bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 22
Deuteronomy 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ናይ ሓውኩም ብዕራይ ወይ በጊዕ ጠፊኡ ኾለል ክብል እንተ ረአኹም፥ ናብ እቲ እስራኤላዊ ሓውኩም ምለስዎ እምበር፥ ክጠፍእ ኣይትሕደግዎ።
2
እቲ ዋናኡ ኣብ ጥቓኹም እንተ ዘይኮነ፥ ወይ መን ምዃኑ እንተ ዘይፈለጥኩምዎ፥ ነቲ እንስሳ ናብ ቤትኩም ውሰድዎ፤ እቲ ዋናኡ ኽደልዮ ኽሳዕ ዝመፅእ ምሳኻትኩም ይፅናሕ እሞ፥ ምስ መፀ ትህብዎ።
3
ከምኡ እውን ናይ ሓደ እስራኤላዊ ሓውኩም ኣድጉ ወይ ክዳኑ ወይ ኣቕሓ ጠፊኡ እንተ ረኸብኩም ከምኡ ግበሩ፤ ክጠፍእውን ኣይትሕደግዎ።
4
“ኣድጊ እስራኤላዊ ሓውኩም ወይ ብዕራዩ ኣብ መንገዲ ወዲቑ እንተ ረአኹም፥ ምስኡ ዄንኩም ሓጊዝኩም ኣተስእዎ እምበር ከም ዘይረአኹም ኣይትሕለፉ።
5
“ሰበይቲ፥ ክዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፤ ሰብኣይ ከዓ ኽዳን ሰበይቲ ኣይከደን፤ ኵሉ ኸምዙይ ዝገብር ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተፀልአ እዩሞ።
6
“ንቕድሜኹም ኣብ መንገዲ፥ ኣብ ዝኾነ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ እንዳ ዒፍ ኣብ ልዕሊ ጨቓዊታ ወይ እንቍላሊሓ ሓቚፋ እንተላ፥ ነቶም ጨቓዊት ወይ እንቍላሊሕ ሓቚፋ እንተ ረኸብኩም፥ ነታ እኖ ምስ ጨቓውታ ኣይትውሰዱ።
7
ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ መዋእልኩም ከዓ ኽነውሕ፥ ነታ እኖ ኽትከይድ ስደድዋ፤ ነቶም ጨቓዊት ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎም።
8
“ሓድሽ ገዛ ኽትሰርሑ እንተለኹም፥ ሰብ ካብኡ ኸይፀድፍ እሞ ንቤትኩም ናይ ደም በደል ከይተምፅኡላ ንናሕስኹም መደገፊ ግበሩሉ።
9
“ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኹም፥ እቲ ዝዘራእኹምዎ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሓቢሩ ኸይጠፍአኩም ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኡ።
10
“ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ፀሚድኩም ኣይትሕረሱ።
11
“ካብ ፀጕሪ በጊዕን ልሕፂ እንጣጢዕን ተሓዊሱ ዝተኣለመ ዓለባ ኣይትከደኑ።
12
“እቲ እትኽደንዎ ኽዳንኩም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበሩሉ።
13
“ሓደ ሰብ ጓል ተመርዕዩ፥ ምስ ኣእተዋ እንተ ፀልኣ፥
14
እንተ ኣፀለማ፥ ‘ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ተመርዕየያ፥ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን’ ኢሉ ብሓሰት ክፉእ ስም እንተ ኣውፅአላ፥
15
ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን እኖኣን፥ እታ ጓል ብድንግልና ኸም ዝፀንሐት መረዳእታ ናብ ሹመኛታት እታ ኸተማ ናብ ባይቶ የቕርቡ።
16
ኣቦ እታ ጓል ከዓ ነቶም ሹመኛታት ‘ነዝ ሰብኣይ እዙይ ጓለይ ሰበይቱ ኽትከውን ሃብክዎ፤ ንሱ ግና ፀልኣ።
17
እንሆ ድማ ንጓለይ “ድንግልና ኣይረኸብኩላን” ኢሉ ኣካፍኣ። መረዳእታ ድንግልና ጓለይ ግና እንሆ እዝ መንፀፋ እዩ’ ይበሎም። ነቲ ኽዳና ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ።
18
ሽዑ እቶም ሹመኛታት እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕፅዕዎ።
19
ንሓንቲ እስራኤላዊት ድንግል ክፉእ ስም ስለ ዘውፅአላ ሚእቲ ቅርሺ ብሩር የዕድይዎ። እቲ ገንዘብ ድማ ነቦ እታ ጓል ይሃብዎ። ንሳ ግና ናብ ሰብኣያ ትመለስ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወቱውን ኣይፍትሓያ።
20
“እቲ ነገር ሓቂ እንተ ኾይኑ ግና፥ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፥
21
ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውፅእዋ፥ ኣብ ቤት ኣቦኣ እንተላ ብምምንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፥ እቶም ሰብ እታ ኸተማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዋ፤ ክፉእ ዝኾነ ዅሉ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
22
“ሰብኣይ፥ ምስ ሰበይቲ ሰብኣይ ደቂሱ እንተ ተረኽበ፥ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይቀተሉ፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ።
23
“ንሰብኣይ ዝተሓፅየት ድንግል፥ ካልእ ሰብኣይ ከዓ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፥
24
እታ ጓል፥ ኣብ ከተማ እንተላ ስለ ዘየእወየት፥ እቲ ሰብኣይ ከዓ፥ ሰበይቲ ብፃዩ ስለ ዘነወረ፥ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውፂእኹም፥ ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎም፤ ነቲ ኽፉእውን ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
25
“ግና እቲ ሰብኣይ ነታ ሕፅይቲ ጓል ኣብ በረኻ እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ዓመፃ፥ ሽዑ እቲ ዝዓመፃ ሰብኣይ በይኑ ይቀተል።
26
ኣብ ልዕሊ እታ ጓል ግና ኽፉእ ኣይትግበሩ። እዝ ሰብኣይ ንብፃዩ ተሲኡ ዳርጋ ዝቐተሎ እዩ እሞ፥ እታ ጓል ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል የብላን።
27
ዝረኸባ ደኣ ኣብ በረኻ ኾይኑ እዩ እምበር፥ ንሳ፥ እታ ሕፅይቲ ጓልስ ኣእውያ ነይራ እያ፤ ዘናግፋ ግና ኣይተረኽበን።
28
“ሓደ ሰብ ሓንቲ ዘይተሓፅየት ድንግል ጓል እንተ ረኸበ እሞ እንተ ዓመፃ፥ ሽዑ ኸዓ እንተ ተረኽቡ፥
29
እቲ ዝዓመፃ ሰብኣይ ነቲ ኣቦ ጓል ሓምሳ ቕርሺ ብሩር ይሃቦ። ኣነዊርዋ እዩ እሞ ሰበይቱ ትኹን። ብዅሉ ዘመኑ ድማ ኣይፍትሓያ።
30
“ሓደ ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣየእቱ፥ ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ብምድቃስ ነቦኡ ኣየነውሮ።”
← Chapter 21
Chapter 23 →