bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 14
Acts 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዮን፥ ጳውሎስን በርናባስን፥ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዮም፥ ብዙሓት ኣይሁድን ግሪካውያንን ክሳዕ ዝኣምኑ ሰበኹ።
2
እቶም ምእማን ዝኣበዩ ኣይሁድ ግና፥ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣመንቲ ብፅልኢ ኸም ዝለዓዓሉ ገበርዎም።
3
ጳውሎስን በርናባስን ግና፥ ብዛዕባ ጐይታ ብትብዓት እናነገሩ ንነዊሕ እዋን ኣብኡ ተቐመጡ። ጐይታ ኸዓ በቲ በእዳዎም ክገብርዎ ዝህቦም ዝነበረ ምልክትን ተኣምራትን፥ ነቲ ናይ ፀጋኡ ቓል የፅንዖ ነበረ።
4
ህዝቢ እታ ኸተማ ኸዓ፥ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፥ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኮይኖም ኣብ ክልተ ተኸፈሉ።
5
ኣህዛብን ኣይሁድን ከዓ፥ ምስ መራሕቶም ኮይኖም፥ ከሳቕይዎምን ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎምን ተልዓሉ።
6
ሃዋርያት ድማ እዙይ ምስ ፈለጡ፥ ናብ ሊቃኦንያ፥ ልስጥራን፥ ደርቤን ዝበሃላ ኸተማታትን፥ ኣብ ከባቢአን ናብ ዘሎ ሃገርን ሃደሙ።
7
ኣብኡ ኸዓ ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ።
8
ኣብ ልስጥራን እግሩ ዝሰለለ፥ መፃጕዕ ኮይኑ ዝተወለደ፥ ፈፂሙ ኽወሳወስ ዘይኽእል ሓደ ሰብ ተቐሚጡ ነበረ።
9
እዝ ሰብዙይ ጳውሎስ ክዛረብ እንተሎ ይሰምዕ ነበረ። ጳውሎስ ከዓ ኣትኵሩ ጠመቶ፤ ክሓዊ እምነት ከም ዘለዎ ሪኡ ድማ፥
10
ብዓብዪ ድምፂ፦ “ቀጥ ኢልካ በእጋርካ ደው በል!” በሎ። ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ብድድ ኢሉ ይመላለስ ነበረ።
11
ሽዑ እቶም ህዝቢ፥ ነቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረአዩ፥ ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብቛንቋ ሊቃኦንያ፥ “ኣማልኽቲ ሰብ ተመሲሎም፥ ናባና ወሪዶም” በሉ።
12
ንበርናባስ “ድያ” ንጳውሎስ ድማ ዋና ተዛራቢ ስለ ዝነበረ “ሄርሜስ” ኢሎም ሰመይዎም።
13
ካህን ናይታ ኣብ ማዕዶ ኸተማ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ድያ ድማ፥ ኣብዑርን ጕንጕን ዕምበባን፥ ናብቲ ኣፍ ደገ ኣምፂኡ፥ ምስቶም ህዝቢ ኾይኑ ኽስውአሎም ደለየ።
14
እንተ ኾነ እቶም ሃዋርያት በርናባስን ጳውሎስን፥ እዙይ ምስ ሰምዑ ሓዚኖም ክዳውንቶም ቀደዱ፤ እናእወዩ ድማ ናብቶም ህዝቢ ኣቢሎም ጐየዩ፤
15
ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።
16
ብዝሓለፈ ዘመናት፥ እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣህዛብ፥ በብዝደለይዎ መንገዲ ክኸዱ ሓደጎም።
17
ምስዙይ ከዓ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሐ፥ ካብ ሰማይ ዝናምን ወርሓት ፍርያትን እናሃበ፥ ብምግብን ብሓጐስን ንልብና እናመልአ፥ ህያው ከም ዝኾነ፥ ንባዕሉ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”
18
ነዝ ዅሉ ተዛሪቦም ድማ፥ እቶም ህዝቢ ኸይስውኡሎም፥ ብግዲ ኣሕደግዎም።
19
ኣይሁድ ግና፥ ካብ ኣንፆኪያን ካብ ኢቆንዮንን መፂኦም፥ ነቶም ህዝቢ ሓበልዎም። ንጳውሎስ ከዓ ብእምኒ ቐጥቀጥዎ፤ ዝሞተ መሲልዎም ድማ፥ ጐቲቶም ካብታ ኸተማ ኣውፅእዎ።
20
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዙርያኡ ደው ምስ በሉ ኸዓ፥ ብድድ ኢሉ ናብ ከተማ ኣተወ፤ ንፅባሒቱ ድማ ምስ በርናባስ፥ ናብ ደርቤን ከደ።
21
ጳውሎስን በርናባስን፥ ኣብ ደርቤን እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርት ኣፍረዩ፤ ናብ ልስጥራንን ናብ ኢቆንዮንን ናብ ኣንፆኪያን ተመለሱ።
22
“ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክንኣቱ ዝግብአና፥ ብብዙሕ መከራ እዩ” እናበሉ ነቶም ደቀ መዛሙርት ኣፀናንዕዎም፤ ኣብ እምነቶም ፀኒዖም ክነብሩውን ኣተባብዕዎም።
23
ኣብ ነፍሲ ወከፍ፥ ሽማግለታት ምስ ሸሙሎም ድማ፥ ብፆምን ብፀሎትን፥ ናብቲ ዝኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቘብዎም።
24
ብጲስድያ ሓሊፎም ናብ ጵምፍልያ መፁ።
25
ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ መሃሩ ናብ ኣጣልያ ወረዱ።
26
ካብኣ ኸዓ፥ ናብ ነቲ ዝፈፀምዎ ስራሕ፥ ንፀጋ እግዚኣብሄር ሓደራ ዝተወፈዩላ ዓዲ፥ ናብ ኣንፆኪያ ብመርከብ ተሳገሩ።
27
ናብኣ ምስ በፅሑ፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ኣኪቦም፥ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዝገበረሎምን ንኣህዛብ ከዓ፥ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ነገርዎም።
28
ምስቶም ደቀ መዛሙርት ድማ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጡ።
← Chapter 13
Chapter 15 →