bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 23
Acts 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሽዑ ጳውሎስ፥ ነቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ኣትኲሩ እናጠመተ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄር ብንፁህ ሕሊና እየ ዝተመላለስኩ” በሎም።
2
ሓናንያ እቲ ሊቀ ካህናት ግና፥ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣፉ ኽፀፍዕዎ ኣዘዘ።
3
ጳውሎስ ድማ ንእኡ “ኣታ ዝተለመፀ መንደቕ፥ እግዚኣብሄር ክወቕዐካ እዩ። ንስኻ ብሕጊ ኽትፈርደኒ ኣብ መንበር ተቐሚጥካስ፥ ብዘይ ሕጊ ኽወቕዑኒዶ ትእዝዝ ኣለኻ?” በሎ።
4
እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ፥ “ንምንታይ ንናይ እግዚኣብሄር ሊቀ ካህናት ትፃረፍ ኣለኻ?” በልዎ።
5
ጳውሎስ ድማ “ኣሕዋተይ፥ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ብዘይምፍላጠይ እየ፤ ‘ንሹም ህዝብኻ ኣይትፅረፍ’ ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ” በሎም።
6
ጳውሎስ ከዓ ገሊኣቶም ሰዱቃውያን፥ ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፥ ኣብቲ መጋባእያ ዓው ኢሉ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳዊ እየ፤ ምዉታን ከም ዝትስኡ ተስፋ ስለ ዝገብር እዩ፥ ዝፍረደኒ ዘሎ” በሎም።
7
እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ኾነ፤ እቲ ኣኼባውን ተፈላለየ።
8
ሰዱቃውያን፥ ትንሳኤ ሙታን፥ መልኣኽ፥ ወይ መንፈስ የለን ዝብሉ እንትኾኑ፥ ፈሪሳውያን ግና እዝ ኵሉ ኸም ዘሎ ይኣምኑ ነበሩሞ።
9
ብዙሕ ዋዕዋዕታ ድማ ኾነ፤ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾኑ ሓድሓደ መምህራን ሕጊ፥ “ኣብዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ሓደኳ ኽፉእ ነገር ኣይረኸብናን፤ መንፈስ ወይ መልኣኽ ተናጊርዎ እንተ ኾነኸ፥ እንታይ ንፈልጥ?” እናበሉ ተሲኦም ተኸራኸሩ።
10
ብዙሕ ባእሲ ምስ ኮነ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ፥ እቶም ህዝቢ ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሑ፥ ነቶም ወታደራት “ወሪድኩም ካብ ማእኸሎም ሒዝኩም፥ ናብ ሰፈር ወታደራት ኣብፅሕዎ” ኢሉ ኣዘዞም።
11
በታ ኻልአይቲ ለይቲ ኸዓ፥ ጐይታ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፥ “ጳውሎስ፥ ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ፥ ከምኡውን ኣብ ሮሜ ክትምስክረለይ ኢኻ እሞ፥ ኣይዞኻ” በሎ።
12
ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ ኣይሁድ፥ “ንጳውሎስ ክሳዕ እንቐትሎ ኣይንብላዕ፥ ኣይንስተ” ኢሎም ተመሓሓሉ።
13
እቶም ከምዙይ ዝተማሓሓሉ ድማ፥ ካብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ነበሩ።
14
ንሳቶም ከዓ፥ ናብ ሊቃነ ካህናትን ናብ ሽማግለታትን ከይዶም፥ “ንሕና ‘ንጳውሎስ እንተይቀተልና፥ ዝኾነ ኸይንጥዕም ተመሓሒልና ኣለና’።
15
ሕዚ ድማ ንስኻትኩም፥ ምስቶም ኣብ መጋባእያ ዝተኣከቡ ዄንኩም፥ ንጳውሎስ ናባኻትኩም ከውፅኦ እሞ፥ ኣፀቢቕኩም ክትምርምሩ ኸም ዝደለኹም ጌርኩም፥ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ንገርዎ፤ ንሕና ኸዓ ኣባኻትኩም እንተይበፅሐ ኽንቀትሎ ተዳሊና ኣለና” በልዎም።
16
ወዲ ሓፍቱ ንጳውሎስ ከዓ፥ ነዝ ምኽሮም ሰሚዑ ኸደ፤ ናብቲ ሰፈር ወታደር ኣትዩ ድማ፥ ንጳውሎስ ነገሮ።
17
ጳውሎስ ድማ፥ ካብቶም ኣሕሉቕ ሚእቲ ንሓደ ፀዊዑ፥ “እዝ ወዲ እዙይ፥ ንሓለቓ ሽሕ ዝነግሮ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ናብኡ ውሰዶ” በሎ።
18
እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ፥ ሒዙ ምስኡ ወሲዱ፥ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ “እቲ እሱር ጳውሎስ፥ ናብኡ ፀዊዑ፥ እዝ ወዲ እዙይ ዝነግረካ ዘረባ ስለ ዘለዎ፥ ናባኻ ኸእትዎ ለሚኑኒ” በሎ።
19
እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ፥ ነቲ ወዲ ብኢዱ ሒዙ፥ ንበይኑ ኣግልስ ኣቢሉ፥ “እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ” ኢሉ ጠየቖ።
20
ንሱ ኸዓ “ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ብዛዕባኡ ኣፀቢቖም ክጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ኣምሲሎም፥ ፅባሕ ናብ መጋባእያ ኽተውርደሎም ክልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ።
21
ካብኣቶም ካብ ኣርብዓ ዝበዝሑ ሰባት ይፀናተዉ ኣለዉ፤ ንእኡ ኽሳዕ ዝቐትልዎ ድማ፥ ከይበልዑን ከይሰትዩን ተመሓሒሎም ኣለዉ። ሕዚ ኽሳዕ እትልእኸሎም እዮም ዝፅበዩ ዘለዉ። ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም” በሎ።
22
ድሕሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ “ንኣይ ከም ዝነገርካኒ፥ ንኻልእ ኣይትንገር” ኢሉ፥ ኣጠንቂቑ ሰደዶ።
23
ብድሕሪኡ ንኽልተ ኣሕሉቕ ሚእቲ ፀዊዑ፥ “ንቂሳርያ ዝኸዱ ኽልተ ሚእቲ ወታደራት፥ ሰብዓ ፈረሰኛታት፥ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት፥ ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ።
24
ንጳውሎስ ከዓ መፅዓኛ ቐርቡሉ፤ ናብ ፊልክስ እቲ ገዛኢ ቂሳርያ ድማ ኣብፅሕዎ” በሎም።
25
ከምዙይ ኢሉውን መልእኽቲ ፀሓፈ፦
26
“ካብ ቀላውዴዎስ ሉስዮስ፥ ናብ ክቡር ሹም ፊልክስ፥ ሰላም ንኣኻ ይኹን።
27
ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣይሁድ ሒዞም፥ ክቐትልዎ ደልዮም ነበሩ፤ ኣነ ግና ሮማዊ ዜጋ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፥ ምስ ወታደራት መፂአ ኣናገፍክዎ።
28
እቲ ዝኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸዓ፥ ናብ መጋባእያኣቶም ኣቕረብክዎ።
29
ሽዑ ብዛዕባ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ደኣ እምበር፥ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ ክሲ፥ ከቶ ኣይረኸብኩሉን።
30
ነዝ ሰብኣይ እዙይ ይፀናተውዎ ኸም ዘለዉ ምስ ሰማዕኹ ኸዓ፥ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ ኣለኹ፤ ነቶም ከሰስቱውን፥ ኣብ ቕድሜኻ ክኸስዎ ኣዚዘዮም ኣለኹ፤ ደሓን ኩን።”
31
እቶም ወታደራት ድማ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ፥ ንጳውሎስ ወሲዶም፥ ብለይቲ ናብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብፅሕዎ።
32
ንፅባሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ክኸዱ ሓዲጎምዎም፥ ናብ ሰፈሮም ተመለሱ።
33
እቶም ፈረሰኛታት ናብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ድማ፥ ነታ መልእኽቲ ንፊልክስ ሃብዎ፤ ንጳውሎስውን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣበልዎ።
34
ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ ኸዓ፥ ናይ መን ግዝኣት ተወላዳይ ምዃኑ ጠየቖ። በዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፥
35
“እምበኣር ከሰስትኻ ምስ መፁ፥ ሽዑ ኽሰምዐኩም እየ” በሎ። ኣብ ናይ ሄሮድስ ቤተ መንግስቲ ኣእትዮም ንኽሕልውዎ ኸዓ ኣዘዘ።
← Chapter 22
Chapter 24 →