bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 8
Acts 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሳውል ድማ ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ተሓባቢሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ብርቱዕ ስደት ኮነ። እንትርፊ ሃዋርያት፥ ኵሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ።
2
ንእስጢፋኖስ፥ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ሰባት ኣልዒሎም ቀበርዎ፤ መሪር ብኽያትውን በኸዩሉ።
3
ሳውል ግና ነታ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ፥ ገዛ ገዛ እናኸደ፥ ሰብኡትን ኣንስትን እናጐተተ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ።
4
እቶም ዝተበተኑ ሰባት ግና፥ ኣብ ኵሉ ዝኸድዎ፥ ቃል ወንጌል ሰበኹ።
5
ፊልጶስ ከዓ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ፥ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም።
6
እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ፊልጶስ ዝነገሮም ሰምዕዎ፤ እቲ ዝገበሮ ተኣምራት፥ ምስ ሰምዑን ምስ ረአዩን ድማ፥ ብሓደ ልቢ ነቲ ዝናገሮ ኣቕለቡ።
7
ካብ ብዙሓት ሰባት፥ ርኹሳት መናፍስቲ ብዓብዪ ድምፂ እናእወዩ ይወፁ ነበሩ፤ ብዙሓት መፃጕዓትን ሓንካሳትንውን ይሓውዩ ነበሩ።
8
ካብዙይ ዝተልዓለ፥ ኣብታ ኸተማ እቲኣ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።
9
ኣብታ ኸተማ፥ ሓደ ሲሞን ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ፤ ብጥንቍልናኡን ብዘረባኡን፥ ንባዕሉ ኸም ዓብዪ ሰብ እናቕረበ ንሰብ ሰማርያ የገርሞም ነበረ።
10
ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም “ዓብዪ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ እዙይ እዩ” እናበሉ የዳምፅዎ ነበሩ።
11
ዘዳምፅዎ ዝነበሩ ኸዓ፥ ንብዙሕ እዋን ብጥንቍልናኡ የገርሞም ስለ ዝነበረ እዩ።
12
ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄርን፥ ብዛዕባ ስም ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፊልጶስ ሰቢኹሎም ምስ ኣመኑ ግና፥ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠመቑ።
13
ሲሞን ባዕሉውን ኣሚኑ ተጠመቐ፤ ንፊልጶስውን ሰዓቦ፤ ምልክትን ዓበይቲ ተኣምራትን እንትፍፀም ምስ ረአየውን ተገረመ።
14
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያት ከዓ፥ ሰብ ሰማርያ ቃል እግዚኣብሄር ከም ዝተቐበሉ ምስ ሰምዑ፥ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ናብኣቶም ለኣኹሎም።
15
ንሳቶም ድማ ወሪዶም፥ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበሉ ፀለዩሎም።
16
ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራሕ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፥ መንፈስ ቅዱስ ገና ኻብኣቶም፥ ኣብ ሓደኳ ኣይወረደን ነበረሞ።
17
ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ፥ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።
18
ሲሞን ከዓ ብምንባር ኣእዳው ሃዋርያት፥ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝተውሃበ ምስ ረአየ፥ ከምዙይ እናበለ ገንዘብ ኣምፅአሎም፦
19
“እቲ ኣነ ኢደይ ዘንብረሉ፥ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽቕበልስ፥ ንኣይውን እዝ ስልጣን እዙይ ሃቡኒ” በሎም።
20
ጴጥሮስ ግና “ነቲ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ብገንዘብ ክትዕድጎ ስለ ዝሓሰብካ፥ ገንዘብካ ምሳኻ ይጥፋእ፤
21
ልብኻ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ፥ ኣብዝ ነገር እዙይ ክፍሊ ወይ ዕድል የብልካን።
22
እምበኣር ካብዝ ኽፍኣትካ ተነሳህ፤ ምናልባሽ ክፍኣት ልብኻ እንተ ሓደገልካ ንእግዚኣብሄር ለምን።
23
ኣብ መሪር ሕንዚ ቕንእን፥ ኣብ ማእሰርቲ ሓጢኣትን ከም ዘለኻ እሪአካ ኣለኹሞ” በሎ።
24
ሲሞን ድማ “ካብዝ ዝበልኩምዎ ነገራት ሓደኳ ኸይበፅሐንስ፥ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ” በሎም።
25
እንሆ ኸዓ ንሳቶም ምስ መስከሩን፥ ቃል እግዚኣብሄር ምስ መሃሩን፥ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ፥ ወንጌል እናሰበኹ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
26
መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፥ “ተስእ እሞ በታ ኻብ ኢየሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ ምድረ በዳ መንገዲ፥ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ” በሎ።
27
ተሲኡ ኸዓ ኸደ፤ እንሆ ድማ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ፥ ንህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገንዘባ ምሉእ ስልጣን ዝነበሮ፥ ክሰግድ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ነበረ።
28
ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ኽምለስ እንተሎ ኸዓ፥ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ።
29
መንፈስ ቅዱስ ከዓ ንፊልጶስ “ነዝ ሰረገላ እዙይ ኣርክቦ እሞ ምስኡ ኺድ” በሎ።
30
ፊልጶስ ከዓ ጐይዩ ኣርከቦ፤ ትንቢት ኢሳይያስ ከንብብ ምስ ሰምዖ ኸዓ፥ “ነዝ እተንብቦ ዘለኻስ፥ ተስተውዕሎዶ ኣለኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
31
ንሱ ድማ “ዝምህረኒ ዘይብለይ፥ ከመይ ገይረ ኸስተውዕሎ” በሎ፤ ንፊልጶስ ከዓ ደዪቡ ምስኡ ኽቕመጥ ለመኖ።
32
እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ፅሑፍ ከዓ፦ “ከም በጊዕ፥ ናብ ማሕረዲ ተዀብኰበ፤ ከምቲ ኣብ ቕድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ ከዓ፥ ኣፉ ኣይከፈተን፤
33
ኣብ ጊዜ ውርደቱ፥ ፍትሒ ሰኣነ፤ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ስለ ዝተወሰደት፥ ብዛዕባ ትውልዱ መን ክነግር ይኽእል?” ዝብል ነበረ።
34
እቲ ስሉብ ከዓ፥ መሊሱ ንፊልጶስ “እቲ ነቢይ ብዛዕባ መን እዩ እዙይ ዝብል ዘሎ? ብዛዕባ ርእሱ ድዩ ወይ ብዛዕባ ኻልእ እዩ? በይዛኻ ንገረኒ” በሎ።
35
ፊልጶስ ከዓ ኣፉ ኸፊቱ፥ ካብዝ መፅሓፍ እዙይ ጀሚሩ ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስራት ሰበኸሉ።
36
ክኸዱ እንተለዉ ድማ፥ ማይ ኣብ ዘለዎ ቦታ በፅሑ፤ ሽዑ እቲ ስሉብ “እንሆ ኣብዙይ ማይ ኣሎ፤ ከይጥመቕ ዝኽልክለኒ እንታይ ኣሎ?” በሎ።
37
ፊልጶስ ከዓ “ብምሉእ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፥ ክትጥመቕ ትኽእል ኢኻ” በሎ። ንሱ ድማ “ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ እኣምን እየ” ኢሉ መለሰሉ።
38
ነቲ ሰረገላ ደው ከብልዎ ኸዓ ኣዘዘ፤ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኦም፥ ናብቲ ማይ ወረዱ፤ ኣጥመቖውን።
39
ካብቲ ማይ ምስ ወፁ ኸዓ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ ወሰዶ፤ ብድሕሪኡ እቲ ስሉብ መሊሱ ኣይረኣዮን፤ እናተሓጐሰውን መንገዱ ቐፀለ።
40
ፊልጶስ ድማ ኣብ ሃገር ኣዛጦን ተረኽበ፤ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንእግረ መንገዱ ኣብ ኵለን ከተማታት እናተዘዋወረ፥ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።
← Chapter 7
Chapter 9 →