bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 17
Acts 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ጳውሎስን ሲላስን ብኣንፊጶልን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም፥ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ነበረ።
2
ጳውሎስ ከምቲ ልማዱ ናብኣቶም ኣትዩ፥ ሰለስተ ሰንበት ካብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ እናጠቐሰ፥ ከረድኦም ቀነየ።
3
ክርስቶስ መከራ ኽቕበልን፥ ካብ ምዉታን ክትስእ ከም ዘለዎውን፥ ይገልፀሎምን የረድኦምን ነበረ። “እዝ ኣነ ዝሰብከልኩም ዘለኹ ኢየሱስ፥ ንሱ ክርስቶስ እዩ” ኸዓ ይብል ነበረ።
4
ካብኣቶምውን ገሊኣቶም፥ ኣሚኖም ንጳውሎስን ሲላስን ዝተኸተሉ ነበሩ፤ ብዙሓት ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዘምልኹ ግሪካውያንን፥ ብዙሓት ፍሉጣት ኣንስትን ድማ ኸምኡ ገበሩ።
5
እቶም ኣይሁድ ከዓ ቐኒኦም፥ ካብቲ ዕዳጋ፥ ክፉኣት ሰባት ኣምፂኦም፥ ህዝቢ ኣኪቦም ድማ፥ ነታ ኸተማ ሃወኽዋ፤ ንጳውሎስን ንሲላስን ኣውፂኦም፥ ናብቶም ህዝቢ ምእንቲ ኸቕርብዎም ድማ፥ ንገዛ ኢያሶን ከበብዋ።
6
ምስ ሰኣንዎም ግና፥ ንኢያሶንን ንገሊኣቶም ኣሕዋትን እናጐተቱ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ኣቕረብዎም፤ “እዞም ንዓለም ዝሃወኹ ናብዙይ ከዓ መፂኦም ኣለዉ።
7
ኢያሶን ከዓ ኣብ ገዛኡ ተቐቢልዎም ኣሎ፤ ንሳቶም ‘ኢየሱስ ዝበሃል ካልእ ንጉስ ኣሎ’ እናበሉ፥ ንትእዛዝ ቄሳር ይፃረሩ ኣለዉ” ኢሎም ከሰስዎም።
8
እቶም ህዝብን ኣሕሉቕ እታ ኸተማን፥ ነዙይ ምስ ሰምዑ ተጨነቑ።
9
ንኢያሶንን ነቶም ካልኦት ብፆቱን፥ ዋሕስ ኣቝፂሮም ሰደድዎም።
10
ሽዑ ንሽዑ እቶም ኣሕዋት፥ ንጳውሎስን ንሲላስን፥ ብለይቲ ናብ ቤርያ ኸም ዝኸዱ ገበርዎም፤ ኣብኡ ምስ በፅሑ ድማ፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተዉ።
11
እቶም ሰብ ቤርያ፥ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝቕመጡ ኣይሁድ፥ ብዝበለፀ ዘስተውዕሉ ስለ ዝነበሩ፥ ነቲ ቓል ብምሉእ ልቦም ተቐበልዎ፤ እዝ ነገር እዙይ ከምኡ እንተ ኾይኑ ንኽፈልጡ፥ ቅዱሳት መፃሕፍቲ በብመዓልቱ ይምርምሩ ነበሩ።
12
ስለዙይ ብዙሓት ካብኣቶም ኣመኑ፤ ካብቶም ግሪካውያን ድማ፥ ብዙሓት ክቡራት ኣንስትን ብዙሓት ግሪካውያን ሰብኡትን ኣመኑ።
13
እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብሩ ኣይሁድ ከዓ፥ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ቓል እግዚኣብሄር ከም ዝመሃረ ምስ ፈለጡ፥ ናብኡ መፂኦም ነቲ ህዝቢ ሃወኹዎ።
14
ሽዑ እቶም ኣሕዋት፥ ንጳውሎስ ቀልጢፎም ክሳዕ ባሕሪ ኣፋነውዎ፤ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብ ቤርያ ተረፉ።
15
እቶም ንጳውሎስ ዘፋነውዎ ሰባት፥ ክሳዕ ኣቴና ኣብፅሕዎ፤ “ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ይስዓቡኒ” ዝብል መልእኽቲ ሒዞም ድማ፥ ናብ ቤርያ ተመለሱ።
16
ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኽፅበዮም እንተሎ፥ እታ ኸተማ ጣዖታት መሊኣ ምስ ረአያ፥ ብመንፈሱ ተቘጥዐ።
17
ስለዙይ ኣብ ቤተ ፀሎት፥ ምስ ኣይሁድን ምስቶም ምስ ኣይሁድ ዘምልኹ ግሪካውያንን፥ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን፥ ይከራኸሮም ነበረ።
18
ገሊኣቶም ካብ ኤጲቆሮስን እስጦኢኮን ዝኾኑ ፈላስፋታት፥ ምስኡ ይካትዑ ነበሩ፤ ገሊኣቶም ድማ “እዝ ለፍላፊ፥ እንታይ ኮን ክብል ደልዩ እዩ?” በሉ። ገሊኣቶም፥ ጳውሎስ ብዛዕባ ኢየሱስን፥ ትንሳኤ ሙታንን ስለ ዝሰበኸሎም፥ “ብዛዕባ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ዝምህር ዘሎ እባ ደኣ ይመስል” በሉ።
19
ስለዙይ ንጳውሎስ ናብቲ ኣርዮስፋጎስ ዝተብሃለ መጋባእያ ወሲዶም፦ “እዝ ንስኻ እትምህሮ ዘለኻ ሓድሽ ትምህርትስ፥ እንታይ እዩ እስኪ ንገረና?
20
ሓድሽ ነገር ኣብ እዝንና ተስምዐና ኣለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ስለ ዝደለና ንገረና” በልዎ።
21
ኵሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዝነብሩ ኻልኦትን ግና፥ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኮይኑ፥ ንኻልእ ጉዳይ ጊዜ ኣይነበሮምን።
22
ሽዑ ጳውሎስ ኣብቲ ማእኸል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ሰብ ኣቴና፥ ብዅሉ ነገርኩም፥ ብሃይማኖት ከም እትግደሱ እርኢ ኣለኹ።
23
እናዞርኩ እቲ እተምልኽዎ ጣዖትኩም ክርኢ እንተለኹ፥ ‘ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ’ ዝብል ዝተፅሓፎ መሰውኢ ረኸብኩ፤ እምበኣርከስ ብዛዕባ እዝ እንተይፈለጥኩም እተምልኽዎ ኣምላኽ፥ ንእኡ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።
24
ንሱ እቲ ዓለምን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ ኣምላኽ፥ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ፤ ብኢድ ሰብ ኣብ ዝተሃንፀ መቕደስ ኣይነብርን እዩ።
25
ንሱ ህይወትን እስትንፋስን፥ ዘድሊ ዅሉ ነገራትን፥ ንዅሉ ሰብ ዝህብ ስለ ዝኾነ፥ ዝጐድሎ ነገር የብሉን፤ ብኢድ ሰብውን ኣይግልገልን እዩ።
26
ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ፥ ኵሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ፤ ኣብ ዅላ ምድሪ ኸም ዝነብሩ ድማ ገበረ፤ እቲ ዝነብሩሉ ውሱን ዘመናትን ቦታን መደበሎም።
27
እዙይ ከዓ፥ ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ እንተሎስ፥ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኽደልይዎን፥ ምናልባሽውን ሃሰስ ኢሎም ምእንቲ ኽረኽብዎን ኢሉ ገበሮ።
28
ገሊኣቶም ካብቶም ተቐነይትኹም ‘ንሕና ደቂ እግዚኣብሄር ኢና’ ኸም ዝብልዎ፥ ‘ብእኡ ኢና እንነብርን እንወሳወስን፥ ብእኡ ኸዓ ኢና ዘለና’
29
“እምበኣርከስ፥ ደቂ እግዚኣብሄር ካብ ኮንናስ፥ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን ዝተገብረ፥ ቅርፂ ወርቂ፥ ወይ ብሩር፥ ወይ እምኒ ኸም ዝመስል ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ክነመሳስሎ ኣይግብአናን እዩ።
30
እግዚኣብሄር ነቲ ዘመን ድንቍርና፥ ሸለል ኢሉ ኣሕሊፍዎ ኣሎ። ሕዚ ግና፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ዘሎ ዅሉ ሰብ፥ ክንሳህ ኣዚዙ ኣሎ።
31
በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብ ገይሩ፥ ንዓለም ብፅድቂ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዝ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገፆ ድማ፥ ነቲ ዝሓረዮ ሰብ፥ ካብ ምዉታን ብምትሳኡ እዩ” በሎም።
32
ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታን ምስ ሰምዑ፥ ገሊኣቶም ኣላገፁሉ፤ ገሊኣቶም ከዓ፥ “ብዛዕባ እዙይ፥ ካልእ ጊዜ ኽንሰምዐካ ንደሊ ኢና” በልዎ።
33
ሽዑ ጳውሎስ ካብ ማእኸሎም ወፂኡ ኸደ።
34
ገሊኣቶም ሰባት ከዓ፥ ኣሚኖም ሰዓብዎ፤ ንሳቶም ድማ፥ ሓደ ኻብቶም ናይ ኣርዮስፋጎስ ባይቶ፥ ዲዮናስዮስ ዝበሃልን፥ ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን፥ ከምኡውን ካልኦት ሰባት ምስኣቶም ነበሩ።
← Chapter 16
Chapter 18 →