bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 12
Acts 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በቲ እዋን እቱይ ንጉስ ሄሮድስ፥ ንገሊኣቶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰባት ከሳቕዮም ጀመረ።
2
ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከዓ፥ ብሰይፊ ቐተሎ።
3
እዙይ ንኣይሁድ ከም ዘሐጐሶም ምስ ረአየ ድማ፥ ኣስዒቡ ንጴጥሮስ ሓዞ፤ ሽዑ ድማ ቕነ በዓል ቅጫ ነበረ።
4
ምስ ሓዞ ኸዓ፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ፤ ድሕሪ ፋሲካ ናብ ህዝቢ ምእንቲ ኸውፅኦ ደልዩ፥ በበርባዕተ ኾይኖም ክሕልውዎ፥ ነርባዕተ ምድብ ወታደራት ኣሕሊፉ ሃቦ።
5
ስለዙይ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፤ እታ ቤተ ክርስቲያን ግና፥ ምእንታኡ ተጊሃ፥ ናብ እግዚኣብሄር ትፅሊ ነበረት።
6
ሄሮድስ ብፅባሒቱ፥ ንጴጥሮስ ናብ ፍርዲ ኸቕርቦ ሓሰበ። እንተ ኾነ በታ ለይቲ እቲኣ ጴጥሮስ፥ ኣብ መንጎ ኽልተ ወታደራት፥ ብኽልተ ሞቕሕ ተኣሲሩ ደቂሱ ነበረ። እቶም ወታደራትውን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኾይኖም፥ ይሕልዉ ነበሩ።
7
እንሆ ኸዓ መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብኡ ወሪዱ ተርኣየ፤ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ፥ ብርሃን በርሀ፤ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ጐኑ ነኺኡ “ቐልጢፍካ ተስእ!” በሎ፤ እተን መዋቕሕ ድማ፥ ካብ ኣእዳዉ ወደቓ።
8
እቲ መልኣኽ ከዓ “ተዓጠቕ! ኣሳእንካውን ኣእቱ!” በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ፤ እቲ መልኣኽ ከዓ “ክዳንካ ተኸደን እሞ ሰዓበኒ!” በሎ።
9
ጴጥሮስውን ወፂኡ ሰዓቦ። እንተ ኾነ ዝሓልም ዘሎ ደኣ ይመስሎ ነበረ እምበር፥ እቲ መልኣኽ ብውነ ዝተርኣዮ ምዃኑ፥ ኣይፈልጥን ነበረ።
10
ነቶም ነታ ቐዳመይትን ካልአይትን ማዕፆ ዝሕልዉ ምስ ሓለፉ፥ ናብታ ናብ ከተማ እተምርሕ፥ ማዕፆ ሓፂን በፅሑ፤ ሽዑ ባዕላ ተኸፍተት። ወፂኦም ድማ ሓንቲ መንገዲ ሓለፉ፤ ሽዑ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ ሓደጎ።
11
ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመለሰ ድማ “እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፥ ካብ ኢድ ሄሮድስን፥ ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዝፅበይዎ ዝነበሩ ዅሉን፥ ከም ዘድሓነኒ ሕዚ ብሓቂ ፈለጥኩ” በለ።
12
ምስ ተፈለጦ፥ ብዙሓት ተኣኪቦም ይፅልዩሉ ናብ ዝነበሩ፥ ናብ ቤት ማርያም እኖ እቲ ማርቆስ ዝበሃል ዮሃንስ ከደ።
13
ጴጥሮስ ነቲ ማዕፆ ኣፍ ደገ ምስ ኳሕዅሐ፥ ሮዳ እትበሃል ኣገልጋሊት ክትሰምዖ ወፀት።
14
ንሳ ድምፂ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፥ ካብ ታሕጓስ ዝተልዓለ፥ ነቲ ማዕፆ እንተይከፈተት፥ ናብ ውሽጢ ጐየየት፤ “ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኣሎ” ኢላ ነገረቶም።
15
ንሳቶም ግና፥ “ዓቢድኪ ዲኺ” በልዋ። ንሳ ግና፥ ብሓቂ ንሱ እዩ ኢላ ኣረጋገፀት። ሽዑ “መልኣኹ እዩ ዝኸውን” በሉ።
16
ጴጥሮስ ግና መላሊሱ ይዅሕኵሕ ነበረ። ምስ ከፈቱ ረአይዎ እሞ ተገረሙ።
17
ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውፅኦ ነገሮም እሞ፥ “ነዝ ነገርዙይ ንያእቆብን፥ ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም” በሎም፤ ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ።
18
ምስ ወግሐ እቶም ወታደራት “ጴጥሮስ እንታይ ረኺብዎ?” እናበሉ የመና ተሸበሩ።
19
ሄሮድስ ድማ፥ ንጴጥሮስ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፥ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ኽቕተሉ ኣዘዘ። ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ድማ፥ ኣብኣ ቐነየ።
20
ሄሮድስ ምስ ሰብ ጢሮስን ሲዶናን፥ ብርቱዕ ፅልኢ ነበሮ። እንተ ኾነ ሃገሮም ምግቢ እትረኽቦ፥ ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፥ ንበላስጦን ኣዛዚ ቤት ንጉስ ኣእሚኖም፥ ዕርቂ ኽልምኑ ተሰማሚዖም፥ ናብ ሄሮድስ መፁ።
21
በታ ምድብቲ መዓልቲ፥ ሄሮድስ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ፥ ኣብ ዙፋን ተቐመጠ፤ ነቶም ህዝቢ ኸዓ ዘረባ ኣስምዖም።
22
እቶም ህዝቢ ድማ ዓው ኢሎም “እዙይስ ድምፂ እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ድምፂ ሰብ ኣይኮነን” በሉ።
23
ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስለ ዘይሃበ ድማ፥ ሽዑ ንሽዑ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ሓሲኹ ኸዓ ሞተ።
24
ቃል እግዚኣብሄር ግና እናዓበየን እናሰፍሐን ከደ።
25
በርናባስን ሳውልን ኣገልግሎቶም ፈፂሞም፥ ካብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። ነቲ ማርቆስ ዝተብሃለ ዮሃንስውን፥ ምስኣቶም ተማልእዎ።
← Chapter 11
Chapter 13 →