bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 13
Acts 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብታ ኣብ ኣንፆኪያ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቢያትን መምህራንን ነበሩ። ንሳቶም ከዓ በርናባስን፥ እቲ “ፀሊም” ተብሂሉ ዝፅዋዕ ስምኦንን፥ ሉቅዮስ ቀሬናውን፥ ምስ ገዛኢ ርባዕ ክፍሊ ዝኾነ ሄሮድስ ዝዓበየ ምናሄን ሳውልን ነበሩ።
2
እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር እናገልገሉን እናፆሙን እንተለዉ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ “ንበርናባስን ሳውልን፥ ነቲ ኣነ ዝመረፅክዎም ኣገልግሎት ፍለዩለይ” በሎም።
3
ምስ ፆሙን ምስ ፀለዩን፥ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ ኣፋነውዎም።
4
ንሳቶም ከዓ ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም፥ ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ፤ ካብኡ ድማ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ።
5
ኣብ ስልማና ምስ በፅሑ ኸዓ፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ፥ ቃል እግዚኣብሄር መሃሩ፤ ዮሃንስውን ይሕግዞም ነበረ።
6
ነታ ደሴት ብምልእታ ኣቋሪፆም ኣብ ጳፉ ምስ በፅሑ፥ ሓደ ጠንቋሊ ሰብኣይ፥ ናይ ሓሰት ነቢይ፥ በርያሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ረኸቡ።
7
ንሱ ምስቲ መስተውዓሊ ሰብኣይ ሰርግዮስ ጳውሎስ ዝበሃል ሹም ይነብር ነበረ፤ ሰርግዮስ ጳውሎስ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዕ ደልዩ ንበርናባስን ንሳውልን ናብኡ ፀውዖም።
8
ግና ብቛንቋ ግሪክ ኤሊማስ ተብሂሉ ዝፅዋዕ ጠንቋሊ፥ ነቲ ሹም ካብ ምእማን ክኽልክሎ ደልዩ፥ ንበርናባስን ንሳውልን ተቓወሞም።
9
እቲ ጳውሎስ ዝተብሃለ ሳውል ግና፥ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኣትኲሩ ጠመቶ እሞ፥
10
“ኣታ ዅሉ ተንኰልን ኵሉ ኽፍኣትን ዝመልአካ ወዲ ዲያብሎስ ፀላኢ ዅሉ ፅድቂ፥ ነቲ ቕኑዕ መንገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥምዛዝዶ ኣይትዓርፍን?
11
ሕዚ እውን እንሆ፥ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፤ ክትዓውር፥ ንጊዜኡውን ፀሓይ ኣይትርእን ኢኻ” በሎ። ሽዑ ንሽዑ፥ ጣቓን ፀልማትን ወደቖ፤ ኣብዙይን ኣብቱይን ሃሰስ እናበለ ድማ፥ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ደለየ።
12
ሽዑ እቲ ሹም፥ ነቲ ዝኾነ ነገር ምስ ረአየ፥ ብትምህርቲ ጐይታ ተደኒቑ ኣመነ።
13
ድሕሪዙይ ጳውሎስን ብፆቱን፥ ካብ ጳፉ ተልዒሎም፥ ብመርከብ ናብ ጴርጌን ናይ ጵምፍልያ መፁ። ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሃንስ ከዓ፥ ካብኣቶም ተፈልዩ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
14
ንሳቶም ግና ኻብ ጴርጌን ሓሊፎም፥ ናብታ ኣብ ጲስድያ እትርከብ ኣንፆኪያ መፁ፤ ብመዓልቲ ሰንበት፥ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዮም ተቐመጡ።
15
ሕጊ ሙሴን ነቢያትን ምስ ተነበቡ ኸዓ፥ እቶም መራሕቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኣቱም ኣሕዋትና፥ ንህዝቢ ዝጠቅም ቃል ምዕዳን እንተ ሃልዩኩም ተናገሩ” ኢሎም ለኣኹሎም።
16
ሽዑ ጳውሎስ ተሲኡ፥ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ እናመልከተ ኸምዙይ በለ፦ “ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን ስምዑ።
17
ኣምላኽ ህዝቢ እስራኤል፥ ነቦታትና ሓረዮም፤ ኣብ ምድሪ ግብፂ ተሰዲዶም ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ፥ ነቲ ህዝቢ ልዕል ልዕል ኣበሎ፤ በቲ ዓብዪ ሓይሉ ድማ፥ ካብኣ ኣውፅኦም።
18
ነርብዓ ዓመት ዝኣክል ከዓ፥ ኣብ በረኻ ፆሮም።
19
ካብ ምድሪ ከነዓን ሸውዓተ መንግስታት ኣጥፊኡ ኸዓ፥ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም።
20
ድሕሪዙይ ክሳዕ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል፥ ንኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ዝኣክል፥ መሳፍንቲ ሸመሎም።
21
ብድሕሪዙይ ንጉስ ከንግሰሎም ለመኑ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ነገድ ብንያም ንዝኾነ ሳኦል ወዲ ቂስ፥ ነርብዓ ዓመት ኣንገሰሎም።
22
እግዚኣብሄር ንሳኦል ምስ ሰዓሮ ድማ፥ ንዳዊት ኣንገሰሎም፤ ‘ከም ልበይ ዝኾነ ሰብ፥ ኵሉ ፍቓደይ ዝገብር ንዳዊት ወዲ እሴይ ረኸብኩ’ ኢሉ ኸዓ መስከረሉ።
23
እግዚኣብሄር ከምቲ ኣተስፍይዎ ዝነበረ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት፥ ነቲ መድሓኒ እስራኤል ዝኾነ ኢየሱስ ለኣኾ።
24
ቅድሚ ምምፃኡውን፥ ዮሃንስ ንዅሉ ህዝቢ እስራኤል፥ ንንስሃ ዝኸውን ጥምቀት ሰበኸ።
25
ዮሃንስ ከዓ ተልእኾኡ እንትፍፅም፥ ‘ኣነ መን እመስለኩም? ኣነኮ ክርስቶስ ኣይኮንኩን፤ እቲ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ፥ ካብ ኣእጋሩ ኽፈትሕ ዘይበቅዕ፥ እንሆ ንሱ ብድሕረይ ይመፅእ ኣሎ’ በለ።
26
“ኣቱም ኣሕዋትና፥ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእኸሎም ዘለኹም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑን፥ እዝ ቃል ምድሓን እዙይ ናባኻትኩም እዩ ዝተልኣኸ።
27
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን ኣሕሉቖምን ግና፥ ንኢየሱስ ኣይፈለጥዎን፤ እቲ ሰንበት ሰንበት ዘንብብዎ ቓል ነቢያት እንተየስተውዓሉ፥ ምእንቲ ቓል መፃሕፍቲ ኽፍፀም ንሞት ፈረድዎ።
28
ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል እኳ እንተ ዘይረኸቡሉ፥ ክቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ።
29
ኹሉ ነቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ምስ ፈፀሙ ኸዓ፥ ካብ መስቀል ኣውሪዶም ናብ መቓብር ኣእተውዎ።
30
እግዚኣብሄር ግና ካብ ምዉታን ኣተስኦ።
31
ነቶም ካብ ገሊላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡን፥ ሕዚ ኸዓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ መሰኻኽሩ ኾይኖም ንዘለዉን፥ ብዙሕ መዓልቲ ተርኣዮም።
32
“ንሕና ኸዓ ነቲ እግዚኣብሄር ነቦታትና ኣተስፍይዎም ዝነበረ፥ ነብስረኩም ኣለና።
33
ኣብ ካልኣይ መዝሙረ ዳዊት፦ ‘ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ኸዓ ሎሚ ወለድኩኻ’ ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ እግዚኣብሄር ንኢየሱስ ካብ ሞት ከም ዝትስእ ብምግባር፥ ኣባና ኣብ ደቆም፥ ነዝ ተስፋ እዙይ ፈፀሞ።
34
ከምቲ፦ ‘ነቲ ቕዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ’ ኢሉ ዝተዛረቦ፥ መሊሱ ምብስባስ ከይርኢ ኻብ ምዉታን ኣተስኦ።
35
ከምኡ ኸዓ ኣብ ካልእ መዝሙር፦ ‘ንቕዱስካ ምብስባስ ክርኢ ኣይትሓድጎን ኢኻ’ ይብል።
36
ዳዊት ግና ብዘመኑ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣገልግሎቱ ምስ ፈፀመ ዓረፈ፤ ተቐቢሩ ኸዓ ምብስባስ ረአየ።
37
እቲ እግዚኣብሄር ዘተስኦ ግና፥ ምብስባስ ኣይረአየን።
38
እምበኣርከስ ኣቱም ኣሕዋትና፥ እዝ እንነግረኩም መልእኽቲ፥ ‘ስርየት ሓጢኣት ብኢየሱስ እዩ’ ዝብል ከም ዝኾነ ፍለጡ። እቲ ዅሉ፥ ብሕጊ ሙሴ ኽፀድቕ ዘይተኽኣሎ፥ ብኢየሱስ ብምእማን ይፀድቕ።
40
ስለዙይ እቲ ብነቢያት፦ ‘ኣቱም መላገፅቲ ረአዩ፤ ሓደኳ እንተ ነገረኩም፥ ከቶ ዘይተኣምንዎ ግብሪ፥ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ ተገረሙን፥ ጥፍኡን’ ዝብል፥ ኣባኻትኩም ከይፍፀም ተጠንቀቑ።”
42
ጳውሎስን በርናባስን፥ ካብቲ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ክወፁ እንተለዉ ኸዓ፥ በታ እትመፅእ ሰንበትውን፥ ነዝ ቓል እዙይ ደጊሞም ክነግርዎም ለመንዎም።
43
እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ፥ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ናብ እምነት ኣይሁድ ዝኣተዉ ወገን ኣህዛብን፥ ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓብዎም። ንሳቶም ከዓ ተዛረብዎም፤ ኣብ ፀጋ እግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ ኣተባብዕዎም።
44
በታ ኻልአይቲ ሰንበት ድማ፥ ህዝቢ እታ ኸተማ፥ ቃል እግዚኣብሄር ክሰምዑ፥ ዳርጋ ዅሎም ተኣከቡ።
45
ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ዝተኣከቡ ህዝቢ ምስ ረአዩ፥ ቅንኣት ሓደሮም፤ ነቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ተቓወምዎ፤ ፀረፍዎውን።
46
ጳውሎስን በርናባስን ከዓ ተቢዖም፥ ከምዙይ እናበሉ ተዛረቡ፦ “ቃል እግዚኣብሄር፥ ኣቐዲሙ ንኣኻትኩም ክንገር ይግባእ ነይሩ። ካብ ኣበኹምዎን፥ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኮንኩም፥ ባዕልኻትኩም ካብ ፈረድኩምን ግና፥ እንሆ ገፅና ናብ ኣህዛብ ንምልስ ኣለና።
47
እግዚኣብሄር ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ፥ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፥ ንኣህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ’ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ።”
48
ኣህዛብ ከዓ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ድማ ኣኽበሩ፤ እቶም ንህይወት ዘለኣለም ዝተዓደሉ ዅላቶምውን ኣመኑ።
49
ቃል እግዚኣብሄር ኣብታ ሃገር ብምልእታ በፅሐ።
50
ኣይሁድ ግና፥ ነተን እግዚኣብሄር ዝፈርሓ ኽቡራት ኣንስትን፥ ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣለዓዓልዎም፤ ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስንውን፥ ስደት ኣለዓዓሉ፤ ካብ ሃገሮምውን ሰጐጕዎም።
51
ንሳቶም ከዓ፥ ንስምዕታ ክኾኖም፥ ሓመድ ኣእጋሮም ነጊፎምሎም፥ ናብ ኢቆንዮን ከዱ።
52
ደቀ መዛሙርትውን፥ ብታሕጓስን ብመንፈስ ቅዱስን ተመልኡ።
← Chapter 12
Chapter 14 →