bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 10
Acts 10
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ ቂሳርያ “ኢጣልያዊ ጭፍራ” ንዝበሃል ክፍሊ ሰራዊት ሓለቓ ሚእቲ ዝኾነ፥ ቆርኔሌዎስ ዝተብሃለ ሰብ ነበረ።
2
ንሱ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ናብ እግዚኣብሄር ዝፅሊ፥ ንህዝቢ እውን ብዙሕ ምፅዋት ዝምፅውት፥ ኵልሻዕ ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ መንፈሳዊ ሰብ ነበረ።
3
ብታሽዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ፥ ናይ እግዚኣብሄር መልኣኽ ብገሃድ ተርኣዮ፤ ናብኡ ኣትዩ “ቆርኔሌዎስ” በሎ።
4
ብፍርሒ ናብኡ እናጠመተ ኸዓ “እንታይ እዩ ጐይታይ?” በሎ። እቲ መልኣኽ ድማ “ፀሎትካን ምፅዋትካን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ዓሪጉ እዩ፤
5
ሕዚ ኸዓ ናብ ኢዮጴ ሰባት ልኢኽካ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀውዓዮ።
6
ንሱ ምስቲ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ገዛኡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፥ ጋሻ ኾይኑ ኣትዩ ኣሎ” በሎ።
7
እቲ ዝዛረቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸዓ፥ ካብቶም ሓሻኽሩ ኽልተ፥ ካብቶም ዝሕልውዎ ወታደራት ከዓ፥ ሓደ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘለዎ ፀውዐ እሞ፥
8
ነቲ ዝኾነ ነገራት ኣረዲኡ፥ ናብ ኢዮጴ ለኣኾም።
9
ብፅባሒቱ ንሳቶም ከይዶም፥ ጥቓ እታ ኸተማ ምስ በፅሑ፥ ጴጥሮስ ብሻድሸይቲ ሰዓት ኣቢሉ፥ ክፅሊ ናብ ናሕሲ ደየበ።
10
ሽዑ ስለ ዝጠመየ ኽበልዕ ደለየ፤ ምሳሕ ኸዳልዉሉ እንተለዉ ኸዓ ተመሰጠ።
11
እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፊቱ፥ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል ነገር፥ ናብ ምድሪ ኣቢሉ እንትወርድ ረአየ።
12
ኣብኡ ኸዓ ዅሎም ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኣራዊትን፥ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ።
13
ሽዑ “ጴጥሮስ ተስእ፤ ሓሪድካ ብላዕ” ዝብል ድምፂ መፆ።
14
ጴጥሮስ ግና፥ “ጐይታ፥ ኣይኸውንን፤ ርኹስ ወይ ዘፈንፍን ፈፂመ በሊዐ ኣይፈልጥን” በለ።
15
መሊሱ ድማ ንኻልኣይ ጊዜ “ነቲ እግዚኣብሄር ዘንፅሆ፥ ንስኻ ‘ኣይተርክሶ’ ” ዝብል ድምፂ መፆ።
16
እዝ ነገር እዙይ ሰለስተ ሻዕ ኾነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ እቲ መጋረጃ ናብ ሰማይ ተወሰደ።
17
ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ዝረአዮ ራእይ፥ “እንታይ ኮን ይኸውን” እናበለ ብልቡ ኽጭነቕ እንተሎ፥ እንሆ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ ዝተልኣኹ ሰባት “እንዳ ስምኦን ኣበይ እዩ” ኢሎም እናጠየቑ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ።
18
ፀዊዖም ድማ፥ እቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ጋሻ፥ ኣብኡ እንተ ሃልዩ ጠየቑ።
19
ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ራእይ ከስተንትን እንተሎ፥ መንፈስ ቅዱስ “እንሆ ሰለስተ ሰባት ይደልዩኻ ኣለዉ፤
20
ኣነ እየ ልኢኸዮም እሞ፥ ተሲእኻ ውረድ፤ እንተይተጠራጠርካውን ምስኣቶም ኪድ” በሎ።
21
ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፥ “እንሆ እቲ እትደልይዎ ዘለኹም ሰብ ኣነ እየ፤ ስለ ምንታይ መፃእኹም?” በሎም።
22
ንሳቶም ድማ “ቆርኔሌዎስ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ብዅሉ ህዝቢ ኣይሁድ ዝተመስከረሉ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ፃድቕ ሰብኣይ፥ ናብ ገዛኡ ኽፅውዐካ፥ ካባኻ ድማ ቓል ክሰምዕ፥ ብቕዱስ መልኣኽ ተነጊርዎ ኣሎ” በልዎ።
23
ሽዑ ጴጥሮስ ተቐቢሉ፥ ኣብ ገዛ ኣሕደሮም። ብፅባሒቱ ተሲኡ ምስኣቶም ከደ፤ ካብ ኢዮጴ ኸዓ፥ ውሑዳት ኣሕዋት ምስኡ ኸዱ።
24
ብፅባሒቱ ድማ፥ ናብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከዓ፥ ኣዝማዱን ዝኣምኖም ፈተውቱን ኣኪቡ፥ ይፅበዮም ነበረ።
25
ጴጥሮስ ክኣቱ እንተሎ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ፤ ኣብ እግሩ ተደፊኡ ድማ ሰገደሉ።
26
ጴጥሮስ ግና “ተስእ፤ ኣነውን ከማኻ ሰብ እየ” እናበለ ኣተስኦ።
27
ምስኡ እናተዛረበ ኣተወ፤ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት ረኸበ።
28
“ንሓደ ኣይሁዳዊ ሰብ፥ ምስ ካልእ ህዝቢ ኽሕወስ ወይ ናብ ገዛኣቶም ክኣቱ፥ ግቡእ ከም ዘይኮነ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንኣይ ግና፥ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፅየፍ፥ ወይ ‘ርኹስ እዩ’ ኸይብል እግዚኣብሄር ኣርኢዩኒ እዩ።
29
ምእንቲ እዙይ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፥ ሰጋእ እንተይበልኩ መፂአ ኣለኹ፤ እስኪ ንገሩኒ፥ ንምንታይ ኢኹም ዝፀዋዕኹምኒ?” በሎም።
30
ቆርኔሌዎስ ድማ “ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ከምዛ እዋን እዚኣ ብታሽዐይቲ ሰዓት፥ ኣብ ገዛይ እፅሊ ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዘንፀባርቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለሞ፥
31
‘ቆርኔሌዎስ፥ ፀሎትካ ተሰሚዑ፤ ምፅዋትካ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓሪጉ እዩ።
32
ስለዙይ ናብ ኢዮጴ ልኢኽካ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀውዓዮ። ንሱ ኣብታ ገምገም ባሕሪ ዘላ ቤት፥ እንዳ እቲ ቘርበት ዘልፍዕ ስምኦን ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ ምስ መፀ ኽነግረካ እዩ’ በለኒ።
33
ሽዑ ኸዓ ናባኻ ለኣኽኩ፤ ንስኻ ድማ፥ ብምምፃእኻ ፅቡቕ ገበርካ። ሕዚ ኸዓ፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተኣዘዝካዮ ዅሉ ምእንቲ ኽንሰምዕ፥ ኵላትና ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ኣብዙይ እኒሀና” በሎ።
34
ሽዑ ጴጥሮስ፦ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ቅንዕና ዝገብርን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል እዩ እምበር፥ ኣብኡ ኣድልዎ ኸም ዘየለ፥ ብሓቂ ኣስተውዓልኩ።
36
እግዚኣብሄር በቲ ጐይታ ዅሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንደቂ እስራኤል ሰላም እናብሰረ፥ ዝለኣኾ ቓል እዙይ እዩ፤
37
እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት፥ ካብ ገሊላ ጀሚሩ ኽሳዕ ይሁዳ ዝኾነ ነገር፥ ትፈልጥዎ ኢኹም።
38
እግዚኣብሄር ከመይ ኢሉ፥ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፥ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ኵሉ ፅቡቕ ከም ዝገበረን፥ ንዅሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ኸም ዘሕወየውን፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
39
ንሕና ኸዓ፥ ናይቲ ኣብ ኵሉ ሃገር ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝገበሮ ምስክር ኢና። ንሳቶም ንእኡ ኣብ ዕንፀይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ።
40
እግዚኣብሄር ግና፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተስኦ፤ ብገሃድ ንኽግለፅውን ሃቦ።
41
ንሱ ዝተገልፀ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዘይኮነስ፥ ነቶም መሰኻኽር ምእንቲ ክኾኑ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንዝሓረዮም፥ ንኣና እዩ እምበር፤ ካብ ምዉታን ድሕሪ ምትሳኡ፥ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናንውን ንሕና ኢና።
42
እግዚኣብሄር ንህያዋንን ንምዉታንን ክፈርድ ዝመደቦ፥ ንሱ ምዃኑ፥ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና።
43
ብእኡ ዝኣምን፥ ብስሙ ስርየት ሓጢኣት ከም ዝረክብ፥ ኵሎም ነቢያት መሰኻክሩ እዮም” በሎም።
44
ጴጥሮስ ገና ነዝ ነገር እዙይ እናነገሮም እንተሎ፥ ኣብቶም ነዝ ቓል እዙይ ዝሰምዑ ዅላቶም፥ መንፈስ ቅዱስ ወረደ።
45
እቶም ካብ ወገን ግርዘት ዝኾኑ፥ ምስ ጴጥሮስ ዝመፁ ኣመንቲ፥ እቶም ኣህዛብ ብቛንቋታት ክዛረቡን፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑን ስለ ዝሰምዑ፥ ንኣህዛብ ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝተውሃቦም ተገረሙ።
47
ሽዑ ጴጥሮስ “እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፥ ብማይ ከይጥመቑ ክኽልክሎም ዝኽእል ደኣ መን እዩ?” በለ።
48
ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክጥመቑ ድማ ኣዘዞም፤ ድሕሪዙይ ንቑሩብ መዓልቲ ምስኣቶም ክቕኒ ንጴጥሮስ ለመንዎ።
← Chapter 9
Chapter 11 →