bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 18
Deuteronomy 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ነቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዝኾኑ ኻህናት ሌዋውያን ኣብ እስራኤል ግደን ርስትን ኣይሃልዎም፤ ክንድኡ ግና ነቲ ብሓዊ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእትን መባእን ይመገቡ፤ ንሱ ርስቶም እዩ እሞ።
2
ምስ ኣሕዋቶም ከዓ ርስቲ ኣይሃልዎም፤ ግና፥ ከምቲ ዘተስፈዎም፥ ርስቶም እግዚኣብሄር እዩ።
3
“ካብቶም ብዕራይ ኮነ በጊዕ ዝስውኡ ህዝቢ ከዓ፦ ኢድን ምንጋጋን ከስዐን፥ ንኻህናት እዩ ዝግባእ።
4
እቶም ካህናት ምስ ደቆም ኵልሻዕ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ክቖሙ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኵሎም ነገዳትኩም ንኣኣቶም ሓርይዎም እዩ እሞ፥ ቀዳማይ ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን፥ ቀዳማይ ፀጕሪ በጊዕኹምንውን ንኣኣቶም ሃብዎም።
6
“ሓደ ሌዋዊ ኻብታ ዝነብረላ ኸተማ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ብድሌቱ እንተ መፀ፥
7
ከምቶም ንእግዚኣብሄር ዘገልግሉ ሌዋውያን ኣሕዋቱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ የገልግል።
8
ብዘይ እቲ ኻብ ኣቦታቱ ዝተሸጠ ሃብቱ፥ ምስቶም ካልኦት ካህናት ማዕረ ተኻፊሉ ይውሰድ።
9
“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ነቲ እቶም ኣህዛብ ዝገብርዎ ርኹስ ነገራት ከይትመሃሩ ተጠንቀቑ።
10
ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዝስውእ፥ ወይ መውደቕ ዛዕጐል፥ ወይ ብደመናን ብተመንን ዝጥንቍል፥ ወይ ኣስማተኛ፥
11
ወይ ብድግምቲ ዝጥንቍል፥ መናፍስቲ ዝፅውዕ፥ ወይ ጠንቋሊ፥ ወይ መንፈስ ምዉታን ዝፅውዕ፥ ኣብ ማእኸልኩም ኣይሃሉ።
12
እዝ ነገር እዙይ ዝገብር ኵሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርኹስ እዩ። ብሰንኪ እዝ ርኽሰት እዙይ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነቶም ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ዘሎ።
13
ንስኻትኩም ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍፁማት ኩኑ።
14
“እቶም ንስኻትኩም እትወርስዎም ኣህዛብ፥ ስብሒ ንዝገልፁን ንጠንቈልትን እዮም ዝሰምዑ፤ ንኣኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምዙይ ዝበለ ኸይትገብሩ ኸልከለኩም።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ መንጎ ኣሕዋትኩም፥ ካብ ህዝብኹም፥ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተስአልኩም እዩ፤ ንእኡ ስምዕዎ።
16
በታ ኣብ ኮሬብ ዝተኣከብኩምላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ‘ምእንቲ ኸይንመውት መሊስና ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይንስማዕ፤ እዝ ዓብዪ ሓዊ እዙይ ድማ ደጊም ኣይንርአ’ ኢልኩም ለመንኩምዎ።
17
“እግዚኣብሄር ከዓ ‘እቲ ዝተዛረብዎ ፅቡቕ እዩ በለኒ።
18
ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ፤ ቃለይ ኣብ ኣፉ ኽገብር እየ፤ ኵሉ ዝኣዘዝክዎ ድማ ኽነግሮም እዩ።
19
ብስመይ ክዛረብ እዩ፤ ንእኡ ምስማዕ ዝኣበየ ሰብ ግና ኽቐፅዖ እየ።
20
ግና ኣነ ዘይኣዘዝክዎ ብድፍረቱ ብስመይ ዝዛረብ ነቢይ፥ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዝዛረብ ነቢይ፥ ይቀተል’ በለኒ።
21
“ብልብኹም ድማ ‘እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ?’ እንተ በልኩም፥
22
እቲ ነቢይ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረበ፥ እቲ ነገር እንተ ዘይኮነ፥ ወይ እንተ ዘይተፈፀመ፥ እቲ ነገር፥ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ምዃኑ ምልክት ይኹንኩም። እዙይ እቲ ነቢይ ባዕሉ ዝተዛረቦ እዩ፤ ኣይትፍርሕዎ።”
← Chapter 17
Chapter 19 →