bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 15
Deuteronomy 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣብ መወዳእታ ሸሸውዓተ ዓመት ናይ ዕዳ ምሕረት ግበር።
2
ከምዝ ዝስዕብ ጌርኩም መሓርዎ፦ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብፃዩ ዘለቅሖ ይሕደገሉ፤ እግዚኣብሄር ስርየት ዕዳ ኣዊጁ እዩ እሞ፥ እቲ መለቅሒ ኻብ ብፃዩን ካብ ሓዉን ኣይድለዮ።
3
ካብ ጓና ድለዮ እምበር፥ ኣብ ሓውካ ዘለካ ግና ሕደገሉ።
4
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘውርሰኩም ምድሪ፥ እግዚኣብሄር ብርግፅ ክባርኸኩም እዩ። እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ሓልውዎን ፈፅምዎን፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም ደኣ ስምዕዎ እምበር፥ ኣብ ማእኸልኩም ድኻ ኣይርከበኩምን እዩ።
6
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዘተስፈወኩም ክባርኸኩም እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም ንብዙሓት ህዝብታት ክተለቅሑ ኢኹም፥ ንስኻትኩም ግና ኣይትልቅሑን ኢኹም። ንብዙሓት ህዝብታት ክትገዝኡ ኢኹም፥ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኹምን እዮም።
7
“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ፥ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደገታትኩም ካብ ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ሓደ እንተ ደኸየ፥ ልብኹም ኣይተፅንዑሉ፤ ኣብ ልዕሊ ድኻ ሓውኩም፥ ኢድኩም ኣይትጨብጡ።
8
ኢድኩም ዘርጊሕኹም ደኣ ብልግሲ ሃብዎ፤ ዘድልዮ ኸዓ ኣለቅሕዎ።
9
‘እታ ዕዳ ዝሕደገላ ሻውዐይቲ ዓመት ቀሪባ እያ’ ኢልኩም ንድኻ ሓውኩም ልቓሕ ኣይትኽልእዎ። ከምዙይ ዝበለ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ልብኹም ከይተሕድሩ። ዓይንኹም ኣብ ልዕሊኡ ኽፉእ ከይኸውን ንሱውን ብዛዕባኹም ናብ እግዚኣብሄር ከይጠርዕ፥ ሓጢኣት ከዓ ኸይኾነኩም ተጠንቐቑ።
10
ፈቲኹም ሃብዎ፤ ንእኡ ብምሃብኩምውን ልብኹም ኣይናሳሕ፤ በዝ ምኽንያት እዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ስራሕኹምን ተግባር ኢድኩምን ክባርኸኩም እዩ።
11
ድኻታት ኣብ ማእኸል ሃገር ኣይሰኣኑን እዮም እሞ፥ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ድኻ፥ ነቲ እተፀገመ ሓውኩም ኢድኩም ክትከፍቱ ኢለ እእዝዘኩም ኣለኹ።
12
“ዕብራዊ ሓውኩም፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ኣባኻትኩም እንተ ተሸጠ፥ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ተገዝአኩም፥ በታ ሻውዐይቲ ዓመት ሓራ ኣውፂእኹም ሕደግዎ።
13
ሓራ ኣውፂእኹም ክትሰድዎ እንተለኹም ድማ፥ ጥራሕ ኢዱ ኣይትስደድዎ።
14
ካብ መጓሰኹምን ካብ እኽልኹምን ካብ ወይንኹምን ብልግሲ ሃብዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸኩም መጠን ሃብዎ።
15
ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ከም ዘድሓነኩም ዘክሩ፤ ስለዙይ ድማ እየ ሎሚ እዝ ነገር እዙይ ዝእዝዘኩም ዘለኹ።
16
“ባርያኻ ግና ምሳኻ ስለ ዝመቸዎ፥ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ ‘ካባኻ ኣይወፅእን’ እንተበለካ፥
17
ሽዑ፥ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕፆ ጌርካ ስቘሮ፤ ንሓዋሩውን ግዙእኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበር።
18
ካባኻ ሓራ እንትተውፅኦ ኣይኽበድካ፤ እቲ ንሱ በዘን ሽዱሽተ ዓመታት ዝሃበካ ኣገልግሎት ዕፅፊ ናይቲ ዕሱብ ኣገልጋሊ ዝግመት እዩ እሞ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ እትገብሮ ኽባርኸካ እዩ።
19
“ካብ ኵሉ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ዝተወልደ ተባዕታይ በዅሪ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፍለይዎ። ብበዅሪ ብዕራይኩም ኣይትስርሑ፤ ፀጕሪ በዅሪ በጊዕኹም ድማ ኣይትቝረፁ።
20
ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ቦታ በብዓመቱ ንስኻትኩምን ስድራኹምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ብልዕዎ።
21
ግና እቲ እንስሳ ሓደ ጐደሎ እንተልይዎ፥ ሓንካስ ወይ ዕዉር እንተ ኾነ፥ ወይ ዝኾነ ኽፉእ ኢንታ እንተልይዎ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይትሰውእዎ።
22
ኣብ ውሽጢ መረባኻትኩም ብልዕዎ። ከምቲ ንሰስሓን እራብን እትበልዕዎ ጌርኩም፥ ንፁህን ዘይንፁህን ሰባት ብሓደ፥ ዄንኩም ብልዕዎ።
23
ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ደሙ ኣይትብልዑ።”
← Chapter 14
Chapter 16 →