bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 20
Deuteronomy 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም፥ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻትኩም ዝበዝሕ ሰራዊትን እንተ ረአኹም፥ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም።
2
ናብ ውግእ ምስ ቀረብኩም እቲ ኻህን ነቲ ሰራዊት
3
‘ኦ ህዝቢ እስራኤል! ስምዑ፤ ሎሚ ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኣለኹም፤ እቲ ምእንቲ ኸድሕነኩም፥ ምስ ፀላእትኹምውን ክዋጋእ ምሳኻትኩም ዝኸይድ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፥ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትደንግፁ፤ ኣብ ቅድሚኣቶምውን ኣይትጃጅዉ’ ይበል።
5
“እቶም ኣሕሉቕ ድማ ነቶም ህዝቢ ‘ሓድሽ ገዛ ዝሰርሐ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ? ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከየመርቖስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱ ድማ ይመለስ።
6
ወይኒ ዝተኸለ ሰብ እሞ ፍረኡ ዘይበልዐ፥ ኣብ ውግእ ከይመውት፥ ካልእ ሰብ ድማ ኸይሕጐሰሉስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ።
7
ጓል ዝተሓፅየ ሰብ እሞ ዘይተመርዓዋ መን ኣሎ? ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ኻልእ ሰብ ከይምርዐዋስ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ኢሎም ይዛረብዎም።
8
እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ወሲኾም ነቶም ህዝቢ፦ ‘ፈራሕ ሰብ፥ ልቡ ዝጃጁ መን ኣሎ? ኸምቲ ልቡ፥ ልቢ ኣሕዋቱ ኸዓ ኸየሸብርስ፥ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ይበልዎም።
9
እቶም ኣሕሉቕ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፥ ኣብ ርእሲ እቲ ህዝቢ፥ ኣሕሉቕ ይሹሙ።
10
“ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግእዋ ኢልኩም ምስ ቀረብኩም፥ ቅድም ንዕርቂ ፀውዕዋ።
11
እቶም ህዝቢ ብሰላም ደገ እንተ ኸፈቱልኩም፥ ኵሎም እቶም ኣብኣ ዝተረኽቡ ግዙኣትኩም ይኹኑ እሞ የገልግሉኹም።
12
ዕርቂ ኣብዮም ክዋግኡ እንተ ደለዩ ግና ነታ ኸተማ ኽበብዋ።
13
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ምስ ሃበኩም ድማ፥ ንዅሉ ተባዕታይ ብስሕለት ሰይፊ ቕተልዎ።
14
ኣንስትን ህፃናትን እንስሳን፥ ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉ ምርኮኣን ንኣኻትኩም ውሰድዎ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ምርኮ ፀላእትኹም ከዓ ኽትበልዑ ኢኹም።
15
ነተን ካባኻትኩም የመና ዝረሓቓ ዅለን ከተማታት፥ ካብ ከተማታት እዞም እትወርስዎም ዘለኹም ኣህዛብ ዘይኮናውን፥ ከምኡ ግበርወን።
16
“ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ከተማታት እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ግና፥ እስትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጉ።
17
ንኬጢያውያንን ንኣሞራውያንን ንከነዓናውያንን ንፈሪዛውያንን ንሔዋውያንን ንኢያቡሳውያንን ግና፥ ከምቲ ዅሉ ንኣማልኽቶም ዝገብርዎ ርኽሰቶም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም።
19
“ንሓንቲ ኸተማ፥ ምእንቲ ኽትሕዝዋ ብዙሕ መዓልቲ እንትትከብዋ፥ ኣእዋማ ብማሕፀ ኣይትቝረፁ። ካብኣተን ፍረ ኽትበልዑ ኢኹም እሞ፥ ኣይትቝረፅወን። ዝዋግኡኹም ሰባት እምበር ኣእዋም ኣይኮኑንሞ።
20
እተን ከም ዘይብልዓ እትፈልጡወን ኣእዋም ጥራሕ ቍረፁ። እታ እትዋግእዋ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ፥ ብእኡ ጌርኩም መኽበቢኣ ስርሑ።”
← Chapter 19
Chapter 21 →