bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 19
Acts 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣጵሎስ ኣብ ቆሮንቶስ እንተሎ፥ ጳውሎስ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። ኣብኡ ኸዓ ውሑዳት ደቀ መዛሙርት ረኸበ።
2
“ምስ ኣመንኩምስ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ፥ “ኣይተቐበልናን፤ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎውን ሰሚዕና ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ።
3
ንሱ ኸዓ “በየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም?” በሎም፤ ንሳቶም ድማ “ብጥምቀት ዮሃንስ” በልዎ።
4
ሽዑ ጳውሎስ “ዮሃንስ በቲ ድሕሪኡ ዝመፅእ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክኣምኑ፥ ነቶም ህዝቢ እናነገረ፥ ጥምቀት ንስሃ እዩ ዘጥመቐ” በሎም።
5
እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ተጠመቑ።
6
ጳውሎስ ኢዱ ምሰ ኣንበረሎም ድማ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብኣቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።
7
እቶም ሰባት ከዓ፥ ኵሎም ዓሰርተ ኽልተ ዝኣኽሉ ነበሩ።
8
ጳውሎስ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር እናተኻትዐን እናረድአን፥ ንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ተናገረ።
9
ሓድሓደ ነቲ መንገዲ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ልቦም ምስ ኣትረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፥ ካብኣቶም ረሓቐ፤ ነቶም ደቀ መዛሙርት ፈልዩ ድማ፥ በብመዓልቱ ኣብቲ ጢራኖስ ዝምህረሉ ዝነበረ ኣዳራሽ ይምህሮም ነበረ።
10
እዙይ፥ እቶም ኣብ እስያ ዝነበሩ ዅሎም ኣይሁድን ግሪካውያንን፥ ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰምዕዎ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ቀፀለ።
11
እግዚኣብሄር ከዓ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ ዘደንቕ ተኣምራት ይገብር ነበረ።
12
እንሆ ድማ፥ መንዲል ወይ ክዳን ካብ ሰብነቱ ወሲዶም፥ ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ፥ ሕማሞም ይሓድጎም፤ ርኹሳት መናፍስቲ እውን ካብኣቶም ይወፁ ነበሩ።
13
እናዞሩ ኻብ ሰብ ኣጋንንቲ እናውፅኡ ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም “በቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ፥ ብስም ኢየሱስ ክትወፁ ንእዝዘኩም ኣለና” እናበሉ፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ክፅውዑሎም ፈተኑ።
14
እቶም እዙይ ዝገበሩ ኸዓ፥ ሸውዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ካህናት ነበሩ።
15
እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ “ንኢየሱስ እፈልጦ፤ ንጳውሎስውን እፈልጦ እየ፤ ንስኻትኩም ደኣ እንታዎት ኢኹም?” በሎም።
16
እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ከዓ፥ ዘሊሉ ሓነቖም እሞ ሰዓሮም፤ ክዳኖም ቀዲዱ፥ ጥራሕ ዝባኖም ኣውፂኡ ኣቝሲሉ፥ ካብታ ገዛ ሃዲሞም ክሳዕ ዝወፁ ድማ ንዅሎም ኣሰነፎም።
17
እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነብሩ ኣይሁድን ግሪካውያንን ተሰምዐ፤ ንዅላቶምውን ፍርሓት ሓዞም፤ ስም ጐይታና ኢየሱስ ድማ ኸበረ።
18
ካብቶም ዝኣመኑ ኸዓ፥ ብዙሓት እናመፁ፥ ነቲ ዝገበርዎ ኽፉእ ግብሮም ብገሃድ ይንስሑ ነበሩ።
19
ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ፥ መፃሕፍቶም ኣኪቦም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ኣቃፀልዎ፤ ዋጋኡ ምስ ፀብፀብዎ ኸዓ፥ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኮይኑ ተረኽበ፤
20
ቃል እግዚኣብሄር ድማ፥ ከምዙይ ኢሉ ብሓይሊ እናሰፍሐን እናበርትዐን ከደ።
21
እዝ ነገር እዙይ ምስ ሓለፈ፥ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ገይሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክኸይድ ሓሰበ እሞ “ኣብኣ ምስ በፃሕኹውን፥ ንሮም ክሪኣ ይግብአኒ እዩ” በለ።
22
ንኽልተ ኻብቶም ሓገዝቱ፥ ንጢሞቴዎስን ንኣርስጦንን፥ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፤ ንሱ ግና ኣብ እስያ ብዙሕ መዓልቲ ፀንሐ።
23
በቲ ቕነ እቱይ፥ ብዛዕባ እቲ መንገዲ ጐይታ፥ ኣብ ኤፌሶን ብዙሕ ሁከት ኮነ።
24
ሓደ ድሜጥሮስ ዝተብሃለ ሰራሒ ብሩር ነበረ። ንሱ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ዝኸውን ምስሊ ብሩር እናሰርሐ፥ ነቶም ኣንጠረኛታት የርብሖም ነበረ።
25
ነዚኣቶምን ነቶም ብስራሖም ዝተሓባበርዎምን ኣኪቡ፥ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፥ ጥቕምና ኻብዝ ስራሕዙይ ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።
26
ከም እትሪኡዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ እዝ ጳውሎስ ‘እዞም ብኢድ ሰብ ዝስርሑስ፥ ኣማልኽቲ ኣይኮኑን’ እናበለ፥ ኣብ ኤፌሶን ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ፥ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝሓበለን ከም ዘስሓተን፥ ትሪኡን ትሰምዑን ኣለኹም።
27
ዘፍርሐና ዘሎ፥ እታ ዅላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻ፥ ዓባይ ኣርጤምስ ዕብየታ ኸይሰዓር፥ መቕደሳውን ከም ከንቱ ኸይቝፀር እምበር፥ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራሕ ኣይኮነን።”
28
ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ እሞ፥ ዓው ኢሎም “ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” በሉ።
29
ኣብታ ኸተማ ድማ ሁከት ኮነ፤ ነቶም ኣዕርኽቲ ጳውሎስ ዝኾኑ፥ ንጋይዮስን ንኣርስጠርኮስን ሰብ መቄዶንያ ሒዞም፥ እናጐተቱ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ጐየዩ።
30
ጳውሎስ ድማ፥ ናብ ማእኸል እቶም ህዝቢ ኽኣቱ ደለየ፤ እንተ ኾነ ደቀ መዛሙርት ከልከልዎ።
31
ካብ እስያ ዝኮኑ ሹመኛታት ፈተውቱ ልኢኾም፥ ናብቲ መአከቢ ህዝቢ ኸይኣቱ ለመንዎ።
32
እቲ ህዝቢ ድብልቕልቕ ኢሉ ስለ ዝነበረ፥ ዝበዝሑ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፤ ስለዙይ ገሊኣቶም ከምዙይ፥ ገሊኣቶምውን ከምቱይ እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ የስምዑ ነበሩ።
33
እቶም ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ኣብቲ ቕድሚ ህዝቢ ምስ ኣቕረብዎ፥ ካብቶም ህዝቢ እውን ገሊኣቶም ዓው ኢሎም ኣደፋፈርዎ። እስክንድሮስ ድማ፥ ነቶም ህዝቢ ኽምጕተሎም ደልዩ፥ ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም።
34
ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፥ ኵላቶም ብሓደ ቓል ኮይኖም፥ “ናይ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ” እናበሉ ኽልተ ሰዓት ዝኣክል፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
35
እቲ ናይታ ኸተማ ሹም፥ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፥ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን፥ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ፥ ዘይፈልጥ ሰብ መን እዩ?
36
እምበኣርከስ፥ እዙይ ኣሉ ዘይበሃል ነገር ካብ ኮነ፥ ክትሃድኡ ደኣ እምበር፥ ብታህዋኽ ሓደ ነገር ክትገብሩ ኣይግብአኩምን እዩ።
37
እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስ እንተይሰረቑ፥ ንኣምላኽናውን እንተይፀረፉ ኢኹም ኣምፂእኹምዎም ዘለኹም።
38
ድሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና፥ ክሲ እንተ ሃልይዎም፥ መዓልቲ መጋባእያን ሹመኛታትን ኣለዉዎም፤ ንስንሳቶም ይካሰሱ።
39
ካልእ ነገር እንተ ሃልዩኩም ድማ፥ ኣብቲ ስሩዕ መጋባእያ ይረአ።
40
ነዝ ሁከት እዙይ፥ እንህቦ ምኽንያት የብልናን፤ በዝ ሎሚ ዝኾነ ሁከት እኳ፥ ከይንኽሰስ ንፈርሕ ኢና”
41
ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።
← Chapter 18
Chapter 20 →