bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 25
Acts 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፊስጦስ ናብታ ግዝኣቱ ቂሳርያ ምስ መፀ፥ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ካብ ቂሳርያ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።
2
ሊቃነ ካህናትን መኳንንቲ ኣይሁድን ድማ፥ ብዛዕባ ጳውሎስ ነገርዎ።
3
ኣብ መንገዲ ተፀናትዮም ክቐትልዎ መዲቦም ስለ ዝነበሩ ኸዓ “ንጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ስደደልና” ኢሎም ለመንዎ።
4
ፊስጦስ ድማ፥ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ እዩ ዝሕሎ ዘሎ፥ ኣነ ኸዓ ቐልጢፈ ናብኡ ኽምለስ እየ ኢሉ መለሰሎም።
5
“እምበኣር ካባኻትኩም ሓላፍነት ዘለዎም ወዳእቲ ነገር ምሳይ ይኺዱ እሞ፥ እቲ ሰብኣይ እቱይ፥ ዝኾነ በደል እንተ ሃልይዎ ኣብኡ ይኽሰስዎ” በሎም።
6
ፊስጦስ ምስኣቶም ሸሞንተ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ናብ ቂሳርያ ወረደ፤ ንፅባሒቱ ድማ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፥ ንጳውሎስ ከምፅእዎ ኣዘዘ።
7
ጳውሎስ ምስ መፀ ኸዓ፥ እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ። መርትዒ ኽረኽቡሉ ዘይኽእሉ፥ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ድማ ኸሰስዎ።
8
ጳውሎስ ድማ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኣይሁድ ኮነ፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ፥ ወይ ኣብ ልዕሊ ቄሳር ኣይበደልኩን” ኢሉ፥ ናይ ምክልኻል መልሲ ሃበ።
9
ፊስጦስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ “ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብ እሞ፥ በዝ ነገር እዙይ ኣብኡ፥ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
10
ጳውሎስ ግና “ኣነ ኣብ ቕድሚ ናይ ቄሳር መንበር ፍርዲ ቖይመ ኣለኹ፤ ክፍረድ ዝግብአኒ ድማ ኣብኡ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝበደልክዎ ኸም ዘይብለይ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
11
ንሞት ዘብፅሕ ዓመፅን ክፍኣትን ገይረ እንተ ኾይነ፥ ሞት ኣይፈረደኒ ኣይብልን። እዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ብሓሰት እንተ ኾይኑ ግና፥ ናብኣቶም ኣሕሊፉ ኽህበኒ ዝኽእል የለን፤ ኣነ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ” በለ።
12
ሽዑ ፊስጦስ ምስቶም መማኽርቱ ተነጋጊሩ፥ “ናብ ንጉስ ቄሳር ይግባይ ካብ በልካ፥ ናብኡ ኽትከይድ ኢኻ” በሎ።
13
ቁሩብ መዓልቲታት ምስ ሓለፈ ድማ፥ ንጉስ ኣግሪጳን ብርኒቄን፥ ንፊስጦስ ክራኸብዎ ናብ ቂሳርያ ወረዱ።
14
ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ፀንሑ ኸዓ፥ ፊስጦስ ነቲ ንጉስ፥ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዝ ዝስዕብ ገለፀሉ፦ “ፊልክስ ብእሱሩ ዝሓደጎ ሰብኣይ ኣብዙይ ኣሎ።
15
ናብ ኢየሩሳሌም ከይደ እንተለኹ ድማ፥ ሊቃነ ካህናት ኣይሁድን ሽማግለታቶምን፥ ናባይ መፂኦም ብዛዕባኡ ነገሩኒ፤ ክፈርዶውን ለመኑኒ።
16
ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገፅ ንገፅ ደው እንተየበልካ፥ በቲ ዝኸሰስዎ ናይ ምክልኻል መልሲ ዕድል እንተይሃብካ፥ ተቐዳዲምካ ንሓደ እኳ ኽቕፃዕ ኣሕሊፍካ ምሃብ፥ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኮነ ነገርክዎም።
17
ድሕሪዙይ ናብዙይ ተኣኪቦም ምስ መፁ፥ እንተየደናጐኹ ንፅባሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፥ ነቲ ሰብኣይ ከምፅእዎ ኣዘዝኩ።
18
እቶም ከሰስቱ ምስኡ ምስ ኣቖምኩዎም፥ ኣነ ኸም ዝተፀበኽዎ ዝፈፀሞ ወንጀል ኣየቕረቡሉን።
19
እንተ ኾነ ብዛዕባ ናይ ኣምልኾኦም ዝኾነ ነገርን፥ ብዛዕባ ሓደ ዝሞተ፥ ጳውሎስ ግና ‘ህያው እዩ’ ዝብሎ ኢየሱስን፥ ይካትዑ ነበሩ።
20
ኣነ ኸዓ ዝገብሮ ምስ ሰኣንኩ፥ ‘ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ክትፋረድ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብዶ ትደሊ?’ በልክዎ።
21
ጳውሎስ ግና ፍርዲ ቄሳር ክሳዕ ዝወሃቦ ይግባይ ስለ ዝበለ፥ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ክሕሎ ኣዘዝኩ።”
22
ኣግሪጳ ኸዓ ንፊስጦስ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣነውን ባዕለይ ክሰምዖ እደሊ እየ” በሎ። ፊስጦስ ድማ “እምበኣር ፅባሕ ክትሰምዖ ኢኻ” በሎ።
23
ንፅባሒቱ ድማ ኣግሪጳን ብርኒቄን ልብሰ መንግስቲ ለቢሶም ብዓብዪ ግርማ፥ ምስቶም ሓለቓታት ሽሕን፥ ናይታ ኸተማ ዓበይቲ ሰባትን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ኣተዉ። ፊስጦስ ከዓ ንጳውሎስ ከምፅእዎ ኣዘዘ።
24
ጳውሎስ ምስ መፀ ፊስጦስ “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ኣቱም ኣብዙይ ምሳና ዘለኹም ኵልኻትኩም ስምዑ፦ ኵላቶም ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮነ ኣብዙይ ‘ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ’ እናበሉ ዝጠርዑሉ፥ እዝ እትሪእዎ ዘለኹም ሰብኣይ እዩ።
25
ኣነ ግና መርሚረ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል ከቶ ኣይረኸብኩሉን፤ ባዕሉ ‘ናብ ቄሳር ይግባይ’ ምስ በለ ኸዓ፥ ንምስዳዱ ወሲነ ኣለኹ።
26
እንተ ኾነ ብዛዕባኡ፥ ናብ ጐይታይ ዝፅሕፎ ፍሉጥ ነገር የብለይን፤ ስለዙይ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝፅሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብስ፥ ናባኻትኩም፥ ምናዳ ኸዓ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ።
27
ንሓደ እሱር መኽሰሲኡ እንተይነገርኩ ምስዳዱ፥ ቅኑዕ ኾይኑ ኣይተርአየንንሞ” በለ።
← Chapter 24
Chapter 26 →