bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 7
Acts 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ሊቀ ካህናት ንእስጢፋኖስ “እዝ ነገር ከምዙይ ድዩ?” ኢሉ ጠየቖ።
2
ንሱ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ “ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፥ ኣብ ካራን እንተይተቐመጠ ገና ኣብ መስጴጦምያ እንተሎ፥ ናይ ክብሪ ኣምላኽ ተርኣዮ እሞ፥
3
‘ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውፃእ፤ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ እውን ኪድ’ በሎ።
4
ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወፂኡ፥ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ካብኡ፥ ናብዛ ሕዚ እትነብሩላ ዘለኹም ምድሪ ኣውፅኦ።
5
ኣብኣ ኽንዲ መርገፂ እግሪ እትኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፤ እንተ ኾነ ውሉድ ዘይብሉ እንተሎ፥ እታ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡ፥ ርስቲ ገይሩ ኸም ዝህቦ ተስፋ ሃቦ።
6
እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ ‘ዘርእኻ ኣብ ካልእ ሃገር ስደተኛታት ክኾኑ እዮም፤ ነርባዕተ ሚእቲ ዓመት ከዓ፥ ከም ባርያ ኽገፍዕዎምን ከሳቕይዎምን እዮም።
7
ኣነ ግና፥ ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ኽፈርዶም እየ’ ‘ብድሕሪዙይ ካብኡ ወፂኦም፥ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸምልኹኒ እዮም።’
8
ኪዳን ከም ዝኣተወሉ ኸርኢ ድማ፥ ናይ ግርዘት ስርዓት ሃቦ። ኣብርሃም ከዓ፥ ንይስሓቅ ምስ ወለደ ብሻምነይቲ መዓልቲ ገረዞ፤ ይስሓቅ ድማ ንያእቆብ፥ ያእቆብ ከዓ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ኣቦታት ነገድ እስራኤል።
9
“እቶም ቀዳሞት ኣቦታት ነገድ እስራኤል ድማ፥ ንዮሴፍ ስለ ዝቐንኡሉ፥ ናብ ግብፂ ሸጥዎ፤ እግዚኣብሄር ግና ምስኡ ነበረ።
10
ካብ ኵሉ መከራኡ ኸዓ ኣውፅኦ፤ ኣብ ቕድሚ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ድማ፥ ሞገስን ጥበብን ሃቦ፤ ንሱውን ኣብ ግብፅን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ኣዛዚ ገይሩ ሸሞ።
11
ኣብ ኵሉ ግብፅን ከነዓንን ከዓ፥ ጥሜትን ብዙሕ መከራን ኮነ፤ ኣቦታትና ድማ ዝምገብዎ ሰኣኑ።
12
ሽዑ ያእቆብ፥ ኣብ ግብፂ እኽሊ ኸም ዝርከብ ምስ ሰምዐ፥ ነቦታትና ንመጀመርታ ጊዜ ለኣኾም።
13
ኣብ ካልኣይ መንገዶም ከዓ፥ ዮሴፍ ነሕዋቱ መንነቱ ገለፀሎም። ዓሌቱውን ብፈርዖን ተፈለጠ።
14
ዮሴፍ ድማ፥ ነቦኡ ያእቆብን፥ ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ዝኾኑ ዅሎም ኣዝማዱን፥ ልኢኹ ፀውዖም።
15
ያእቆብ ድማ ናብ ግብፂ ወረደ፤ ንሱ ሞተ፤ ኣቦታትናውን ሞቱ።
16
ናብ ሴኬምውን ኣግዓዝዎም፤ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር፥ ኣብ ሴኬም ቀበርዎም።
17
“እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ብማሕላ ዝሃቦ ዘመን ተስፋ ምስ ቀረበ፥ ኣብ ግብፂ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ካልእ ንጉስ ክሳዕ ዝነግስ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብፂ እናወሰኸን እናበዝሐን ከደ።
19
እዝ ንጉስ እዙይ እቶም ህፃናቶም ብህይወት ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ኣብ ልዕሊ ዓሌትና ብተንኰል ተልዒሉ፥ ነቦታትና ኽሳዕ ናብ ምድርባይ ደቆም ዝበፅሑ፥ ገፍዖም።
20
ሙሴ ድማ በቲ ዘመን እቱይ ተወለደ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ምልኩዕ ነበረ፤ ሰለስተ ወርሒ ድማ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኡ ፀንሐ።
21
ምስ ተደርበየ፥ ጓል ፈርዖን ኣልዒላ ወዳ ክኸውን ኣዕበየቶ።
22
ሙሴ ድማ፥ ኵሉ ጥበብ ግብፃውያን ተምሃረ፤ ብቓሉን ብስርሑን ከዓ ብርቱዕ ኾነ።
23
“ሙሴ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኮነ፥ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ክሪኦም ብልቡ ሓሰበ።
24
ሓደ ኻብቶም ኣሕዋቱ እንትግፋዕ ምስ ረአየ፥ ዘርዩ ነቲ ግብፃዊ ብምቕታል ሕነ ፈደየሉ።
25
እግዚኣብሄር፥ ብኢዱ ገይሩ ኸድሕኖም ከም ዝደለየ፥ ኣሕዋቱ ዝፈልጡ መሲልዎ ነበረ፤ እንተ ኾነ ንሳቶም ኣይተረድኡን።
26
ንፅባሒቱ ኽልተ ኻብቶም ኣሕዋቱ፥ ክበኣሱ እንተለዉ ረኸቦም፤ ከተዓርቖም ደልዩ ኸዓ ‘ኣቱም ሰባት፥ ንስኻትኩምስ ኣሕዋት ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ንስንሳትኩም ትበኣሱ?’ በሎም።
27
እቲ ንብፃዩ ዝዕምፆ ዝነበረ ግና፦ ‘ንኣኻ፥ ኣብ ልዕሌና ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፥ መን ሸመካ?
28
ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብፃዊ ዝቐተልካዮ ንኣይውን ክትቀትለኒዶ ደሊኻ?’ በሎ።
29
ሙሴ፥ እዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ፥ ሃደመ፤ ኣብ ምድሪ ምድያም ድማ፥ ስደተኛ ኾይኑ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ ቘልዑ ወለደ።
30
“ኣብ ምድያም ኣርብዓ ዓመት ምስ ተቐመጠ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዝነድድ ቈጥቋጥ ተርኣዮ።
31
ሙሴ ነዝ ትርኢት እዙይ ምስ ረአየ ተገረመ፤ ክጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፦
32
‘ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፥ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን እየ’ ዝብል ድምፂ እግዚኣብሄር ሰምዐ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ፤ ክጥምት ከዓ ኣይደፈረን።
33
እግዚኣብሄር ድማ ‘እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ፥ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፥ ኣሳእንካ ኻብ እግርኻ ኣውፅእ።
34
ናይቶም ኣብ ግብፂ ዘለዉ ህዝበይ ግፍዒ ብርግፅ ረአኹ፤ ገዓሮምውን ሰማዕኹ፤ ከድሕኖም ድማ ወረድኩ፤ ሕዚ ኸዓ ነዓ፥ ናብ ግብፂ ኽልእኸካ እየ’ በሎ።
35
“ነዝ ኣባና ‘ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፥ መን እዩ ዝሸመካ?’ ኢሎም ዝኸሓድዎ ሙሴ፥ ንእኡ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቈጥቋጥ ብዝተርኣዮ መልኣኽ ገይሩ፥ ሓለቓን መውፅኢ ሓራን ምእንቲ ክኸውን ለኣኾ።
36
ንሱ ኸዓ ኣብ ግብፅን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ምድረ በዳ ምልክትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውፅኦም።”
37
“እዝ ሙሴ እዙይ እዩ፥ ንደቂ እስራኤል ‘ከምቲ ንኣይ ዘተስአ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኣሕዋትኩም፥ ከማይ ዝበለ ነቢይ ከተስአልኩም እዩ’ ዝበሎም።
38
ኣብ ምድረ በዳ ምስቲ ማሕበርን፥ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና ዝተዛረቦ መልኣኽን፥ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፥ ናባና ንኸመሓላልፎ ድማ፥ ናይ ህይወት ቃል ዝተቐበለ፥ ንሱ ሙሴ እዩ።
39
ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፥ ክእዘዝዎ ኣይደለዩን፤ ብልቦምውን ናብ ግብፂ ተመለሱ።
40
ንኣሮን ድማ ‘እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፅአና ሙሴ፥ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ ዘይንፈልጥ፥ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና’ በልዎ።
41
በቲ ቕነ እቱይ፥ ብምስሊ ምራኽ ጣዖት ኣቖሙ፤ መስዋእቲ ድማ ሰውኡሉ፤ ብስራሕ ኣእዳዎምውን ደስ በሎም።
42
እግዚኣብሄር ግና ኻብኣቶም ረሓቐ፤ ንኸዋኽብቲ ሰማይ ከምልኹ ኸዓ ሓደጎም። እዙይ ድማ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢያት ዝተፅሓፈ፦ ‘ኦ ቤት እስራኤል፥ ኣብ ምድረ በዳ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል፥ ሕሩድ ኮነ መስዋእትታት ዘቕረብኩምለይዶ ነይሩኩም እዩ?
43
ንስኻትኩም ነቶም ክተምልኽዎም ኢልኩም ዝሰራሕኹምዎም ምስልታት፥ ድንኳን ሞሎኽን ኮኸብ ሬፋን ኣምላኽኩምን ኢኹም፥ ምሳኻትኩም ዝተማላእኹም፤ ኣነ ኸዓ ኻብ ባቢሎን ንንየው፥ ከም እትስደዱ ኽገብረኩም እየ።’
44
“ኣቦታትና ኣብ ምድረ በዳ፥ ናይ ምስክር ድንኳን ነበረቶም፤ ንሳ ኸዓ እታ እግዚኣብሄር ንሙሴ፥ ከምታ ዝረአያ ምስሊ ገይሩ ኽሰርሓ ዝኣዘዞ እያ።
45
ኣቦታትና ምስ ተቐበልዋ ኸዓ፥ ብኢያሱ ተመሪሖም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ፥ ካብ ገፅ ኣቦታትና ኣሳጒጉ ዘውረሶም ሃገር ኣእተውዋ፤ ክሳዕ ዘመን ዳዊትውን ኣብኡ ፀንሐት።
46
ዳዊት ድማ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ፤ ንኣምላኽ ያእቆብ ዝኸውን መሕደሪ ኽሰርሕ ከዓ ለመነ።
47
ቤት ዝሃነፀሉ ግና ሰሎሞን እዩ።
48
ከምቲ ነቢይ፦ ‘ሰማይ ዙፋነይ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ መርገፂ እግረይ እያ፤ ከመይ ዝበለ ቤት ደኣ ኢኹም እትሃንፁለይ? ይብል እግዚኣብሄር፤ ከመይ ዝበለ ስፍራኸ እዩ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ? ነዝ ዅሉ ነገራትስ ኢደይዶ ኣይኮነን ዝገበሮ?’ ዝበሎ፥ እቲ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንፀ ቤት ኣይነብርን እዩ።
51
“ኣቱም ተረርቲ ኽሳድ፥ ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገረዘ፤ ንስኻትኩምውን ከም ኣቦታትኩም፥ ንመንፈስ ቅዱስ ኵሉ ጊዜ ትቃወምዎ ኣለኹም።
52
ካብ ነቢያትከ፥ ኣቦታትኩም ዘየሳጐጕዎ መን ኣሎ? ንሳቶም፥ ነቶም ብዛዕባ ምምፃእ እቲ ፃድቕ፥ ኣቐዲሞም ንዝነገሩ ቐተልዎም፤ ሕዚ እውን ንስኻትኩም፥ ነቲ ፃድቕ ኣሕሊፍኩም ብምሃብ ቐተልኩምዎ።
53
ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ፥ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎ ኔርኩም፤ እንተ ኾነ ኣይሓለኹምዎን።”
54
ንሳቶም ከዓ ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ ልቦም ነደደ፤ ኣስናኖምውን ሓርቀሙሉ።
55
ንእስጢፋኖስ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፤ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ክብሪ እግዚኣብሄርን፥ ኢየሱስ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ቆይሙን ረአየ።
56
ሽዑ “እንሆ ሰማይ ተኸፊቱ፥ ወዲ ሰብ ድማ፥ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ቆይሙ እርኢ ኣለኹ” በለ።
57
ንሳቶምውን ዓው ኢሎም ድምፂ እናስምዑ፥ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፥ ብሓደ ልቢ ኾይኖም ናብኡ ጐየዩ።
58
ካብታ ኸተማ ኣውፂኦም ከዓ፥ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ፤ እቶም ዝቐተልዎ ድማ፥ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዝበሃል ጐበዝ ኣንበሩ።
59
ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ” ኢሉ ፀለየ።
60
ተንበርኪኹ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ “ኦ ጐይታ፥ ነዙ ሓጢኣት እዙይ ኣይትቝፀረሎም” በለ። እዙይ ምስ በለውን ዓረፈ።
← Chapter 6
Chapter 8 →