bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 16
Deuteronomy 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብፂ ብለይቲ ኣውፂኡኩም እዩ እሞ፥ ንወርሒ ኣቢብ ሓልዉ፤ ፋሲካ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብዕሉ።
2
ኣብታ እግዚኣብሄር ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኣባጊዕኹም ወይ ካብ ከፍትኹም ፋሲካ ሕረዱ።
3
ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዐ፥ ናይ መከራ ቕጫ ምስኡ ብልዑ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ ነታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽትዝክርዋ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትብልዑ።
4
ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ምድሪኹም ብዅዕ ኣይረአ። በታ መጀመርታ መዓልቲ ምሸት ዝሓረድኩምዎ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
5
“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ እምበር፥ ኣብ ዝኾነ ኻልእ ከተማ በጊዕ ፋሲካ ኽትሓርዱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣብኣ በታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ ጊዜ፥ ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ፥ ሕረድዎ።
7
ነቲ ሕሩድ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኣብሲልኩም ብልዕዎ። ንፅባሒቱ ድማ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ።
8
ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።
9
“ካብታ ምዕፃድ እኽሊ እትጅምሩላ ሸውዓተ ሰሙን ቍፀሩ።
10
ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረኸት ከዓ ብፍቓድኩም ዝወሃብ መባእ ኣቕሪብኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም በዓል ሰሙናት ኣብዕሉ።
11
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ ምስ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደስ ይበልኩም።
12
ንስኻትኩም ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም ዘክሩ እሞ፥ ነዝ ስርዓት እዙይ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ ግበሩዎውን።
13
“ፍርያት ካብ ዓውድኹምን ካብ መፅመቝ ወይንኹምን ምስ ኣከብኩም፥ በዓል ዳስ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዕሉ።
14
ምስ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን መገልገሊኹምን መገልገሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ድማ ብበዓልኩም ደስ ይበልኩም።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ እቶትኩምን ብዅሉ ስራሕኹምን ክባርኸኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐሱ ኢኹም እሞ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕሉ።
16
“ዝኾነ ሰብኣይ፥ ሰለስተ ሻዕ ኣብ ዓመት፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ብምኻድ ኣብ ቅድሚኡ ይረአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ጥራሕ ኢዶም ኣይረአዩ።
17
ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረከት ከከም ክእለትኩም ሃቡ።
18
“ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ኵለን ከተማታትኩም ንነገዳትኩም ፈራዶን ኣሕሉቕን ሹሙ። ንህዝቢ ኸዓ ቕኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ።
19
ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ኣድልዎውን ኣይትግበሩ። ጉቦ፥ ዓይኒ ለባማት የዕውር፤ ነገር ፃድቃን ድማ የቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበሉ።
20
ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ እውን ኽትወርሱስ ፍፁም ቅንዕና ተኸተሉ።
21
“ኣብ ጥቓ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እትሰርሕዎ መሰውኢ፥ ዝኾነ ናይ ኣምልኾ ዓፀድ ኣይትትከሉ።
22
ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ዝፀልኦ ዓምዲ ንኣኻትኩም ኣይተቑሙ።”
← Chapter 15
Chapter 17 →