bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 17
Deuteronomy 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ብዕራይ ኮነ በጊዕ፥ ኣበር ዘለዎ ወይ ጐደሎ ዘለዎ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፍ እዩ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትሰውእዎ።
2
“ካብ ማእኸልኩም ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ከተማታት፥ ኪዳኑ ብምፍራሱ፥ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገብር እንተ ተረኽበ፥
3
ከይዱ ኸዓ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብምጥሓስ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፥ ንፀሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ከዋኽብቲ ሰማይ እንተ ኣምለኾምን እንተ ሰገደሎምን፥
4
እዙይ ከዓ እንተ ነገሩኹም፥ ኣፀቢቕኩም መርምሩ። ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ኣብ እስራኤል ከም ዝተገብረ፥ ነገሩ ብርግፅ ሓቂ እንተ ኾይኑ፥
5
ሽዑ ነቲ እዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ነታ ሰበይቲ ኻብ ከተማታትኩም ኣውፂእኹም ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ።
6
እቲ ዝቕተል ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ምስክር ይቀተል፤ ብኣፍ ሓደ ምስክር ጥራሕ ግና ኣይቀተል።
7
ንምቕታሉ ቕድም እቶም መሰኻኽር፥ ደሓር ከዓ ዅሉ እቲ ህዝቢ እምኒ ይደርብየሉ። ከምዙይ ጌርኩም ንኽፉእ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
8
“ኣብ መንጎ ደምን፥ ደምን፥ ኣብ መንጎ ፍርድን፥ ፍርድን፥ ኣብ መንጎ ምቝሳልን፥ ምቝሳልን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ሰባት ስለ ዝከራኸርዎ ኽርክር ንምፍራድ ዝፀገመኩም እንተ ሃልዩ፥ ተሲእኹም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።
9
ናብቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናትን ናብቲ በተን መዓልቲታት እቲኣተን ዘሎ ፈራድን ኣቲኹም ጠይቕዎም፤ ንሳቶም ከዓ እቲ ናይ ፍርዲ ነገር ክነግሩኹም እዮም።
10
ከምቲ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ዝነገሩኹም ነገር ግበሩ፤ ከምቲ ዝመሃሩኹም ኵሉ ተጠንቂቕኩም ግበሩ።
11
ከምቲ ዝመሃሩኹም ሕግን ከምቲ ዝነገሩኹም ፍርድን ግበሩ። ካብቲ ዝገለፁልኩም ነገር ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበሉ።
12
ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከገልግል ደው ዝብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ተዓብዩ ምስማዕ ዝኣብዮ ሰብ ይቀተል። ከምዙይ ጌርኩም ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቕዎ።
13
ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኽፈርሕ እዩ፤ መሊሱውን ኣይዕበን እዩ።
14
“ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ኣቲኹም ምስ ወረስኩምዋን ምስ ተቐመጥኩምዋን፥ ‘ከምቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፥ ንጉስ ኣብ ልዕሌና ነንግስ’ እንተ በልኩም፥
15
ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓርዮ ኸም ዝነግስ ግበሩ። ካብ ህዝብኹም ደኣ ኣንግሱ እምበር ጓና ኣይተንግሱ።
16
እቲ ንጉስ ኣፍራስ ኣየብዝሕ፤ ኣፍራስ ምእንቲ ኸብዝሕ ኢሉ ኸዓ፥ ናብ ግብፂ ሰብ ኣይልኣኽ። እግዚኣብሄር ‘ድሕሪ ደጊም ነዛ መንገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ’ ኢሉኩም እዩ።
17
ልቡ ምእንቲ ኸይስሕት ኣንስቲ ንባዕሉ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከዓ እምብዛ ኣይኣክብ።
18
“ኣብ ዙፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ፥ ካብቲ ምስቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ዘሎ ሕጊ፥ ንእኡ ዝኸውን ቀዲሑ ኣብ መፅሓፍ ይፅሓፍ።
19
ፍርሓት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኽመሃር፥ ካብ ኣሕዋቱ ዝበለፀ ኾይኑ ኸይስምዖ፥ ካብቲ ትእዛዝ ከዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ከይብል፥ ንሱን ደቁን ኣብ ማእኸል እስራኤል መዓልቲታት መንግስቶም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ናይዝ ሕጊ እዙይ ቃልን እዝ ትእዛዛት እዙይን ተጠንቂቑ ምእንቲ ኽፍፅም እቲ መፅሓፍ ምስኡ ይኹን፤ ብዅሉ መዋእል ህይወቱውን የንብቦ።”
← Chapter 16
Chapter 18 →