bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 19
Deuteronomy 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምድሮም ዝህበኩም ኣህዛብ፥ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስኩምዎም፥ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥኩም፥
2
ኣብ ማእኸል እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዎ ዝህበኩም ምድሪ ሰለስተ ኸተማታት ንባዕልኹም ፍለዩ።
3
ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ወሰን ምድሪኹም ኣብ ሰለስተ ምቐልዎ፤ ነፍሲ ወከፍ፥ ሰብ ዝቐተለ ናብኣተን ምህዳም ምእንቲ ክኽእል ከዓ ናብተን ከተማታት ዝወስድ መንገዲ ፅረጉ።”
4
ብዛዕባ ቐታሊ ነፍሲ ዝግበር እዙይ እዩ፦ “ናብኣተን ዝሃድም ቐታሊ ሰብ ዝድሕን ከዓ፥ ቅድም ኢሉ ፅልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ምፍላጥ ንብፃዩ እንተ ቐተለ እዩ።
5
ንኣብነት ዕንፀይቲ ኽቘርፅ ምስ ብፃዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረ፥ ኦም ክቘርፅ ኢሉ ማሕፀ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ፥ እቲ ሓፂን ከዓ ኻብ ሓኽሊ ነፂሉ ነቲ ብፃዩ እንተ ወቕዖሞ፥ እንተ ሞተ፥ ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኣተን ሃዲሙ ብህይወት ይንበር።
6
እታ መዕቘቢት ዝኾነት ከተማ ሓንቲ ጥራሕ እንተ ኾነት ግና ርሕቕቲ ኽትከውን ስለ እትኽእል፥ እቲ ፈዳዪ ሕነ ኣርኪቡ ብንደት ክቐትሎ ይኽእል እዩ። እቲ ቐታሊ ሰብ ቅድም ኢሉ ፅልኢ ስለ ዘይነበሮ ሞት ኣይግብኦን እዩ።
7
ስለዙይ ኣነ ‘ሰለስተ ኸተማ ፍለዩ’ ኢለ እእዝዘኩም ኣለኹ።
8
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም፥ ምድሪኹም ምስ ኣግፍሐልኩም፥ እቲ ነቦታትኩም ክህቦም ዘተስፈዎም፥ ኵላ እታ ምድሪ ምስ ሃበኩም፥
9
ኵሉ እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ተጠንቂቕኩም እንተ ፈፂምኩምዎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ኣፍቂርኩምዎ፥ ኵልሻዕ ድማ ብመንገዱ እንተ ኼድኩም፥ ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት እዚኣተን ንኣኻትኩም ካልኦት ሰለስተ ኸተማታት ኽትውስኹ ኢኹም።
10
እዙይ ከዓ ኣብ ማእኸል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ ንፁህ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ እሞ ብደም ተሓተትቲ ኸይትኾኑ እዩ።
11
“ግና ሓደ ሰብ ንብፃዩ እንተ ፀልኦ፥ ኣድብዩ ፀኒሑ ድማ ኽሳዕ ዝመውት እንተወቕዖ፥ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከዓ እንተ ሃደመ፥
12
ሽዑ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ልኢኾም ካብኣ ይውሰድዎ፤ ናብ ኢድ እቲ ፈዳዪ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ እሞ ይቀተል።
13
ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ነቲ ንፁህ ደም ዘፍሰሰ ኻብ እስራኤል ኣወግድዎ እምበር ዓይንኹም ኣይተናሕስየሉ።
14
“ኣብቲ እትወርስዎ ርስትኹም፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ፥ ንኣኻትኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝመሓላለፈልኩም ርስቲ እቶም ቀዳሞት ዝደረትዎ፥ ደረት ብፃይኩም ኣይትድፍኡ።”
15
“ዝኾነ በደል ወይ ሓጢኣት እንተ ተፈፀመ፥ ብሓደ ምስክር ኣይፅናዕ። ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ይፅናዕ።
16
“ሓደ ሰብ ብሓሰት ንኻልእ ሰብ እንተ ኸሰሰ፥
17
ክልቲኦም ተበኣስቲ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ ፈራዶን ኣብቲ ስም እግዚኣብሄር ዝፅወዐሉ ቦታ ይቑሙ።
18
እቶም ፈራዶ ድማ ኣፀቢቖም ይመርምሩ። እቲ ኸሳሲ፥ ንሓዉ ዝኸሰሰ፥ ብሓሰት እንተ ኾይኑ
19
ሽዑ ኸምቲ ንሓዉ ኽገብሮ ዝሓሰበ፥ ግበርዎ። ነቲ ኽፉእ ድማ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
20
እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ኸዓ ኽሰምዑን ክፈርሑን እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ነገርውን ኣብ ማእኸልኩም ኣይገብሩን እዮም።
21
ነፍሲ፥ ክንዲ ነፍሲ፥ ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፥ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ፥ ኢድ፥ ክንዲ ኢድ፥ እግሪ፥ ክንዲ እግሪ ፍደይዎ እምበር ኣይተናሕስዩ።”
← Chapter 18
Chapter 20 →