bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 13
Deuteronomy 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ካባኻትኩም ነቢይ፥ ወይ ሓላሚ ሕልምታት እንተ ተስአ እሞ ብዛዕባ ዝኾነ ምልክት ወይ ተኣምራት እንተ ሃበኩም፥
2
እቲ ምልክት ወይ እቲ ተኣምራት ከዓ ኸምቲ ዝበለኩም እንተ ተፈፀመ፥ ‘ንሱ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ንስገደሎም’ እንተበለኩም፥
3
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍትነኩም እዩ ዘሎ እሞ፥ ነቲ ነቢይ እቱይ ወይ ንቓል እቲ ሓላሚ ሕልምታት ኣይትስምዕዎ።
4
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰዓቡ፤ ንእኡ ፍርሑ፤ ትእዛዛቱ ሓልዉ፤ ቃሉ ስምዑ፤ ንእኡ ኣገልግሉ፤ ናብኡውን ቅረቡ።
5
ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትከድዋ ዝኣዘዘኩም መንገዲ ኸግልሰኩም፥ ካብቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም፥ ካብ ምድሪ ባርነት ድማ ዘድሓነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከኽድዐኩም ስለ ዝተዛረበ፥ እቲ ነቢይ እቱይ ወይ እቲ ሓላሚ ሕልምታት እቱይ ይቀተል። በዝ ኸምዙይ ከዓ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
6
“ሓውካ ወዲ እኖኻ፥ ወድኻ፥ ወይ ጓልካ ወይ እትፈትዋ ሰበይትኻ ወይ እተፍቅሮ ዓርክኻ፥ ‘ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ’ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሓበለካ፥ ንስኻ ኾነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፥
7
ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ሓደ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ እቲ ሓደ ወሰን፥ ኣብ ጥቓኻ ኾነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፥ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ንዘምልኽዎም ኣማልኽቲ ነምልኽ ኢሉ እንተ ደፋፍአካ፥
8
ሕራይ ኣይትበሎ፤ ኣይትስምዓዮ፤ ኣይትራህርሀሉ፤ ኣይተናሕስየሉ፤ ኣይትሕብኣዮውን።
9
ፈፂምካ ቕተሎ፤ ንእኡ ንምቕታል ቅድም ናትካ ኢድ፥ ደሓር ከዓ ኢድ እቶም ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ትኹን።
10
ካብቲ ኻብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከርሕቐኩም ደልዩ እዩ እሞ፥ ብእምኒ ቐጥቂጥኩም ቅተልዎ።
11
ሽዑ ዅሎም እስራኤል ሰሚዖም ክፈርሑ እዮም፤ ካብ ማእኸልኩም ድማ ኸምዙይ ዝበለ ክፉእ ስራሕ ኣይገብሩን እዮም።
12
“ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነብሩለን እግዚኣብሄር ዝህበኩም ከተማታት፥ ክፉኣት ሰባት ካባኻትኩም ተሲኦም፥ ‘ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኽነምልኽ ንኺድ’ ኢሎም ንደቂ ዓዶም ኣስሒቶምዎም ክብሉ እንተ ሰማዕኹም፥
14
ሽዑ ጠይቑ፤ ብጥንቃቐ ኸዓ መርምሩ። እንሆ ድማ፥ እዝ ነውሪ ነገር እዙይ ኣብ ማእኸልኩም ከም ዝተገብረ፥ ሓቅን ርግፅን እንተ ኾይኑ፥
15
ኣብታ ኸተማ ንዝነብሩ ብስሕለት ሰይፊ ፈፂምኩም ወድእዎም፤ ንሳን ኣብኣ ዘለዉ ዅሎምን ነውራማት እዮም እሞ፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ንኸፍታቶምውን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእወን።
16
ኣብኣ ዘሎ ዅሉ ኣብ ማእኸል ኣደባባያ ኣክብዎ፤ ነታ ኸተማን ንዅሉ ኻብኣ ዝተዘምተን ብምሉኡ ኸም መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብሓዊ ኣቃፅልዎ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፤ መሊሳ ኸዓ ኣይትተሃነፅ።
17
“ካብቲ ሕሩም ነገር ሓደ እኳ እንተ ዘየልዒልኩም፥ እግዚኣብሄር ካብ ቍጥዓ መዓቱ ኽምለስ እዩ። ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እንተ ሓሊኹም ቅኑዕን ሰናይን ተግባር እንተ ጌርኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እውን እንተ ሰሚዕኹም፥ ንሱ ምሕረት ክገብረልኩም ክርህርሀልኩም፥ ከምቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ከዓ ኸብዝሐኩም እዩ።”
← Chapter 12
Chapter 14 →