bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 8
2 Samuel 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ወቕዖም፤ ኣዋረዶምውን፤ ካብ ፍልስጥኤማውያን ድማ ሜቴግ ኣማ ንዝተብሃለት ከተማ ኻብ ኢዶም ኣሕዲጉ ሓዛ።
2
ንሞኣብውን ወቕዓ፤ ነቶም ሞዓባውያን ድማ ኣብ ምድሪ ለጥ ኣቢሉ በብኽልተ ገመድ ለኪዑ ቐተሎም፤ በብሓደ ገመድ ለኪዑ ኸዓ ብህይወት ሓደጎም። ሞኣባውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾኑ፤ ግብሪውን ኣምፅኡሉ።
3
ዳዊት ነቲ ኣብ ሩባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝኣቱ ኸምልስ ኢሉ ክኸይድ እንተሎ፥ ንሃዳድዔዘር ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባ ሰዓሮ።
4
ዳዊት ድማ ኻብኡ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ፈረሰኛን፥ ዕስራ ሽሕ ከዓ ኣጋራትን ማረኸ። ዳዊት ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፥ ንዅሎም ኣፍራስ ሰረገላ ቛንጃኦም ቈረፀ።
5
እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከዓ ንኣድርኣዛር ንጉስ ሶባ ኽሕግዙ ኢሎም ምስ መፁ፥ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ።
6
ዳዊትውን ኣብ ምድሪ ሶርያ ደማስቆ ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዅሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
7
ዳዊት ናይቶም ሹመኛታት ኣድርኣዛር ዝነበረ ናይ ወርቂ ዋልታኦም ወሰደ፤ ናብ ኢየሩሳሌምውን ሒዙዎም መፀ።
8
ከምኡውን ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይን፥ ከተማታት ኣድርኣዛር፥ የመና ብዙሕ ነሃስ ወሰደ።
9
ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ፥ ዳዊት ንዅሉ ሰራዊት ኣድርኣዛር ከም ዝሰዓሮ ምስ ሰምዐ፥
10
ኣድርኣዛር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፥ ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽጥይቖን፥ ክምርቖን ንሃዳድዔዘር ድማ ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ “እንኳዕ ኣሐጐሰካ” ኽብሎን፥ ኣቑሑ ብሩርን ኣቑሑ ወርቅን ኣቑሑ ነሃስን ኣትሒዙ ንኢዮራም ወዱ ለኣኾ።
11
ነዙይውን ንጉስ ዳዊት፥ ከምቲ ኻብቶም ዝሰዓሮም ኵሎም ኣህዛብ፦ ካብ ሶርያውያንን ሞኣባውያንን፥ ካብ ደቂ ኣሞንን ፍልስጥኤማውያንን ኣማሌቃውያንን፥ ካብ ወዲ ረኣብ ንጉስ ሱባን፥ ካብ ምርኮ ኣድርኣዛርን፥ ዝወሰዶ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሶ።
13
ዳዊት ንኤዶማውያን ስዒሩ ምስ ተመለሰ፤ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ ሰባት ምስ ቀተለ፥ ስሙ ገነነ።
14
ኣብ ኵላ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ግዙኣት ዳዊት ኮኑ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
15
ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነገሰ። ዳዊት ንዅሉ ህዝቡ ብፍትሕን ብፅድቅን የመሓድር ነበረ።
16
ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ፀሓፊ ታሪኽ ነበረ፤
17
ሳዶቅ ወዲ ኣኪጦብን፥ ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክን ድማ ኻህናት ነበሩ፤ ሰራያ ኸዓ ፀሓፊ ነበረ፤
18
በናያስ ወዲ ዮዳሄ ድማ ሓለቓ እቶም ንንጉስ ዝሕልዉ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ፤ ደቂ ዳዊት ከዓ መማኽርቲ ንጉስ ነበሩ።
← Chapter 7
Chapter 9 →