bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 7
2 Samuel 7
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኻብቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዅሎም ፀላእቱ ኣዕረፎ።
2
እቲ ንጉስ ንነቢይ ናታን፥ “እስኪ ረአ! ኣነ ብፅሕዲ ኣብ ዝተሰርሐ ቤት እነብር ኣለኹ፤ ታቦት እግዚኣብሄር ግና ኣብ ድንኳን ኣብ ውሽጢ መጋረጃታት ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።
3
ናታን ከዓ ንንጉስ፥ “እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፥ ኪድ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ግበር” በሎ።
4
በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ንናታን ከምዙይ በሎ፦
5
“ኪድ፤ ንባርያይ ዳዊት ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ’ በሎ። ‘ንስኻ ኣነ ዝነብረላ ቤት ኣይትሰርሐለይን ኢኻ።
6
ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ዘውፃእኹላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ፥ ኣብ ድንኳንን ኣብ መሕደሪን እየ ዝነበርኩ እምበር ኣብ ቤት ኣይነበርኩን።
7
ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ዝተጕዓዝኩሉ፥ ንህዝበይ እስራኤል ክጓስዩ ኻብ ዝኣዘዝክዎም መራሕቲ እስራኤል ንሓደኳ ስለ ምንታይ ብኦም ፅሕዲ ቤት ዘይሰራሕኹምለይ ኢለዶ ተዛሪበ እየ?’
8
“ሕዚ ኸዓ ንባርያይ ዳዊት ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሒ ኽትከውን፥ ካብ ምጕሳይ ኣባጊዕ ኣምፃእኹኻ።
9
ኣብ ኵሉ ዝኸድካዮ ኸዓ ምሳኻ ነበርኩ፤ ንዅሎም ፀላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጥፋእኹዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ንስምካ ዓብዪ ኽገብሮ እየ።
10
ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፥ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕስ ኣብታ ቦታኡ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ፥ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መራሕቲ ክኾኑ ዝኣዘዝኩላ መዓልቲ፥ እቶም ዓመፅቲ ኸምቲ ናይ ቀደም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን እዮም። ካብ ኵሎም ፀላእትኻ ድማ ኸዕርፈካ እየ። “ኣነ ቤት ከም ዝሰርሐልካ እነግረካ ኣለኹ።
12
መዓልቲታትካ ምስ ኣኸላ፥ ምስ ኣቦታትካ ኸዓ ምስ ተቐበርካ፥ ብድሕሬኻ ነቲ ኻብ ሕቘኻ ዝወፅእ ዘርእኻ፥ ልዕል ከብሎ እየ፤ ነታ መንግስቱውን ከፅንዓ እየ።
13
ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ፤ ኣነ ኸዓ ዙፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከፅንዐሉ እየ።
14
ኣነ ኣቦ ክኾኖ፥ ንሱ ድማ ወሉድ ክኾነኒ እዩ። እንተ በደለ ኸዓ ኸምቲ ሰብ ዝቐፅዐሉ ጨንገርን ደቂ ሰብ ብዝቐፅዑሉን ክግስፆ እየ።
15
ግና ኸምቲ ንሳኦል ካብ ቅድሜኻ ኸወግዶ እንተለኹ ፍቕረይ ዘርሓቕኩሉ፥ ምሕረተይ ካብኡ ኣየርሕቕን እየ።
16
ገዛኻን መንግስትኻን ከዓ ኣብ ቅድመይ ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ፤ ዙፋንካውን ንዘለኣለም ክፀንዕ እዩ።”
17
ናታን እዝ ዅሉ ዘረባ እዙይን እዝ ዅሉ ራእይን ንዳዊት ነገሮ።
18
ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣተወ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር ክሳዕ እዙይ ዘብፃሕኻንስ፥ ኣነ መን እየ? ቤተይከ እንታይ እያ?
19
ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር እዙይ ድማ ንእሽተይ ኮይኑ ተርእዩካስ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተይ፥ ኣብ ቤት ባርያኻ ድሕሪ ሕዚ ዝኸውን ትዛረብ ኣለኻ። ኦ እግዚኣብሄር! እዙይስ ሕጊ ሰብ ድዩ?
20
“ኦ ጐይታይ እግዚኣብሄር ንኣይ ንባርያኻ ትፈልጠኒ ኢኻ፤ ደጊምከ ዳዊት እንታይ ኢሉ ኽዛረበካ እዩ?
21
ምእንቲ እቲ ቓልካን ከምቲ ፍቓድካን እዝ ዓብዪ ነገርዙይ ገበርካ፤ ንኣይ ንባርያኻ ኸዓ ኣፍለጥካኒ።
22
“ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ዅሉ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ኸማኻ ዝበለ የለን፤ ብዘይ ንስኻውን ኣምላኽ የለንሞ፥ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ።
23
ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ህዝቢ ምእንቲ ክኾነካ፥ ባዕልኻ ዘድሓንካዮ እዩ። ምእንቲ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝቢ ኢልካ፥ ነህዛብ ምስ ኣማልኽቶም ብዓቢይን ብዘደንግፅ ተኣምራትን ካብ ቅድሚኡ ሰጒጕካ ስምካ ዘፀዋዕኻ፥ ኣብ ምድሪ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ህዝቢ መን ኣሎ?
24
ንህዝብኻ እስራኤል ከዓ ንዘለኣለም ህዝብኻ ክኸውን ሓረኻዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኮንካ።
25
“ሕዚ ኸዓ፥ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ! ነቲ ብዛዕባይ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤተይን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ኣፅንዓዮ፤ ከምቲ እተዛረብካዮውን ግበር፤
26
ስምካ ድማ ንዘለኣለም ልዕል ይበል። ሰባት፥ ‘ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል እዩ’ ይበሉ። ቤት ባርያኻ ዳዊት ከዓ ኣብ ቅድሜኻ ትፅናዕ።
27
“ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል! ንኣይ ንባርያኻ፥ ‘ኣነ ቤት ክሰርሐልካ እየ’ ኢልካ ገሊፅካለይ ኢኻ፤ ስለዙይ ኣነ ባርያኻ እዝ ፀሎት እዙይ ናባኻ ኸቕርብ ብልበይ ደፈርኩ።
28
ሕዚ ኸዓ፥ ጐይታይ እግዚኣብሄር ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፤ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፤ እዝ ፅቡቕ ነገር እዙይውን ንኣይ ንባርያኻ ኣተስፈኻኒ።
29
ሕዚ ድማ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ክትባርኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽነብር ክትባርኾ ፍቓድካ ይኹን።”
← Chapter 6
Chapter 8 →