bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 18
Acts 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ወፂኡ፥ ናብ ቆሮንቶስ ከደ።
2
ቀላውዴዎስ ቄሳር፥ ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ክወፁ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ምስ ሰበይቱ ጵርስቅላ ኻብ ኢጣልያ ሽዑ ቕነ ዝመፀ፥ ሓደ ኣቂላስ ዝበሃል ኣይሁዳዊ በዓል ጳንጦስ፥ ኣብ ቆሮንቶስ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ምስኣቶም ተራኸበ።
3
ከምኣቶም ሰፋዪ ድንኳን ስለ ዝነበረ ድማ፥ እናሰርሐ ምስኣቶም ተቐመጠ።
4
ሰንበት ሰንበት፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ እናሰበኸ ድማ፥ ንኣይሁድን ንግሪካውያንን የረድኦም ነበረ።
5
ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ናብ ቆሮንቶስ ምስ መፁ፥ ጳውሎስ፥ ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ ኣበርቲዑ ይምስክር ነበረ።
6
ንሳቶም ምስ ተቓወምዎን ምስ ፀረፍዎን ግና፥ ክዳኑ ነጊፉ፥ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፤ ኣነ ንፁህ እየ፤ ድሕሪ ሕዚ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም።
7
ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ኣብ እንዳ እቲ ገዛኡ ኣብ ጥቓ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበረት፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽ ኢዮስጦስ ናብ ዝበሃል ሰብ ኣተወ።
8
ቀርስጶስ ዝበሃል መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ከዓ፥ ምስ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ፤ ብዙሓት ካብ ሰብ ቆሮንቶስውን፥ ትምህርቲ ጳውሎስ ሰሚዖም፥ ኣመኑን ተጠመቑን።
9
ጐይታ ኸዓ፥ ንጳውሎስ ለይቲ ብራእይ ከምዙይ በሎ፦ “ኣይትፍራሕ፤ ተዛረብ ደኣ እምበር ስቕ ኣይትበል።
10
ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ኣለኒ፤ ኣነ ምሳኻ ስለ ዝኾንኩ ድማ፥ ክጐድአካ ዝኽእል ሓደኳ የለን” በሎ።
11
ጳውሎስ ኣብ ማእኸሎም ቃል እግዚኣብሄር እናመሃረ፥ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቆሮንቶስ ተቐመጠ።
12
ጋልዮስ ሹም ኣካይያ እንተሎ፥ ኣይሁድ ሓቢሮም ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ተሲኦም፥ ናብ መጋባእያ ኣቕረብዎ።
13
“ካብ ሕጊ ወፃኢ፥ ሰባት ንእግዚኣብሄር ከምልኽዎ ይሓባብል ኣሎ” እናበሉ ድማ ኸሰስዎ።
14
ጳውሎስ መልሲ ኽህብ ምስተዳለወ ድማ፥ ጋልዮስ ንኣይሁድ ከምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ኣይሁድ፥ ብዛዕባ ዝኾነ ዓመፅ ወይ ክፉእ ግብሪ እንተ ዝኸውንስ፥ ሃዲአ ኽሰምዐኩም ግቡእ ነይሩ፤
15
ሕዚ ግና ክትዕኹም፥ ብዛዕባ ቃልን፥ ስምን፥ ናይ ባዕልኻትኩም ሕግን ስለ ዝኾነ፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ፤ ኣነ ናይዝ ነገር እዙይ ፈራዲ ክኸውን ኣይደልን” በሎም።
16
ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም።
17
እቶም ግሪካውያን ኵላቶም ንሶስቴንስ መራሒ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ሒዞም፥ ኣብ ቕድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ፤ እንተ ኾነ ጋልዮስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ኣይተገደሰሉን።
18
ጳውሎስ ኣብ ቆሮንቶስ፥ ምስ ብፆቱ ንቑሩብ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ካብቶም ኣሕዋት ተሰናቢቱ፥ ምስ ጵርስቅላን ኣቂላን፥ ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። ቅድሚ ምኻዱ ግና መብፅዓ ስለ ዝነበሮ፥ ክንክራኦስ ኣብ ዝተብሃለ ኸተማ ርእሱ ተላፀየ።
19
ኣብ ኤፌሶን ምስ በፅሑ፥ ንጵርስቅላን ኣቂላን ኣብኡ ሓደጎም፤ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ድማ፥ ምስቶም ኣይሁድ ተነጋገረ።
20
ንሳቶምውን ብዙሕ መዓልቲ ምስኣቶም ክፀንሕ ለመንዎ፤ እንተ ኾነ ሕራይ ኣይበሎምን።
21
ከፋንውዎ እንተለዉ “በቲ ዝመፅእ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ።
22
ኣብ ቂሳርያ ምስ በፅሐ፥ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩውን ንኣመንቲ ሰላም ምስ በለ፥ ናብ ኣንፆኪያ ወረደ።
23
ቁሩብ መዓልቲ ኸዓ ኣብኣ ቐነየ፤ ካብኣ ተልዒሉ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን እናዞረ፥ ንዅሎም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዖም።
24
ሓደ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ በዓል እስክንድርያ፥ ምሁር ቅዱሳት መፃሕፍትን፥ ክእለት ዘረባ ዘለዎን ሰብኣይ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ።
25
ንሱ ብዛዕባ መንገዲ ጐይታ ምሁር ነበረ፤ ንሱ ብጥምቀት ዮሃንስ ጥራሕ ዝተጠመቐ እኳ እንተ ነበረ፥ ብመንፈስ ተለዓዒሉ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ኣበርቲዑ ይሰብኽን ይምህርን ነበረ።
26
ንሱ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ብትብዓት ክምህር ጀመረ፤ ጵርስቅላን ኣቂላን ምስ ሰምዕዎ ኸዓ፥ ናብ ገዛኦም ወሲዶም፥ መንገዲ ጐይታ ኣፀቢቖም ኣረድእዎ።
27
ናብ ኣካይያ ክሓልፍ ምስ ሓሰበ፥ እቶም ኣሕዋት ኣተባብዕዎ፤ ነቶም ኣብ ኣካይያ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርት ድማ፥ ክቕበልዎ ፀሓፉሎም፤ ኣብኣቶም ምስ በፅሐ ኸዓ፥ ነቶም ብፀጋ እግዚኣብሄር ዝኣመኑ ብዙሕ ረድኦም።
28
ኢየሱስ መሲሕ ከም ዝኾነውን፥ ካብ መፃሕፍቲ እናርኣየ፥ ንኣይሁድ ኣብ ቕድሚ ዅሉ በርቲዑ የረድኦም ነበረ።
← Chapter 17
Chapter 19 →