bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Acts 11
Acts 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣሕዋትን፥ ኣህዛብ፥ ንቓል እግዚኣብሄር ከም ዝተቐበሉ ሰምዑ።
2
ጴጥሮስ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ተመለሰ፥ እቶም ካብ ግሩዛት ወገን ዝኾኑ ኣመንቲ ኣይሁድ “ንስኻ ናብ ዘይተገረዙ ሰባት ኣቲኻ፥ ምስኣቶም በሊዕኻ ኢኻ” ኢሎም ነቐፍዎ።
4
ጴጥሮስ ድማ፥ ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ኽነግሮም ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦
5
“ኣነ ኣብ ከተማ ኢዮጴ ኽፅሊ እንተለኹ፥ ተመሰጥኩ እሞ፥ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ በርባዕተ መዓዝኑ ዝተትሓዘ ዓብዪ መጋረጃ ዝመስል፥ ካብ ሰማይ ወሪዱ ናባይ መፀ።
6
ናብኡ ኣትኲረ እንተ ጠመትኩ፥ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ኣራዊትን፥ ለመም ዝብሉን፥ ኣዕዋፍ ሰማይን ረአኹ።
7
‘ጴጥሮስ፥ ተስእ፤ ሓሪድካ ብላዕ’ ዝብለኒ ድምፂ ኸዓ ሰማዕኹ።
8
ኣነ ግና ‘ጐይታይ፥ ርኹስ ወይ ዘፀይፍ ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ኣይኸውንን’ በልኩ።
9
ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዘንፅሆ ንስኻ ኣይተርክሶ’ ዝብል ድምፂ፥ ካብ ሰማይ ሰማዕኹ።
10
እዝ ነገርዙይ ሰለስተ ጊዜ ኾነ፤ መሊሱ ድማ፥ ኵሉ ናብ ሰማይ ተስሓበ።
11
እንሆ ኸዓ ሽዑ፥ ሰለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም፥ ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዝነበርክዋ ገዛ ደው ኢሎም ነበሩ።
12
መንፈስ ቅዱስ ከዓ፥ እንተይተጠራጠርኩ ምስኣቶም ክኸይድ ነገረኒ፤ እዞም ሽዱሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፤ ናብ እንዳ ቆርኔሌዎስውን ኣተና።
13
ንሱ ኸዓ፥ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፥ ‘ናብ ኢዮጴ ለኣኽ እሞ፥ ነቲ ጴጥሮስ ዝበሃል ስምኦን ፀዊዕኻ ኣምፅኣዮ፤ ንስኻን ኵሉ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፥ ንሱ ኽነግረካ እዩ’ ኽብሎ እንተሎ ኸም ዝረአየ ነገረና።
15
ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ድማ፥ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ፥ መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብኣቶምውን ወረደ።
16
ሽዑ ነቲ ‘ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም’ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከርኩ።
17
እምበኣር ከምቲ ንኣና ብጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣመንና ዝሃበና፥ ኣምላኽ ማዕረና ገይሩ ውህብቶ ኻብ ሃቦም፥ ንእግዚኣብሄር ክኽልክሎ ዝኽእል ኣነ መን እየ!” በለ።
18
ነዙይ ምስ ሰምዑ ስቕ በሉሞ፥ “እምበኣርከስ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ድማ፥ ንህይወት ዝኸውን ንስሃ ሂብዎም ኣሎ” እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
19
እቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበፅሐ መከራ፥ ዝተበተኑ ሰባት ግና፥ ክሳዕ ፊንቂስን ቆጵሮስን ኣንፆኪያን ከዱ፤ ነቲ ቓል ድማ ንኣይሁድ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንሓደኳ ኣይነግሩን ነበሩ።
20
ገሊኣቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀርኔንን ነበሩ፤ እዚኣቶም ናብ ኣንፆኪያ መፂኦም፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ሰበኹሎም። ነቶም ግሪካውያን እንተይተረፈ ነገርዎም።
21
ኢድ ጐይታውን ምስኣቶም ነበረ፤ ብዙሕ ዝቝፅሮም ሰባት ድማ፥ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመለሱ።
22
እዝ ወረ እዙይ ከዓ፥ ኣብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰምዐ፤ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንፆኪያ ለኣኽዎ።
23
ንሱ ኣብኡ ምስ በፅሐ፥ ፀጋ እግዚኣብሄር ሪኡ ተሓጐሰ፤ ብምሉእ ልቦም ብእግዚኣብሄር ፀኒዖም ክነብሩ ድማ መዓዶም።
24
ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብ ነበረሞ፤ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ናብ ጐይታ ተመለሰ።
25
በርናባስ ካብኡ ወፂኡ፥ ንሳውል ክደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ።
26
ምስ ረኸቦ ናብ ኣንፆኪያ ኣምፅኦ፤ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ዓመት ምሉእ ሓቢሮም ነበሩ፤ ንብዙሕ ህዝቢ እውን መሃሩ፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ድማ ንፈለማ ጊዜ፥ ኣብ ኣንፆኪያ ክርስቲያን ተብሂሎም ተፀውዑ።
27
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ነቢያት ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣንፆኪያ ወረዱ።
28
ሓደ ኻብኣቶም ኣጋቦስ ዝስሙ ተሲኡ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝኸውን፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተዛረበ፤ እዙይ ዝኾነ ድማ ብዘመን ቀላውዴዎስ ቄሳር እዩ።
29
ስለዙይ እቶም ደቀ መዛሙርት፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሞም፥ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት፥ ረድኤት ክሰዱሎም መደቡ።
30
ነቲ ዝተዋፅአ ገንዘብ ድማ፥ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ገይሮም፥ ናብቶም ሽማግለታት ሰደድዎ።
← Chapter 10
Chapter 12 →