bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 14
Deuteronomy 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት፥ ብሓዘን ሰብነትኩም ኣይትፃሕብሩ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ።
2
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝተቐደሰ ህዝቢ ኢኹምሞ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኮንዎ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻትኩም ሓረየኩም።
3
“ርኹስ ዝኾነ ኣይትብልዑ።
4
እትበልዕዎም እንስሳት እዚኣቶም እዮም፦ ብዕራይ፥ በጊዕ፥ ጤል፥
5
ድኩላ፥ ሰስሓ፥ ዓጋዘን፥ ጤል በረኻ፥ ዘራፍ፥ ሜዳቝ፥ ቶራ።
6
ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ፥ ዘመዅስዕ ኵሉ እንስሳ ብልዑ።
7
ካብ ዘመዅስዑ፥ ሸዀናኦምውን ካብ ዝተመቕለ፥ እዞም ዝስዕቡ ኣይትብልዑ፦ ግመል፥ ማንቲለ፥ ጊሐ። እዚኣተን የመዅስዓ እየን፥ ሸዀናአን ግና ኣይተሰንጠቐን እሞ፥ ርኹሳት ይኹናኹም።
8
ሓሰማ፥ ሸዀናኣ ዝተሰንጠቐ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ፤ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ስጋኣ ኣይትብልዑ፤ በድናውን ኣይትንክኡ።
9
“ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዅሉ እትበልዕዎ እዙይ እዩ፦ ኵሉ ኽንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ብልዑ።
10
ክንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ ግና ኣይትብልዑ፤ እዙይ ርኹስ ይኹንኩም።
11
“ንፁሃት ዝኾና ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ።
12
ካብኣተን ከዓ ዘይትበልዕወን እዘን ዝስዕባ እየን፦ ንስሪ፥ ጋማት፥ ወሓጥ ዓሳ፥
13
ሊሎ፥ በላዕ ልኻይ፥ ፃዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱ፥
14
ኵሉ ዃዅ በብዓይነቱ፥
15
ሰገን፥ ጉጓ፥ ሮብራ፥ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ፥
16
ንእሽተይ ጉጓ፥ ዓባይ ጉጓ፥ ቀራን ጉጓ፥
17
ቀያሕ ሓሓት፥ ኣሞራ፥ ሓሓት፥
18
ራዛ፥ ሰብፀራድ በብዓይነቱ፥ ተምበሃረጆ፥ ምንኪዕ።
19
“ኵሉ ኽንፊ ዘለዎ ለመምታ ኸዓ ርኹስ ይኹንኩም፤ ኣይትብልዕዎ።
20
ንፁሃት ዝኾና ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ።
21
“ንስኻትኩምስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ህዝቢ ኢኹም እሞ፥ ዝኾነ ሞይቱ ዝተረኽበ ኣይትብልዑ። ኣብ ውሽጢ ኸተማኹም ንዘሎ ስደተኛ ሃብዎ። ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጥዎ። “ንማሕስእ ብፀባ እኖኡ ኣይተብስልዎ።
22
“ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትኩም ዝርከብ ዅሉ እቶትኩም ዓስራት ሃቡ።
23
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምፍራሕ ኵልሻዕ ምእንቲ ኽትመሃሩስ፥ ነቲ ዓስራት ስርናይኩም፥ ወይንኹም፥ ዘይትኹም፥ በዅሪ ኸፍትኹም፥ ኣባጊዕኹም፥ ኣብታ ንስሙ መፀውዒ ኽትከውን ዝሓረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዕዎ።
24
እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ምስ ባረኸኩም፥ እታ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ኽትከውን ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትኩም እሞ መንገዲ ስለ ዝነውሐኩም፥ ናብኣ ኽተምፅእዎ እንተ ዘይተኽኣለኩም፥
25
ሽጥዎ እሞ፥ እቲ ገንዘብ ሒዝኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።
26
በቲ ገንዘብ እቱይ ኵሉ ቓሕ ዝበለኩም ላሕሚ፥ በጊዕ፥ ወይንን ብርቱዕ መስተን፥ ወይ ካልእ ቃሕ ዝበለኩም ዓድጉ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብኡ ብልዕዎ፥ ንስኻትኩምን ስድራኹምን ከዓ ተሓጐሱ።
27
ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ሌዋዊ ድማ፥ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን የብሉን እሞ፥ ሸለል ኣይትበልዎ።
28
“በብመወዳእታ ሰለስተ ዓመት ካብ ኵሉ ናይታ ዓመት እቲኣ እቶትኩም፥ ዓስራት ኣውፂእኹም፥ ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ኣክብዎ።
29
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሉ እትገብርዎ ተግባር ኢድኩም ምእንቲ ኽባርኸልኩም፥ እቲ ምሳኻትኩም ግደን ርስትን ዘይብሉ ሌዋዊን እቶም ምሳኻትኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ይምፅኡ እሞ ይብልዑን ይፅገቡን።”
← Chapter 13
Chapter 15 →