዪም ብዋጋ ስለ ዘምፅእዎ እዩ።
5
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘፍቀረኩም ግና፥ ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለየን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ ለወጠልኩም እምበር።
6
ምሉእ ዕድሜኹም ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለዩ።
7
“ኤዶማውያን ግና ኣሕዋትኩም እዮም እሞ ኣይትፀየፍዎም፥ ንግብፃውያንውን፥ ኣብ ሃገሮም ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ኣይትፀየፍዎም።
8
ካብ ሳልሳይ ትውልዲ ዝተወለዱ ደቆም ናብ ጉባኤ እግዚኣብሄር ይእተዉ።
9
“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ወፂእኹም ክትሰፍሩ እንተለኹም፥ ክፉእ ካብ ዝኾነ ነገር ኵሉ ሰብነትኩም ሓልዉ።
10
ካባኻትኩም ሓደ ብለይቲ ዘርኢ እንተ ፈሰሶ፥ ካብ ሰፈር ወፂኡ ኣብ ደገ ይፅናሕ፤ ናብ ሰፈርውን ኣይእቶ።
11
ኣጋ ምሸት ድማ ማይ ይተሓፀብ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበ ኸዓ ናብ ውሽጢ ሰፈር ይእቶ።
12
“ኣብ ወፃኢ ሰፈር፥ ቀልቀል እትወፁሉ ቦታ ይሃሉኹም።
13
ምስ ኣፅዋርኩም መዅዓቲ ሓዙ፤ ቀልቀል ምስ ወፃእኹም በቲ መዅዓቲ ጕድጓድ ኵዒትኩም ነቲ ቐልቀልኩም ቅበርዎ።
14
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ምእንቲ ኸድሕነኩምን ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ክህበኩምን፥ ብማእኸል ሰፈርኩም ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ዝኾነ ዘሕፍር ነገር ከይሪአልኩም፥ ገፁ ኸዓ ኻባኻትኩም ከይመልስ፥ እቲ ሰፈርኩም ቅዱስ ይኹን።
15
“ካብ ጐይታኡ ዀብሊሉ ናባኻትኩም ዝተዓቘበ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍኩም ኣይትሃብዎ።
16
ኣብ ዝደለዮ ኸተማን ኣብ ዝመረፆ ቦታን ምሳኻትኩም ይቀመጥ፤ ኣይትጨቍንዎውን።
17
“ካብ ኣጓላት እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትሃሉ፤ ካብ ኣወዳት እስራኤልውን ኣብ ተባዕታይ ዘመንዝር ኣይሃሉ።
18
ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፋት እዮም እሞ፥ መብፅዓኹም ዓስቢ ኣመንዝራ ሰበይትን ዋጋ ኸልብን ከም መብፅዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይተእትዉ።
19
“ካብ እስራኤላዊ ሓውኩም፥ ሃረፃ ገንዘብ ኮነ ሃረፃ እኽሊ፥ ወይ ዝኾነ ዓይነት ካልእ ሃረፃ ኣይትቀበሉ።
20
ካብ ጓና ደኣ ሃረፃ ተቐበሉ እምበር፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ስራሕኹም ምእንቲ ኽባርኸኩምስ፥ ካብ ሓውኩም ሃረፃ ኣይትቀበሉ።
21
“ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መብፅዓ ምስ ተመባፃዕኹም፥ ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ይፅበዮ እዩ እሞ፥ ሓጢኣት ከይኾነኩም፥ መብፅዓኹም ቀልጢፍኩም ፈፅሙ።
22
እንተ ዘይተመባፃዕኹም ግና ሓጢኣት የብልኩምን።
23
እቲ ኻብ ከናፍርኹም ዝወፀ፥ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብፍታውኩም ዝተመባፃዕኹምዎ፥ ኣፍኩም ዝተዛረቦ፥ ሓልዉዎን ፈፅሙዎን።
24
“ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብፃይኩም እንተ ኣተኹም፥ ካብቲ ወይኒ ቓሕ፥ ከም ዝበለኩም፥ ክሳዕ እትፀግቡ ብልዑ፤ ብኣቕሓኹም ግና ኣይትውሰዱ።
25
ናብ ዝሩእ ብፃይኩም ምስ ኣተኹም ሸዊት ብኢድኩም ቀፂኹም ብልዑ፤ ዓፂድኩም ግና ኣይትውሰዱ።”
← Chapter 22
Chapter 24 →