bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 21
Acts 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብኣቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተልዓልና፥ መንገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ ከድና፤ ንፅባሒቱ ኸዓ፥ ሮዶስ ኣብ እትብሃል ደሴት በፃሕና፤ ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣተና።
2
ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና፥ ናብኣ ደየብና፤ ብኣኣ ጌርናውን ጕዕዞና ቐፀልና።
3
ነታ ቆጵሮስ እትበሃል ደሴት ምስ ረአናያ፥ ንኢድ ፀጋም ሓዲግናያ፥ ናብ ሶርያ ኣቢልና ተጕዓዝና፤ ፅዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዝራገፍ ስለ ዝነበረ ድማ ናብኣ ኣተና።
4
ኣብኣ ደሊና ደቀ መዛሙርት ረኸብና፤ ምስኣቶም ከዓ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና፤ ንሳቶም ድማ ብመንፈስ ተገሊፁሎም፥ ንጳውሎስ “ናብ ኢየሩሳሌም ኣይትደይብ” በልዎ።
5
እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፥ ካብኡ ወፂእና ኽንጐዓዝ ተልዓልና፤ ኵሎም ድማ፥ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኮይኖም፥ ክሳዕ ወፃኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፤ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ኸዓ ተንበርኪኽና ፀለና።
6
“ደሓን ኩኑ” ተበሃሂልና ምስ ተፈላለና፥ ንሕና ናብታ መርከብ ደየብና፤ ንሳቶምውን ነናብ ገዛኦም ተመለሱ።
7
ንሕና ግና፥ ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ምስ ወዳእና፥ ካብ ጢሮስ ናብ ጴጤሌማይስ በፃሕና፤ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና፥ ምስኣቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዓልና።
8
ንፅባሒቱ ኻብኣ ወፂእና፥ ኣብ ቂሳርያ በፃሕና፤ ኣብ እንዳ ፊልጶስ ወንጌላዊ፥ ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ዲያቆናት ኣቲና፥ ኣብኣ ቐነና።
9
ንሱ፥ ትንቢት ዝዛረባ ኣርባዕተ ደናግል ኣጓላት ነበራኦ።
10
ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ፀናሕና፥ ሓደ ኣጋቦስ ዝስሙ ነቢይ ካብ ይሁዳ ወረደ።
11
ናባና መፂኡ ኸዓ፥ ዕጣቕ ጳውሎስ ወሲዱ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ኣሰረ እሞ፥ “ንዋና እዛ ዕጣቕ እዚኣ፥ ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ከምዙይ ገይሮም ኣሲሮም፥ ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፤ ይብል መንፈስ ቅዱስ” በለ።
12
እዙይ ምስ ሰማዕና፥ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ኴንና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ከይድይብ፥ ንጳውሎስ ለመንናዮ።
13
ሽዑ ጳውሎስ “ንምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ስለ ምንታይከ ትበኽዩ? ንምንታይከ፥ ልበይ ትሰብሩኒ ኣለኹም? ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና ኢየሱስ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ንማእሰርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንሙማትውን ድልዊ እየ” ኢሉ መለሰ።
14
ምቕባል ምስ ኣበየና ኸዓ፥ “እግዚኣብሄር ዝፈቐዶ ይኹን” ኢልና ስቕ በልና።
15
ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲታት ምስ ተዳሎና፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብና።
16
ካብ ቂሳርያ ሓቢሮም ዝመፁ ደቀ መዛሙርትውን፥ ምሳና ነበሩ። ኬድና፥ ካብቶም ቀዲሞም ዝኣመኑ ደቀ መዛሙርት ሓደ ዝኾነ ናይ ቆጵሮስ ሰብ፥ እንዳ ምናሶን ክንሓድር መርሑና።
17
ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ በፃሕና፥ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና።
18
ንፅባሒቱ ጳውሎስ፥ ምሳና ናብ ያእቆብ ከደ፤ ኵሎም ሽማግለታት ድማ ኣብኡ ነበሩ።
19
ጳውሎስ ሰላም ምስ በሎም፥ እግዚኣብሄር በቲ ናቱ ኣገልግሎት ገይሩ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ሓደ ብሓደ ነገሮም።
20
ነዙይ ምስ ሰምዑ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ፤ ንጳውሎስ ከዓ፦ “ኣታ ሓውና፥ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣለኻ፤ ኵላቶም ከዓ፥ ሕጊ ሙሴ ንምፍፃም ቅንኣት ኣለዎም።
21
ንስኻ፥ ንዅሎም ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘለዉ ኣይሁድ፥ ካብ ሕጊ ሙሴ ኽርሕቑ፥ ደቆም ከይገርዙ፥ ብስርዓቶም ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፥ ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ።
22
ምምፃእኻ ብርግፅ ክሰምዑ እዮም እሞ፥ እንታይ ምግባር ይሐይሽ?
23
እምበኣር ከምዝ እንብለካ ግበር፤ መብፅዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰባት ኣለዉና፤
24
ምሳኻ ተማልኣዮም እሞ፥ ምስኣቶም ንባዕልኻ ኣንፅህ፤ ርእሶም ይላፀዩ፤ እቲ ንቤተ መቕደስ ዝግባእ መባእ ድማ፥ ንስኻ ኽፈለሎም፤ ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ፥ ሕጊ እናሓለኻ ኸም እትመላለስን፥ እዝ ዅሉ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ኸዓ፥ ሓቂ ኸም ዘይኮነን፥ ኵላቶም ክፈልጡ እዮም።
25
ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና፥ ተማኺርና ‘ንጣዖታት ካብ ዝተሰውአ ምግብን ደምን፥ ዝበኸተ ስጋ እንስሳ ካብ ምብላዕን፥ ካብ ዝሙትን ረሓቑ’ ኢልና፥ ብፅሑፍ ኣዚዝናዮም ኣለና” በልዎ።
26
ንፅባሒቱ ጳውሎስ፥ ነቶም ሰባት ሒዙ ምስኣቶም ንባዕሉ ኣንፅሀ፤ ብድሕሪዙይ እቲ መዓልቲ ምንፃሆም መኣዝ ኸም ዝውዳእን፥ ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ መስዋእቲ መኣዝ ከም ዘቕርቡን ኽነግር፥ ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ።
27
እተን ሸውዓተ መዓልቲ ኽውድኣ ምስ ቀረባ፥ ካብ ሃገር እስያ ዝመፁ ኣይሁድ፥ ንጳውሎስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረአይዎ፤ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኣለዓዒሎም ድማ ሓዝዎ።
28
“ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ንዑ ርድኡና፤ እቲ ኣብ ፈቖዶ ሃገር፥ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይን፥ ምስ እዝ ሕጊ እዙይን፥ ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዝፃረር ነገር፥ ንዅሉ ሰብ ዝምህር ሰብኣይ እዙይ እዩ፤ ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ፥ ግሪካውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፥ ነዛ ቕድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ እዩ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
29
እዙይ ዝበሉ ኸዓ፥ ቅድም ንጥሮፊሞስ በዓል ኤፌሶን፥ ምስኡ ኣብ ከተማ ሪኦምዎ ነበሩ እሞ፥ ጳውሎስ ናብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲሉዎም እዩ።
30
ኵላ እታ ኸተማ ተሃወኸት፤ እቶም ህዝቢ ዅላቶም ብሓንሳእ ብምጕያይ፥ ንጳውሎስ ሒዞም፥ ካብ ቤተ መቕደስ ጐቲቶም ኣውፅእዎ፤ ሽዑ ንሽዑውን፥ ነቲ መዓፁ ቤተ መቕደስ ዓፀውዎ።
31
ክቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፥ ኢየሩሳሌም ከም ዝተሃወኸት፥ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ መልእኽቲ በፅሐ።
32
ንሱ ኸዓ፥ ወታደራትን ኣሕሉቕ ሚእትን ሒዙ፥ ናብኣቶም ጐየየ። ኣይሁድ ከዓ፥ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስ ካብ ምውቃዕ ኣቋረፁ።
33
ድሕሪዙይ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሓዞ፤ ብኽልተ መቝሕ ክኣስርዎ ድማ ኣዘዘ፤ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ጠየቐ።
34
እቶም ህዝቢ ኸዓ፥ ዓው ኢሎም ገሊኣቶም ከምዙይ፥ ገሊኣቶምውን ከምቱይ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ዋዕዋዕታ፥ እቲ ሓለቓ ሽሕ ናይቲ ሁከት መልዓሊኡ ምርዳእ ስለ ዘይከኣለ፥ ናብ ሰፈር ወታደራት ከብፅሕዎ ኣዘዘ።
35
ጳውሎስ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በፅሐ፥ እቲ ህዝቢ የመና ኣምሪሩ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ወታደራት ተሰከምዎ፤
36
ዓው ኢሎም ድማ፥ “ኣወግዶ” እናበሉ ብዙሕ ህዝቢ ይስዕብዎ ነበሩሞ።
37
ናብቲ ሰፈር ወታደራት ከእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፥ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ “ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ቋንቋ ግሪክዶ ትፈልጥ ኢኻ?
38
ቅድሚ ሕዚ ሁከት ዘለዓዓልካን ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ፥ ናብ በረኻ ዘውፃእኻን ግብፃዊ ንስኻዶ ኣይኮንካን?” በሎ።
39
ጳውሎስ ግና “ኣነስ ኣብ እታ ፍልጥቲ ኸተማ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ ዝተወለድኩ ኣይሁዳዊ እየ፤ ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ እልምነካ ኣለኹ” በለ።
40
ሽዑ ጳውሎስ ምስ ተፈቕደሉ፥ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ፥ ነቶም ህዝቢ ስቕ ክብሉ፥ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ ስቕ ምስ በሉ ኸዓ፥ ብቛንቋ ዕብራይስጢ፥ ከምዙይ ኢሉ ኽናገሮም ጀመረ፦
← Chapter 20
Chapter 22 →