bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 24
Acts 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፥ ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት፥ ምስ ሽማግለታትን ጠርጠሉስ ምስ ዝበሃል ሓደ ወዳኢ ነገርን ወረደ፤ ንሳቶም ድማ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ከሰስዎ።
2
ጳውሎስ ምስ ተፀውዐ ድማ፥ ጠርጠሉስ ከምዙይ እናበለ ክኸሶ ጀመረ፦ “ኦ ኽቡር ፊልክስ! ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ረኺብና ኣለና፤ ሳላ ብልሓትካ ድማ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ብዙሕ ምምሕያሽ ኮይኑሉ ኣሎ።
3
ነዝ ነገር እዙይ ድማ፥ ኵልሻዕ ኣብ ኵሉ ሃገር ብታሕጓስ እናተቐበልና፥ ነመስግነካ ኣለና።
4
እንተ ኾነ ምእንቲ ኸየንውሐልካ፥ ነዝ ብሓፂሩ ዝብለካ፥ ተዓጊስካ ብቕንዕና ኽትሰምዐኒ እልምነካ ኣለኹ።
5
እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ናይቶም ናዝራውያን ተብሂሎም ዝፅውዑ ወገን መራሒ እዩ፤ በብዓዱ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ድማ፥ ዕግርግርን ህውከትን እናፈጠረ፥ ሕማም ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።
6
ቤተ መቕደስ ከርክስ ምስ ደለየ ኸዓ፥ ሒዝና ኸም ሕግና ኽንፈርዶ ደለና።
7
ግና ሉስዮስ እቲ ሓለቓ ሽሕ መፂኡ፥ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና መንዚዑ ወሰዶ።
8
ነቶም ከሰስቱ ድማ፥ ናባኻ ኽመፁ ኣዘዞም። ብዛዕባ እዝ ንሕና እንኸሶ ዘለና ዅሉ ኸዓ፥ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኽትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።”
9
ኣይሁድውን “እወ፥ እዝ ነገር እዙይ ልክዕ እዩ” በሉ።
10
እቲ ሹም ክዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸዓ፥ ጳውሎስ ከምዙይ እናበለ መለሰ፦ “ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ፥ ነዝ ህዝቢ እዙይ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየሞ፥ ነገረይ ብታሕጓስ እነግረካ ኣለኹ።
11
ክሰግድ ኢለ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ካብ ዝድይብ ካብ ዓሰርተ ኽልተ መዓልቲ ዝበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፥ ክትፈልጦ ትኽእል ኢኻ።
12
ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ሓደኳ ኽዛረብ፥ ወይ ህዝቢ ኣኪበ ኽህውኽ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኮነ ኣብ ከተማ ኣይረኸቡንን።
13
ሕዚ እውን በዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ነገር፥ ኣብ ቅድሜኻ ኽረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም።
14
ኣነ ግና፥ ንዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎን፥ ንዅሉ ኣብ ነቢያት ተፅሒፉ ዘሎን ከም ዝኣምን፥ በታ ንሳቶም ‘መናፍቕነት’ ብዝብልዋ መንገዲ ጐይታ፥ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እእመነልካ ኣለኹ።
15
ከምቲ ንሳቶም ተስፋ ዝገብርዎ፥ ኣነውን ፃድቃንን ሓጥኣንን ካብ ሞት ከም ዝትስኡ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተስፋ ኣለኒ።
16
ስለዙይ ከዓ እየ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ብንፁህ ሕሊና ኽነብር ዝፅዕር ዘለኹ።
17
“ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከዓ፥ ናብ ህዝበይ ምፅዋት ከብፅሕን፥ መስዋእቲ ኸቕርብን፥ ናብ ኢየሩሳሌም መፃእኹ።
18
እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ከምቲ ስርዓት ዝእዝዞ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ርእሰይ ከንፅህ እንተለኹ ደኣ ረኸቡኒ እምበር፥ ዝኣከብክዎ ወይ ንህውከት ዘለዓዓልክዎ ህዝቢ ኣይነበረን፤
19
ገሊኣቶም ካብ እስያ ዝመፁ ኣይሁድ ግና ኣብኡ ነበሩ፤ ንሳቶም ኣባይ ነገር እንተ ደኣ ሃልይዎም፥ ኣብ ቅድሜኻ መፂኦም፥ ክኸሱኒ እዩ ዝግባእ።
20
ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቖይመ እንተለኹ፥ ዝኾነ በደል ረኺቦምለይ እንተ ኾይኖም፥ እዚኣቶም ይንገሩ።
21
ብዘይ እታ ኣብ ማእኸሎም ቆይመ፥ ዓው ኢለ ‘ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን፥ ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣለኹ’ ዝበልክዋ እንተ ዘይኮይና፥ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡለይን።”
22
ፊልክስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ “እቲ ሓለቓ ሽሕ ሉስዮስ ምስ ወረደ፥ ሽዑ ነገርኩም ኣፀቢቐ ኽምርምሮ እየ” ኢሉ ኽፀንሕ ገበሮ።
23
ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ንጳውሎስ ክሕልዎ፥ ማእሰርቲ ኸቕልለሉ፥ ካብቶም ከገልግልዎ ዝደልዩ ሰባትውን፥ ንሓደኳ ኸይኽልክል ኣዘዞ።
24
ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ፥ ፊልክስ ምስታ ድሩሲላ ዝተብሃለት ኣይሁዳዊት ሰበይቱ መፂኡ፥ ንጳውሎስ ልኢኹ ፀውዖ እሞ፥ ብዛዕባ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን፥ ካብኡ ሰምዑ።
25
ብዛዕባ ፅድቅን፥ ንባዕልኻ ምግታእን፥ ብዛዕባ ዝመፅእ ፍርድን፥ ምስ ነገሮም ፊልክስ ፈሪሑ፥ “ሕዚ ኺድ፤ ብዝምችወኒ ጊዜ ኽትመፅእ ክልእኸልካ እየ” በሎ።
26
ምስዙይ ድማ ኻብ ጳውሎስ ገንዘብ ክረክብ ተስፋ ይገብር ስለ ዝነበረ፥ ብዙሕ ጊዜ ለልኢኹ እናምፅአ ይዛረቦ ነበረ።
27
ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ጶርቅዮስ ፊስጦስ ክንዲ ፊልክስ ተሸመ። ፊልክስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።
← Chapter 23
Chapter 25 →