bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 22
Acts 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፥ እዝ ሕዚ ኣነ ዝከራኸረሉ ነገር ስምዑኒ።”
2
ብቛንቋ ዕብራይስጢ ኽዛረብ ምስ ሰምዕዎ፥ ብዝበለፀ ፀጥ ኢሎም ኣዳመፅዎ፤ ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በለ፦
3
“ኣነስ ኣብታ ኣብ ቂልቅያ እትርከብ፥ ጠርሴስ እትበሃል ከተማ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብ እየ። ኣብ ጥቓ እግሪ ገማልያል ኮይነ፥ ሕጊ ኣቦታት ኣፀቢቐ እናተምሃርኩ፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እየ ዝዓበኹ። ከምዝ ዅልኻትኩም ሎሚ ዘለኹምዎ ኸዓ፥ ብናይ እግዚኣብሄር ነገር ቀናእ ነበርኩ።
4
ሰብኡትን ኣንስትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩ፥ ነቶም ነዛ መንገዲ ጐይታ እዚኣ ዝስዕቡ፥ ክሳዕ ሞት ክቐትሎም ኣሳጐጕክዎም።
5
ከምዙይ ከም ዝገበርኩ፥ ሊቀ ካህናትን ኵላቶም ሽማግለታትን ይምስክሩለይ እዮም። እቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ኣሕዋት ምእንቲ ኽቕፅዑ፥ እናኣሰርኩ ናብ ኢየሩሳሌም ከምፅኦም ዘኽእለኒ፥ ናብቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣይሁዳውያን፥ ካብኣቶም መልእኽቲ ተቐቢለ ነይረ እየ።
6
“ናብ ደማስቆ እናኸድኩ እንተለኹ፥ ናብኣ ምስ ቀረብኩ፥ ኣጋ ቐትሪ ድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን፥ ኣብ ዙርያይ ኣንፀባረቐ።
7
ኣብ ምድሪ ኸዓ ወደቕኩ፥ ‘ሳውል! ሳውል! ንምንታይ እተሳጕጐኒ?’ ዝብል ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።
8
ኣነ ድማ መሊሰ ‘ጐይታይ፥ ንስኻ መን ኢኻ?’ በልክዎ። ንሱ ኸዓ ‘ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እየ’ በለኒ።
9
እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረአይዎ፤ ናይቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ ድምፂ ግና ኣይሰምዑን።
10
ሽዑ ኸዓ ‘ጐይታይ፥ እንታይ ክገብር?’ በልክዎ፤ ጐይታ ድማ ‘ተሲእኻ ናብ ደማስቆ ኺድሞ፥ እቲ ኽትገብሮ ዝግበአካ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም’ በለኒ።
11
ካብቲ ግርማ ነፀብራቕ ዝተልዓለ ምርኣይ ምስ ሰኣንኩ ድማ፥ እቶም ምሳይ ዝነበሩ እናመርሑኒ፥ ናብ ደማስቆ በፃሕኹ።
12
“ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝንእድዎ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሕያዋይን ብሕጊ ዝፀንዐን፥ ሓናንያ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ።
13
ንሱ ናባይ መፂኡ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለ፤ ‘ሳውል ሓወይ፥ ረአ’ በለኒ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ረአኹ፤ ንእኡውን ጠመትኩዎ።
14
ንሱ ኸዓ፥ ፍቓዱ ኽትፈልጥን፥ ነቲ ፃድቕ [ክርስቶስ] ከዓ ኽትሪኦን፥ ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ኣምላኽ ኣቦታትና ሓረየካ።
15
እዙይ ድማ፥ በቲ ዝረአኻዮን ዝሰማዕኻዮን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኮኖ እዩ።
16
ሕዝኸ እንታይ ትፅበ ኣለኻ? ተስእሞ፥ ስም ጐይታ እናፀዋዕኻ ተጠመቕ፤ ካብ ሓጢኣትካውን ተሓፀብ” በለኒ።
17
“ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሰ፥ ኣብ መቕደስ እናፀለኹ እንተለኹ ድማ ተመሰጥኩ።
18
ጐይታ ኸዓ ብራእይ ‘ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቕበሉኻን እዮም እሞ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ቀልጢፍካ ውፃእ’ ኽብለኒ እንተሎ ረአኹዎ።
19
ኣነ ኸዓ ‘ጐይታይ፥ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዝኣምኑ ኣኣስሮምን፥ ኣብ ቤተ ፀሎታቶም እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፥ ባዕልቶም ይፈልጡ እዮም።
20
ደም እስጢፋኖስ ሰማዕትኻ ኸፍስሱ እንተለዉ ድማ፥ ባዕለይ ምስኣቶም ተሰማሚዐ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፤ ናይቶም ዝቐተልዎ ኽዳውንቲ እውን እሕሉ ነበርኩ’ በልክዎ።
21
ንሱ ኸዓ ‘ኣነ፥ ኣብ ርሑቕ ናብ ዘለዉ ኣህዛብ፥ እልእኸካ ኣለኹ እሞ ኺድ’ በለኒ።”
22
ክሳዕ እዝ ዘረባ እዙይ፥ ንጳውሎስ ሰምዕዎ፤ ብድሕሪዙይ ግና፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፦ “ከምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፥ ካብ ምድሪ ኣወግድዎ” በሉ።
23
እቶም ህዝቢ ኽዳውንቶም እናደርበዩ፥ ሓመድ ንላዕሊ እናብነኑ ዋዕዋዕ ክብሉ እንተለዉ፥
24
እቲ ሓለቓ ሽሕ፥ ነቲ ዋዕዋዕ ዘበሎም ምኽንያት ምእንቲ ኽፈልጥ፥ “ኣብ ስፍራ ወታደራት ኣእቲኹም፥ ብመግረፍቲ መርምርዎ” ኢሉ ኣዘዘ።
25
ክገርፍዎ ምስ ኣሰርዎ ኸዓ፥ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ “ንሓደ ሮማዊ ዜጋ፥ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፉዶ ተፈቒዱልኩም እዩ?” በሎ።
26
እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፥ “እዝ እትገብሮ ዘለኻ ፍለጥ፤ ምኽንያቱ እዝ ሰብኣይ እዙይ ‘ሮማዊ እዩ’ ” ኢሉ ነገሮ።
27
እቲ ሓለቓ ሽሕ ከዓ መፂኡ፥ “ኣታ ሮማዊ ዲኻ? እስኪ ንገረኒ” በሎ። ጳውሎስ ከዓ “እወ” በሎ።
28
እቲ ሓለቓ ሽሕ ኸዓ “ኣነስ፥ ነዝ ዜግነት እዙይ፥ ብዙሕ ገንዘብ ብምኽፋል እየ ዝረኸብክዎ” በሎ፤ ጳውሎስ ድማ “ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ” በሎ።
29
እቶም ክምርምርዎ ኢሎም ኣብኡ ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ግና፥ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ኣረጋገፀ፥ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሐ።
30
ብፅባሒቱ ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ንፁር ነገር ክፈልጥ ደልዩ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ ፈትሖ። ንሊቃውንቲ ካህናትን፥ ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ክእከቡ ኣዘዞም፤ ንጳውሎስ ድማ ኣምፂኡ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቖሞ።
← Chapter 21
Chapter 23 →