bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 21
Deuteronomy 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ዝተቐትለ ሰብ ኣብ በረኻ ወዲቑ እንተ ተረኽበ፥ ቀታሊኡ ድማ እንተ ዘይተፈልጠ፥
2
ሽዑ ዓበይትኹምን ፈራዶኹምን ከይዶም ካብቲ ሬሳ ዘለዎ ኽሳዕ እተን ኣብ ዙርያኡ ዘለዋ ኸተማታት ዘሎ ርሕቐት ይዓቅኑ።
3
ብድሕሪዙይ እቶም ሹመኛታት ናይታ ናብቲ ሬሳ ዝቐረበት ከተማ፥ ንማሕረስ ዘይበቕዐት፥ ተቖሪና ዘይትፈልጥ ዓርሒ ይውሰዱ።
4
ናብ ዘይሕረስን ዘይዝራእን ወሓዚ ሩባ ዘለዎ ምድሪ ይውሰድዋ። ኣብቲ ሩባ ኸዓ ነታ ዓርሒ ኽሳዳ ጓዕፂፆም ይስበርዋ።
5
ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግልዎ ብስሙውን ክባርኹ ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ይቕረቡ። ኵሉ ባእስን ኵሉ ጉድኣትን ከዓ ኸም ቃሎም ይፅናዕ።
6
ናብቲ ቕቱል ዝቐረቡ ዅሎም ሹመኛታት እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ሩባ ኽሳዳ ዝተሰብረት ዓርሒ ኣእዳዎም ይተሓፀቡ።
7
ኣስዒቦም ድማ ‘ኢድና ነዝ ደም እዙይ ኣየፍሰሰትን፥ ዓይንናውን ኣይረኣየትን።
8
ኦ እግዚኣብሄር! ነዝ ዝተቤዘኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፤ በዝ ዝፈሰሰ ንፁህ ደም ድማ ኸም በዳሊ ኣይትቝፀሮ’ ኢሎም ይፀልዩ። በደል ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ከዓ ይሕደገሎም።
9
ከምዙይ ጌርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ብምግባርኩም በደል ናይቲ ዝፈሰሰ ንፁህ ደም ካብ ማእኸልኩም ተርሕቑ።
10
“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ምስ ሃበኩም እንተ ማረኽኩምዎም፥
11
ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዐኛታት ኣንስቲ እንተ ረአኹም እሞ ኣንስትኹም ክትገብርወን እንተ ደለኹም ተመርዓዉወን።
12
ናብ ውሽጢ ኣባይትኹም ኣእትዉወን፤ ርእሰን ይላፀያ፤ ፅፍረንውን ይቈረፃ።
13
ነቲ ኽማረኻ እንተለዋ ተኸዲነናኦ ዝነበራ ኽዳውንቲ ይደርብያኦ። ኣብ ኣባይትኹም ይንበራ፤ ነቦአንን ንኖአንን ከዓ ወርሒ ምሉእ ይብከያሎም። ድሕሪዙይ ኣእትዉወን እሞ፥ ንስኻትኩም ሰብኡተን ኩኑ፤ ንሳተን ድማ ኣንስትኹም ይኹና።
14
ብድሕሪኡ እንተ ዘይደሊኹምወን፥ ናብ ዝደለያኦ ክኸዳ ስደድወን። ንገንዘብ ግና ኸቶ ኣይትሽጥወን፤ ኣሕሲርኩምወን ኢኹም እሞ፥ ከም ባርያ ኣይትቝፀርወን።
15
“ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ፥ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ድማ ፅልእቲ እንተ ሃልየናኦ እሞ፥ ክልቲኣተን ውሉድ እንተ ወለዳ፥ እቲ በዅሪ ኸዓ ወዲ እታ ፅልእቲ እንተ ኾነ፥
16
በታ ገንዘቡ ንደቁ ዘውርሰላ መዓልቲ፥ ነቲ በዅሪ ዝኾነ ወዲ እታ ፅልእቲ የውርሶ እምበር፥ ብኣድልዎ ንወዲ እታ ፍትውቲ ኣየውርሶ።
17
ንወዲ እታ ፅልእቲ ኻብ ኵሉ ዘለዎ ዕፅፊ ብምሃብ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ። ንሱ ናይ ሓይሉ መጀመርታ ፍረ እዩ እሞ፤ በዅርነት ንእኡ እዩ ዝግባእ።
18
“ንሓደ ሰብ፥ ህልኸኛን ዓመፀኛን፥ ቃል ኣቦኡን ቃል እኖኡን ዘይሰምዕ፥ እንተ ቐፅዕዎውን ዘይእዘዝ፥ ውሉድ እንተ ሃለዎ፥
19
ኣቦኡን እኖኡን ሒዞም ናብ ሹመኛታት እታ ኸተማኡ ናብ ደገ ባይቶ ይውሰድዎ።
20
‘እዝ ወድና እዙይ ህልኸኛን ዓመፀኛን፥ ንቓልና ዘይሰምዕ፥ ስሱዕን ሰካርን እዩ’ ይበልዎም።
21
ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዎ። ክፉእ ንዝኾነ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም።
22
“ዝኾነ ሰብ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እንተ ገበረ እሞ፥ ክመውት እንተተፈረዶ፥ ኣብ ዕንፀይቲ ድማ እንተ ሰቐልኩምዎ፥
23
ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበርዎ እምበር፥ ኣብ ዕንፀይቲ ኣይሕደር። እቲ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ብእግዚኣብሄር ዝተረግመ እዩ እሞ፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ፥ እቲ ሬሳ ኣብ ዕንፀይቲ ብምሕዳሩ ኣይተርክስዋ።”
← Chapter 20
Chapter 22 →