bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Deuteronomy 11
Deuteronomy 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ሕግጋቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱንውን ኵልሻዕ ሓልዉ።
2
ነቶም ተግሳፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘይፈለጡን ዘይረአዩን ደቅኹም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ እሞ፥ ነቲ ግርማኡን ሓያል ኢዱን ዝርግሕቲ ቕልፅሙን ሎሚ ዘክሩ።
3
ነቲ ኣብ ማእኸል ግብፂ፥ ኣብ ንጉስ ግብፂ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ሃገሩን ዝገበሮ ምልክታቱን ግብርታቱን ዘክሩ።
4
ነቲ ኣብ ሰራዊት ግብፅን ኣብ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ዝገበሮ፥ ከሳጕጉኹም እንተለዉ፥ ብማይ ባሕሪ ኤርትራ ኸም ዝደፈኖም፥ ፈፂሙ ድማ ኸም ዘጥፍኦም ዘክሩ።
5
ንስኻትኩም ከዓ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትበፅሑ፥ እቲ ኣብ ምድረ በዳ ዝገበረልኩም ዘክሩ።
6
እቲ ንዳታንን ንኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል፥ ምስ ስድራኦምን ድንኳናቶምን ምስ ኵሉ ዝስዕቦም ዝነበረ ህይወት ዘለዎ ፍጥረትን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጦም ከም ዝገበረ ሎሚ ዘክሩ።
7
እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት በዒንትኹም ዝረአኹም ንስኻትኩም ኢኹም።
8
“እምበኣር ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ሓልውዎ፤ ሽዑ ኽትሕይሉ፥ ናብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉ ኢኹም።
9
ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ክህቦም ዝመሓለሎም፥ ኣብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽነውሕ፥ እዝ ሎሚ ንኣኻትኩም ዝእዝዞ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ሓልዉ።
10
እታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ፥ ከምታ ሓዲግኩምዋ ዝወፃእኹም ምድሪ ግብፂ፥ ነቲ ኣብኣ ዝዘራእኻዩ ዘርኢ ኸም ኣታኽልቲ ሓምሊ ብእግርኻ እተስትዮ ኣይኮነትን። ኣብ ምድሪ ግብፂ ዘርኢ ምስ ዘራእኹም ነታኽልቲ ብመስኖ ኽተስትይዎ ላዕልን ታሕትን ብምምልላስ ትደኽሙ ነበርኩም።
11
እታ ንፈለግ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ግና፥ ካብ ሰማይ ዝዘነመ ማይ እትሰቲ፥ ምድሪ እምባታትን ለሰን እያ።
12
ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝምልከታ ሃገር እያ። ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኵልሻዕ ኣብኣ እዩ።
13
“ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፤ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን ድማ ኣገልግልዎ።
14
ከምዙይ እንተ ደኣ ጌርኩም ስርናይኩምን ወይንኹምን ዘይትኹምን ምእንቲ ኽትእክቡ፥ ንምድሪኹም ዝናም ፅድያን ክረምትን ክህበኩም እየ።
15
ኣብ ገራሁኹም ድማ ንእንስሳኻትኩም ሳዕሪ ኽህብ እየ፤ ክትበልዑን ክትፀግቡንውን ኢኹም።
16
“ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፥ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
17
እንተ ደኣ ሰጊድኩምሎም ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ክወርድ እዩ፤ ንሰማይ ዝናም ከየዝንምውን ክዓፅዎ እዩ፤ ምድሪ ድማ ፍረኣ ኣይትህብን እያ፤ ንስኻትኩም ድማ ኻብታ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ልምዕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ክትጠፍኡ ኢኹም።
18
ነዝ ትእዛዝ እዙይ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፤ ንምልክት ከዓ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፤ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ኽታብ ይኹን።
19
ኣብ ቤትኩም ኮፍ ምስ በልኩም፥ ኣብ መንገዲ ኽትከዱ እንተለኹምን ኣብ ምድቃስኩምን ኣብ ምትሳእኹምን ብእኡ እናተዛረብኩም፥ ንደቅኹም መሃርዎም።
20
ኣብ ድርኵዂት ገዛኹምን ኣብ ማዕፆኹምን ከዓ ፀሓፍዎ።
21
ሽዑ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ዕድመኹምን ዕድመ ደቅኹምን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዘሎ ዘመን ሰማይ ምእንቲ ኽነውሕ እዩ።
22
“ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣፍቅርዎ፤ ብዅሉ መንገድታቱ ተመላለሱ፥ ናብኡ ኸዓ ቕረቡ።
23
ሽዑ እግዚኣብሄር ነዞም ኵሎም ኣህዛብ ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እዩ። ንስኻትኩምውን ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን ኣህዛብ ክትወርሱ ኢኹም።
24
ኵላ እግርኹም ዝረገፃ ቦታ ናታትኩም ክትከውን እያ፤ ወሰንኩም ድማ ኣብ ምድረ በዳ፥ ክሳዕ ሊባኖስ፥ ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ካብ ኤፍራጥስ፥ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ክኸውን እዩ።
25
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም፥ ኣብ ኵላ እትኸድዋ ምድሪ ኽፈርሑኹምን ብኣኻትኩም ክድንግፁን እዮም እሞ፥ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝብል የለን።
26
“እንሆ፥ ሎሚ በረከትን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኣንብር ኣለኹ።
27
እዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹም ክትባረኹ ኢኹም።
28
ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰሚዕኹም፥ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ መንገዲውን እንተ ኣግሊስኩም፥ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸዓ እንተ ሰዓብኩም፥ ክትርገሙ ኢኹም።
29
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብታ ኽትወርስዋ እትኸዱ ዘለኹም ምድሪ ምስ ኣእተወኩም፥ ነቲ በረኸት ኣብ እምባ ገሪዛን፥ ነቲ መርገም ከዓ ኣብ እምባ ጌባል ኴንኩም ኣውጅዎ።
30
እዘን እምባታት እዚኣተን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ፀሓይ ዘላ መንገዲ፥ ኣብ ምድሪ እቶም ኣብ መንፅር ጌልገላ ዘሎ ጐልጐል፥ ኣብ ጥቓ ዓበይቲ ኣእዋም ሞሬ ዝነብሩ ከነዓናውያን ዘለዋ እየን።
31
ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትወርሱ፥ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትኣትውዋ ኢኹም እሞ፥ ክትወርስዋን ክትነብሩላንውን ኢኹም።
32
ናብኣ ምስ ኣተኹም ነዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘለኹ ዅሉ ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።”
← Chapter 10
Chapter 12 →