bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 9
Acts 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሳውል ግና ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ፥ “ክቐትሎም እየ” ኢሉ እናተሓነየ፥ ናብቲ ሊቀ ካህናት ከደ።
2
ዝኾነ ይኹን፥ ነቶም መንገዲ ጐይታ ዝስዕቡ ሰብኡትን ኣንስትን እንተ ረኸበ ድማ፥ እናኣሰረ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኦም ዘኽእሎ፥ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ዝበፅሕ፥ ናይ ፍቓድ መልእኽቲ፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ለመነ።
3
ክኸይድ እንተሎ ኸዓ፥ ናብ ከተማ ደማስቆ ቐረበ፤ ብድንገት ድማ፥ ካብ ሰማይ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ኣንፀባረቐ።
4
ናብ ምድሪ እውን ወደቐ፤ “ሳውል፥ ሳውል፥ ስለ ምንታይ ተሳጕጐኒ?” ዝብል ድምፂውን ሰምዐ።
5
ንሱ ድማ “ጐይታይ፥ መን ኢኻ?” በሎ፤ ጐይታ ኸዓ “ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ ኢየሱስ እየ። በሊሕ ነገር እንተ ረገፅካ ንባዕልኻ እዩ ዝገደካ” በሎ።
6
ንሱ ኸዓ ፈሪሑ እናንቀጥቀጠ “ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ?” በሎ። ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፤ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብአካውን፥ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም” በሎ።
7
እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ድማ፥ ድምፂ እናሰምዑ ሓደኳ ብዘይምርኣዮም ገሪምዎም ደው በሉ።
8
ሳውል ድማ ኻብቲ ዝወደቐሉ ምድሪ ተሲኡ፥ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ፤ እንተ ኾነ ኽርኢ ኣይከኣለን፤ ስለዙይ ብኢዱ እናመርሑ ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ።
9
እንተይረአየን እንተይበልዐን እንተይሰተየን ድማ፥ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።
10
ኣብ ደማስቆ ኸዓ፥ ሓደ ሓናንያ ዝስሙ ደቀ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ “ሓናንያ” ኢሉ ፀውዖ፤ ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ።
11
ጐይታ ድማ “ተስእ እሞ፥ ናብታ ቕንዕቲ ተብሂላ እትፅዋዕ መንገዲ ኺድ፤ ሳውል ዝበሃል ሰብኣይ በዓል ጠርሴስ ይፅሊ ኣሎ እሞ፥ ኣብ እንዳ ይሁዳ ድለዮ፤
12
ብራእይ ሓናንያ ዝበሃል ሰብ ናብኡ ኣትዩ፥ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ እንተንብረሉ፥ ኣዒንቱ ኸም ዝሪኣ፥ ብራእይ ተገሊፁሉ ኣሎ” በሎ።
13
ሓናንያ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ብዛዕባ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፥ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ።
14
ናብዙይ ድማ፥ ነቶም ስምካ ዝፅውዑ ዅሎም ክኣስር፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተውሂብዎ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።
15
ጐይታ ግና “ኪድ ደኣ፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ህዝቢ እስራኤልን፥ ስመይ ክፀውር ዘለዎ፥ ናተይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ።
16
ምእንቲ ስመይውን፥ ብዙሕ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ ኸርእዮ እየ” በሎ።
17
ሓናንያ ኸዓ፥ ከይዱ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ኢዱ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢሩ ድማ “ሳውል ሓወይ፥ እቲ ኽትመፅእ እንተለኻ፥ ኣብ መንገዲ ዝተርኣየካ ጐይታ ኢየሱስ፥ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልአካን ናባኻ ልኢኹኒ” በሎ።
18
ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅርፍቲ ዝበለ ረጊፉ ወደቐ እሞ ረአየ፤ ተሲኡውን ተጠመቐ።
19
ምግቢ ምስ በልዐ ድማ በርትዐ። ሳውል ከዓ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት፥ ንቑሩብ መዓልቲ ተቐመጠ።
20
ሽዑ ድማ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ።
21
እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ድማ፥ “እዙይ ደኣ፥ እቲ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ስም ኢየሱስ ዝፅውዑ ዅሎም፥ ዘሳጕግ ዝነበረዶ ኣይኮነን? ናብዙይ መፂኡ ዘሎስ፥ ንኣኣቶም እናኣሰረ ናብ ሊቃነ ካህናት ምእንቲ ኽወስዶምዶ ኣይኮነን?” እናበሉ ተገረሙ።
22
ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፤ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ኢየሱስ ብሓቂ፥ እቲ ክርስቶስ ከም ዝኾነ እናረድአ ይረትዖም ነበረ።
23
ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ድማ፥ ኣይሁድ ንሳውል ክቐትልዎ ሓቢሮም ተማኸሩ።
24
ንሱ ግና ኽቐትልዎ ኸም ዝተማኸሩ ፈለጠ፤ ንሳቶም ድማ ምእንቲ ኽቐትልዎ፥ ነቲ ኣፍ ደገታት እታ ኸተማ፥ ለይትን መዓልትን ይሕልውዎ ነበሩ።
25
እንተ ኾነ፥ እቶም ደቀ መዛሙርት ብለይቲ ወሲዶም፥ ኣብ ቅርጫት ገይሮም ብቕፅሪ ኣውረድዎ።
26
ሳውል ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፅሐ፥ ናብቶም ደቀ መዛሙርት ክሕወስ ፈተነ፤ ንሳቶም ግና፥ ደቀ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመኑ ዅላቶም ፈርሕዎ።
27
በርናባስ ግና፥ ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምፅኦ፤ ጐይታ ኣብ መንገዲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝተርኣዮን ከም ዝተዛረቦን፥ ኣብ ደማስቆ ኸዓ፥ ብስም ኢየሱስ ከመይ ገይሩ፥ ብትብዓት ከም ዝመሃረን ነገሮም።
28
ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ፥ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፥ ምስኣቶም ይኣቱን ይወፅእን ነበረ።
29
ምስቶም ካብ ግሪክ ዝመፁ ኣይሁድ ድማ፥ ይዛረብን ይከራኸርን ነበረ፤ ንሳቶም ግና ኽቐትልዎ ደለዩ።
30
እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፤ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ።
31
ስለዙይ ከዓ እታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን፥ ሰላም ረኺባ ተሃንፀት፤ ብፍርሓት እግዚኣብሄር እናተመላለሰት፥ ብመንፈስ ቅዱስ እናተፀናንዐት፥ ትበዝሕ ነበረት።
32
ጴጥሮስ ኣብ ኵሉ ኽዘውር እንተሎ፥ ናብቶም ኣብ ልዳ ዝነብሩ ቅዱሳን ወረደ።
33
ኣብኡ ድማ ንሸሞንተ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ዓራት ደቂሱ ዝነብር ሓደ ኤንያ ዝስሙ መፃጕዕ ረኸበ።
34
ጴጥሮስ ድማ “ኤንያ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሕውዩካ ኣሎ፤ ተስእ፥ ዓራትካ ኣንፅፍ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ተስአ።
35
ኵሎም ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዝነብሩ ከዓ፥ ንእኡ ሪኦም ናብ ጐይታ ተመለሱ።
36
ኣብ ከተማ ኢዮጴ ድማ፥ ጣቢታ እትበሃል ኣማኒት ነበረት፤ ትርጕሙ ድማ፥ ድኵላ ማለት እዩ፤ ንሳ ኸዓ ሰናይ ምግባርን፥ ምፅዋት ምሃብን ተዘውትር ነበረት።
37
በቲ ቕነ እቱይ ሓሚማ ሞተት፤ ሓፂቦም ድማ ኣብ ደብሪ ኣንበርዋ።
38
ከተማ ልዳ ንኢዮጴ ቀረባ ነበረት፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ከዓ፥ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፥ ክልተ ሰባት ልኢኾም እንተይደንጐየ ኽመፆም ለመንዎ።
39
ሽዑ ጴጥሮስ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ኣብኡ ምስ በፅሐ ድማ፥ ናብ ደብሪ ኣደየብዎ፤ ኵለን እተን መበለታት ከዓ፥ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢለን እናበኸያ፥ እቲ ጣቢታ ብህይወት ምስኣተን እንተላ ብኢዳ ዝኣለመቶ ቐማውሽን ክዳውንትን ኣርአያኦ።
40
ሽዑ ጴጥሮስ ንዅሎም ንደገ ኣውፂኡ፥ ተንበርኪኹ ፀለየ፤ ናብቲ ሬሳኣ ቘላሕ ኢሉ ኸዓ “ጣቢታ፥ ተስኢ” በላ፤ ንሳ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላ ንጴጥሮስ ረአየቶ፤ ተሲኣውን ኮፍ በለት።
41
ንሱ ኸዓ ብኢዱ ሒዙ ኣተስኣ፤ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ፀዊዑ ድማ፥ ብጥዒታ ሃቦም።
42
እዙይ ኣብ ኵሉ ኢዮጴ ተፈለጠ፤ ብዙሓት ከዓ ብጐይታ ኣመኑ።
43
ጴጥሮስ ድማ፥ ኣብ ኢዮጴ ምስ ሓደ እንዳ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ስምኦን ዝስሙ፥ ንብዙሕ መዓልቲታት ተቐመጠ።
← Chapter 8
Chapter 10 →