bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 12
Deuteronomy 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ክትወርስዋ ዝህበኩም ምድሪ፥ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብህይወት እትነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ተጠንቂቕኩም እትፍፅምዎ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዙይ እዩ፦
2
እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፥ ኣብ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንኣማልኽቶም ዘምልኹለን ዝነበሩ ቦታታት ፈፂምኩም ኣጥፍእወን።
3
መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፤ ሓወልትታቶም ድማ ሰባብሩ፤ እቲ ንምስሊ ጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕምዶም ብሓዊ ኣቃፅሉ፤ ዝተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶምውን ሰባብሩ፤ ስሞም ድማ ኻብቲ ቦታ እቱይ ኣጥፍኡ።
4
“ንኣምላኽኩም ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ዝበለ ስራሕ ኣይትስርሑ።
5
ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ምድሪ ዅሎም ነገዳትኩም ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ ኽትመፁ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ነታ መሕደሪኡ ድለዩ።
6
ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብፅዓኹምን ብፍታውኩም እተቕርብዎ መባእኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ናብኣ ኣምፅኡ።
7
ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፤ በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ተግባር ኣእዳውኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሓጐሱ።
8
“ከምዝ ሎሚ እንገብሮ ዘለና፥ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ ዝተርኣዮ ኣይግበር፤
9
ክሳዕ ሕዚ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ርስትን ኣይኣተኹምንሞ።
10
ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም ግና ምእንቲ ብህድኣት ክትነብሩ፥ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ፀላእትኹም ከዕርፈኩም እዩ።
11
ሽዑ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ፥ ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ኣስራትኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹምዎ ሕሩይ መብፅዓኹምን ናብኣ ኣምፅኡ።
12
ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን፥ ተባዕትዮ መገልገልትኹምን ኣንስትዮ መገልገልትኹምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሓጐሱ። እቲ ምሳኻትኩም ክፍልን ርስትን ዘይብሉ ኣብ ከተማታትኩም ዘሎ ሌዋዊውን ምሳኻትኩም ይተሓጐስ።
13
ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይተቕርቡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
14
ዝቃፀል መስዋእትኹም ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሓደ ኻብ ነገዳትኩም ዝሓረያ ቦታ ደኣ ኣቕርቡ። እዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ኸዓ ኣብኣ ኣቕርቡ።
15
“ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረከት ቃሕ ከም ዝበለኩም ኣብ ኵለን ደጌታትኩም ሓሪድኩም ስጋ ብልዑ። ከም ሰስሓን ከም ድኵላን ዝበለ፥ ንፁህ ዝኾነ ሰብን ንፁህ ዘይኮነ ሰብን ይብልዓዮ።
16
ነቲ ደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ኣይትብልዕዎ።
17
ኣስራት ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን በዅሪ ኸፍትኹምን ኣባጊዕኹምን ዝተመባፃዕኹምዎ መብፅዓኹምን ብፍቓድ ዘምፃእኹምዎ ውህብቶኹምን ንዝለዓል መስዋእቲ ኢድኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸይትበልዕዎ ተጠንቀቑ።
18
ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ከተማታትኩም ዝነብር ሌዋዊን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ብልዕዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብተግባር ኣእዳውኩም ተሓጐሱ።
19
ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትነብሩሉ ዅሉ ዘመንኩም ንሌዋዊ ሸለል ከይትብልዎ ተጠንቀቑ።
20
“ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ዝበለኩም ወሰናትኩም ምስ ኣስፍሐ፥ ስጋ ኽትበልዑ ቓሕ ኢሉኩም ‘ስጋ ደኣ ኽንበልዕ’ እንተ በልኩም፥ ደስ ከም ዝበለኩም ጌርኩም ስጋ ብልዑ።
21
እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሓድራ ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትኩምኳ፥ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝህበኩም፥ ካብ ከፍትኹምን ካብ ኣባጊዕኹምን ሓሪድኩም፥ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ኣብ ዝኾነ ቦታ ኸም ቃሕ ዝበለኩም ብልዑ።
22
ከምቲ ሰስሓን ድኩላን ዝብልዓ ብልዕዎ፤ ንፁህ ሰብን ዘይነፅሀን ይብልዓዮ።
23
ደም ከይትበልዑ ጥራሕ ተጠንቀቑ፤ ህይወት ኣብቲ ደም እዩ እሞ፥ ህይወት ምስ ስጋ ኣይትብልዑ።
24
ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ እምበር ኣይትብልዕዎ።
25
ደም እንተ ዘይበሊዕኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ጌርኩም፥ ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ከዓ ንደቅኹም ሰናይ ክኾነልኩም እዩ።
26
“እቲ ዘለኩም ቅዱስ ነገርን መብፅዓኹምን ሒዝኩም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ኺዱ።
27
ነቲ ዝቃፀል መስዋእትኹም፥ ስጋኡን ደሙን፥ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰውእዎ፤ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድኩም ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ይፍሰስ፤ ነቲ ስጋ ኸዓ ብልዕዎ።
28
ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም፥ ንዘለኣለም ምእንቲ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ኵሉ እዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነገር ሓልውዎ። እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰናይን ቅኑዕን እዩ እሞ።
29
“ነዞም ክትወርስዎም እትኸዱ ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩም ከዓ ንኣኣቶም ወሪስኩም ኣብ ምድሮም ክትቅመጡ ኢኹም።
30
ካብ ቅድሜኹም ምስ ጠፍኡ፥ ደድሕሪኣቶም ብምስዓብ ከይትዕንቀፉ፥ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ድማ ‘እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የምልኹ ነበሩ? ንሕናውን ከምኡ ንግበር’ ኢልኩም ከይትጥይቑ ተጠንቀቑ።
31
ንኣማልኽቶም ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝፀልኦ ዘፀይፍ ነገር ይገብሩሎም እዮም። ንኣማልኽቶም ኣወዳቶምን ኣጓላቶምንውን ብሓዊ የቃፅሉሎም ነይሮም እዮም እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኣይትግበሩ።
32
“ነዝ ዅሉ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነገር ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ። ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ኣይትወስኹ፤ ካብኡውን ሓደኳ ኣይተጕድሉ።”
← Chapter 11
Chapter 13 →