bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 16
Acts 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብኡ ጳውሎስ፥ ኣብ ደርቤንን ኣብ ልስጥራንን በፅሐ፤ ኣብኡ ኸዓ፥ ካብ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ኣማኒት ሰበይትን፥ ካብ ሓደ ግሪካዊ ሰብኣይን ዝተወለደ፥ ጢሞቴዎስ ዝበሃል ደቀ መዝሙር ነበረ።
2
እቶም ኣብ ልስጥራንን ኣብ ኢቆንዮንን ዝነበሩ ኣሕዋት፥ ፅቡቕ ይምስክሩሉ ነበሩ።
3
ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ምስኡ ኽወስዶ ደለየ፤ ኣቦኡ ግሪካዊ ምዃኑ ዅላቶም ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፥ ምእንቲ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዝነበሩ ኣይሁድ፥ ገረዞ።
4
ኣብ ዘዝኣተዉዋ ኸተማ ኸዓ፥ ነቲ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወሰንዎ ስርዓት ክሕልዉዎ ሃቡዎም።
5
እተን ኣብያተ ክርስቲያን ከዓ ብእምነት ፀንዓ፤ ቍፅረን ድማ፥ በብመዓልቱ ይውስኽ ነበረ።
6
ጳውሎስን ብፆቱን፥ ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፥ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፥ ናብ ፍርግያን ገላትያን ሓለፉ።
7
ኣብ ሚስያ ምስ በፅሑ፥ ናብ ቢታንያ ክኸዱ ደለዩ፤ መንፈስ ኢየሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን።
8
ስለዙይ ካብ ሚስያ ሓሊፎም፥ ናብ ጢሮኣዳ ወረዱ።
9
ጳውሎስ ከዓ፥ ብለይቲ ሓደ በዓል መቄዶንያ ሰብኣይ፥ ደው ኢሉ “ናባና ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድአና” እናበለ፥ ክልምኖ እንተሎ ራእይ ረአየ።
10
እዙይ ምስ ረአየ፥ ወንጌል ክንሰብከሎም እግዚኣብሄር ከም ዝፀውዐና ስለ ዝፈለጥና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደለና።
11
ሽዑ ኻብ ጢሮኣዳ ብመርከብ ምስ ከድና፥ ቀኒዕና ናብ ሳሞትራቄ ኣምራሕና፤ ንፅባሒቱ ድማ ናብ ናጱሌ ኸድና።
12
ካብኣ ድማ፥ ናብታ ክፍለ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን፥ ግዝኣት ሮምን ዝኾነት ፊልጵስዩስ ኣተና፤ ኣብኣ ኸዓ ብዙሕ መዓልቲ ቐነና።
13
ብመዓልቲ ሰንበት ድማ፥ ካብ ቅፅሪ እታ ኸተማ ወፂእና፥ ኣብቲ ጥቓ ገምገም ሩባ፥ ቤተ ፀሎት ስለ ዝነበረ፥ ናብኡ ኸድና፤ ኣብኡ ኾፍ ኢልና ኸዓ፥ ነተን ኣብኡ ዝተኣከባ ኣንስቲ ኽንነግረን ጀመርና።
14
ልድያ እትበሃል፥ ንእግዚኣብሄር እትፈርሕ ሰበይቲ፥ በዓልቲ ኸተማ ትያጥሮን፥ ሸያጢት ቀይሕ ሓሪ ድማ፥ ትሰምዕ ነበረት፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ኽተስተውዕል ድማ፥ ጐይታ ልባ ኸፈተላ።
15
ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠመቐት ከዓ “ብጐይታ ኸም ዝኣመንኩ እንተ ደኣ ተቐቢልኩምኒ ዄንኩምስ፥ ናብ ገዛይ ኣቲኹም ሕደሩ” ኢላ ለመነትና፤ ግዲውን በለትና።
16
ናብ ቤተ ፀሎት ክንከይድ እንተለና፥ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ፥ ንጐይቶታ ኸዓ በቲ ጥንቈላኣ ብዙሕ እቶት እተእትወሎም ዝነበረት፥ ግዝእቲ ጓል ረኸበትና።
17
ንሳ ኸዓ ደድሕሪ ጳውሎስን ደድሕሬናን እናሰዓበት “እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ኣገልገልቲ ልዑል እግዚኣብሄር እዮም፤ መንገዲ ምድሓን ይምህሩኹም ኣለዉ” እናበለት፥ ዓው ኢላ ትዛረብ ነበረት።
18
ነዝ ነገር እዙይውን፥ ብዙሕ መዓልቲ ደጋገመቶ፤ ጳውሎስ ድማ ብዙሕ ጊዜ ምስ ኣትከረቶ፥ ምልስ ኢሉ ነቲ ርኹስ መንፈስ፥ “ካብኣ ኽትወፅእ፥ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እእዝዘካ ኣለኹ” በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወፀ።
19
ጐይቶታ ግና፥ ዝረኽብዎ ዝነበሩ እቶት ከም ዘቋረፀ ምስ ረአዩ፥ ንጳውሎስን ንሲላስን ሓዝዎም፤ ጐቲቶም ናብ ዕዳጋ ወሲዶም ድማ፥ ናብቶም ሹመኛታት ኣቕረብዎም።
20
ኣብ ቕድሚ እቶም ሮማውያን ሰብ ስልጣን ደው ኣቢሎምውን፥ ከምዙይ ኢሎም ከሰስዎም፦ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፤ ንኸተማና ኸዓ ይህውኽዋ ኣለዉ፤
21
ንሕና ሮማውያን፥ ክንቅበሎ ኾነ ኽንገብሮ ዘይግብአና ስርዓት፥ ይምህሩ ኣለዉ።”
22
እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተሲኡ ተበኣሶም፤ እቶም ሰብ ስልጣን ድማ፥ ክዳውንቶም ገፊፎም ብበትሪ ኽወቕዕዎም ኣዘዙ።
23
ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከዓ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፤ ነቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ኣፅኒዑ ኽሕልዎም ኣዘዝዎ።
24
ንሱ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ምስ ተቐበለ ኸዓ፥ ናብቲ ውሽጥ ዝበለ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፤ ኣእጋሮም ድማ ብመቝሕ፥ ኣብ ጕንዲ ኣፅኒዑ ኣሰሮም።
25
ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ጳውሎስን ሲላስን እናፀለዩ፥ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፤ እቶም ካልኦት እሱራትውን ይሰምዕዎም ነበሩ።
26
ብድንገት ድማ፥ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዝናወፅ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ኮነ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ኵሉ እቲ መዓፁ ተኸፍተ፤ ናይ ኵላቶም መዋቕሕውን ተፈትሐ።
27
እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ፥ መዓፁ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ምስ ረአየ፥ እቶም እሱራት ዘምለጡ መሲልዎ፥ ሰይፉ መዚዙ ባዕሉ ንባዕሉ ኽቐትል ደለየ።
28
ጳውሎስ ግና ዓው ኢሉ “ኣብ ባዕልኻ ኽፉእ ኣይትግበር፤ ኵላትና ኣብዙይ ኣለና” በሎ።
29
ንሱ ድማ “መብራህቲ ኣምፅኡለይ” ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፤ እናንቀጥቀጠውን፥ ኣብ ቕድሚ ጳውሎስን ሲላስን ፍግም ኢሉ ሰገደ።
30
ናብ ደገ ኣውፂኡ ድማ “ጐይቶተይ! ምእንቲ ኽድሕንስ፥ እንታይ ክገብር ይግብአኒ?” በሎም።
31
ንሳቶም ከዓ “ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እመን፤ ንስኻን ስድራኻን ድማ፥ ክትድሕኑ ኢኹም” በልዎ።
32
ንእኡን ንዅሎም እቶም ምስኡ ኣብ ገዛኡ ዝነበሩን ድማ፥ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም።
33
ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ ወሲዱ፥ ቍስሎም ሓፀበሎም፤ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ኸዓ ተጠመቐ።
34
ናብ ገዛኡ ወሲዱ ድማ፥ ማእዲ ቐረበሎም፤ ብእግዚኣብሄር ስለ ዝኣመነውን፥ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተሓጐሰ።
35
ምድሪ ምስ ወግሐ፥ እቶም ሰብ ስልጣን “ነቶም ሰባት ፈቲሕኻ ስደዶም” ኢሎም፥ ሓሻኽር ለኣኹሉ።
36
እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ድማ “እቶም ሰብ ስልጣን ‘ፍትሕዎም’ ኢሎም ልኢኾም ኣለዉ እሞ፥ ሕዚ እምበኣር ወፂእኹም ብሰላም ኪዱ” ኢሉ ንጳውሎስ ነገሮ።
37
ጳውሎስ ግና፥ “ንሕና ሮማውያን እንተለና፥ ብዘይ ፍርዲ ብገሃድ ገሪፎም፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮምናስ፥ ሕዚዶ ብሕቡእ ክሰዱና? ባዕልቶም ደኣ መፂኦም የውፅኡና እምበር፥ እዙይ ከቶ ኣይኸውንን እዩ” በሎም።
38
እቶም ሓሻኽር ድማ፥ ነቶም ሰብ ስልጣን፥ ነዝ ነገር እዙይ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ፥ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ ፈርሑ።
39
መፂኣቶም ከዓ “ይቕረ በሉልና” ኢሎም ኣውፅእዎም፤ ካብታ ኸተማ ኽወፁ ኸዓ ለመንዎም።
40
ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ወፂኦም፥ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ፤ ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኸብዎም ድማ፥ ኣፀናኒዖምዎም ካብኡ ወፁ።
← Chapter 15
Chapter 17 →