bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 20
Acts 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ሁከት ምስ ሃድአ ኸዓ፥ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርት ፀዊዑ፥ ብምኽሪ ኣፀናንዖም፥ ተሰናቢትዎም ከዓ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ተልዓለ።
2
በቲ ዝሓለፎ ዓድታትውን፥ ብብዙሕ ቃል እናፀናንዖም ናብ ግሪክ ከደ።
3
ኣብኡ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ፤ ናብ ሶርያ ብመርከብ ክኸይድ ሓሲቡ እንተሎ ድማ፥ ኣይሁድ ተንኰል ከም ዝገበሩሉ ምስ ፈለጠ፥ ብመቄዶንያ ገይሩ ኽምለስ ሓሰበ።
4
በዓል ቤርያ ዝኾነ ጴጥሮስ ወዲ ጲሮስ፥ ኣርስጦርኮስን ሲኮንዱስን ሰብ ተሰሎንቄ፥ ጋይዮስ በዓል ደርቤን፥ ከምኡ ኸዓ ጢሞቴዎስ፥ ካብ እስያ ኸዓ ቲኪቆስን ጥሮፊሞስን፥ ክሳዕ እስያ ኣፋነውዎ።
5
እዚኣቶም ቅድሜና ሓሊፎም፥ ኣብ ጢሮኣዳ ተፀበዩና።
6
ንሕና ግና ድሕሪ በዓል ፋሲካ፥ ኻብ ፊልጵስዩስ ብመርከብ ተልዒልና፥ ብሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጢሮኣዳ ናብኣቶም በፃሕና፤ ኣብኡውን ሸውዓተ መዓልቲ ቐነና።
7
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ሰሙን፥ እንጀራ ኽንቈርስ ተኣከብና፤ ጳውሎስ ድማ ይምህሮም ነበረ፤ ንፅባሒቱ ኽገይሽ ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ትምህርቱ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣንውሐ።
8
ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕለዋይ ደብሪ፥ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ።
9
ኣውጤክስ ዝስሙ ጐበዝ፥ ኣብ መስኰት ተቐሚጡ እንተሎ ተታኸሰ፤ ጳውሎስ ትምህርቱ ምሰንውሐ ኸዓ፥ ድቃስ ከቢድዎ ኻብ ሳልሰይቲ ደብሪ፥ ናብ ታሕቲ ወደቐ፤ ሞይቱ ድማ ኣልዓልዎ።
10
ጳውሎስ ድማ፥ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ተጋደመ እሞ፥ ሓቝፉ ኣልዓሎ፤ “ብህይወት እዩ ዘሎ እሞ ኣይትደንግፁ” ድማ በሎም።
11
ናብቲ ደብሪ ደየበ፤ ነቲ ጐበዝውን ምስኡ ኣደየቦ፤ ተቐሚጡውን እንጀራ ቘሪሱ በልዐ፤ ክሳዕ ዝወግሕውን ብዙሕ መሃሮምሞ ኸደ።
12
ነቲ ወዲ ኸዓ፥ ብህይወቱ ስለ ዝወሰድዎ የመና ተፀናንዑ።
13
ንጳውሎስ ኣብ መርከብ ክንቅበሎ ስለ ዝሓሰብና፥ ንሕና ኣቐዲምና ናብ ኣሶን ከድና፤ ከምዙይ ዝገበርና ኸዓ፥ ጳውሎስ ክሳዕ ኣሶን፥ ብእግሪ ክኸይድ ስለ ዝመደበን፥ ከምኡ ኽንገብር ስለ ዝነገረናን እዩ።
14
ኣብ ኣሶን ምስ በፃሕና ድማ፥ ናብታ መርከብ ተቐበልናዮ፤ ናብ ሚጢሊኒን ከዓ ኸድና።
15
ካብኡ ወፂእና ኸዓ፥ ብመርከብ ጌርና፥ ናብ ማዕዶ ክዮስ በፃሕና፤ በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ድማ፥ ናብ ሳሞስ ተሳገርና፤ ንፅባሒቱ ኸዓ ናብ ሚሊጢ ኣተና።
16
ጳውሎስ፥ እንተ ኾይኑሉስ፥ ንበዓል ሓምሳ ኣብ ኢየሩሳሌም ክውዕል ተሃዊኹ ስለ ዝነበረ፥ ምእንቲ ኣብ እስያ ኸይንድንጒ ኢሉ፥ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ወሰነ።
17
ጳውሎስ ካብ ሚሊጢ፥ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፥ ነቶም ሽማግለታት ናብኡ ፀውዖም።
18
ናብኡ ምስ መፁ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብታ እግረይ ናብ እስያ ዝረገፅኩላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም፤
19
ብተንኰል ኣይሁድ ፈተና እንተ በፅሐኒ እኳ፥ ብዅሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን፥ ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልኩ፥
20
ዝጠቅም ኵሉ እናሰበኽኩልኩም፥ ኣብ ኣደባባይ ኮነ ኣብ ገዛውትኹም እንትምህረኩም፥ ዘጕደልኩልኩም የለን።
21
ከምኡ ኸዓ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን ብንስሃ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኽኣምኑ፥ ከም ዝመስከርኩ ትፈልጡ ኢኹም።
22
ሕዚ ብመንፈስ ተመሪሐ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እኸይድ ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ እንታይ ከም ዝረኽበኒ ኣይፈልጥን።
23
ብዘይ እቲ መንፈስ ቅዱስ ‘ማእሰርትን መከራን ይፅበየካ ኣሎ’ ኢሉ፥ ኣብ ፈቐዶ ኸተማታት ዝነገረኒ እንተ ዘይኮይኑ ዝፈልጦ የብለይን።
24
ኣነ ግና ፀጋ እግዚኣብሄር ዝኾነ ወንጌል ንኽምስክርን ካብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃበኒ ልእኽቶይን ጕያይን ክሳዕ ዝፍፅም፥ ንህይወተይ ኣየናሕስየላን፤ ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይሪኣን እየ።”
25
“ሕዚ ድማ፥ እንሆ ንስኻትኩም መንግስቲ እግዚኣብሄር እናዞርኩ ዝሰበኽኩልኩም ኵልኻትኩም፥ ደጊም ገፀይ ከም ዘይትሪኡ ፈሊጠ ኣለኹ።
26
ስለዙይ ካብ ደም ኵልኻትኩም ንፁህ ምዃነይ፥ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣለኹ።
27
ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሄር ደኣ ነገርኩኹም እምበር፥ ዘትረፍኩልኩም የብለይን።
28
ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።
29
ኣነ ምስ ከድኩ፥ ነታ መጓሰ ዘየናሕስዩላ፥ ከም ተዃሉ ጨካናት፥ ብድሕረይ ከም ዝመፁኹም እፈልጥ እየ።
30
ካባኻትኩምውን፥ ነቶም ኣመንቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ኽገብርዎም፥ ጠዋይ ትምህርቲ ዝምህሩ ሰባት ክለዓሉ እዮም።
31
ስለዙይ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን፥ ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየቋረፅኩ እናዘከርኩም ንቕሑ።
32
ሕዚ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ነቲ ኽሃንፀኩምን፥ ምስ ኵላቶም ቅዱሳን ርስቲ ኽህበኩምን ዝኽእል ቃል ፀጋኡ፥ ሓደራ እህበኩም ኣለኹ።
33
ኣነ ኻባኻትኩም ካብ ሓደኳ፥ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ ክዳን ኣይደለኹን።
34
በዘን ኣእዳወይ እናሰራሕኹ፥ ንኣይን ነቶም ምሳይ ዝነበሩን፥ ዘድለየና ኸም ዘማላእኹ፥ ባዕልትኹም ትፈልጡ ኢኹም።
35
ከምኡውን ስራሕ ምስራሕ፥ ድኻታት ምርዳእ ከም ዝግባእ፥ ጐይታና ኢየሱስ ‘ካብቲ ዝቕበል፥ እቲ ዝህብ ዝበለፀ ዝተባረኸ እዩ’ ዝበሎ ቓል ዘክሩ።”
36
እዙይ ምስ በለ ኸዓ፥ ምስቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎም ተምበርኪኹ ፀለየ።
37
ኵላቶም ድማ ብዙሕ በኸዩ፤ ንጳውሎስ ከዓ፥ ብኽሳዱ ሓቝፎም ሰዓምዎ።
38
ካብ ኵሉ ኸዓ፥ ስለ እቲ “ደጊምስ ገፀይ ኣይትሪኡን ኢኹም” ዝበሎም ቃል፥ የመና ሓዘኑ፤ ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።
← Chapter 19
Chapter 21 →