bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 6
2 Samuel 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት መሊሱ ነቶም ኵሎም ካብ እስራኤል ዝተሓርዩ ሰላሳ ሽሕ ሰብኡት ኣከቦም።
2
ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን፥ ነቲ ብስም እቲ “ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር ጐይታ ሰራዊት” ዝፅዋዕ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ይሁዳ ኻብ ዘላ ኻብ በኣል ተልዒሎም ከምፅእዎ ኸዱ።
3
ንሳቶም ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኰረብታ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ኣምፅእዎ፤ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዖዛን ኣሕዮን፥ ደቂ ኣሚናዳብ፥ ይመርሕዎ ነበሩ።
4
ካብታ ኣብ ኰረብታ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረት ቤት ኣሚናዳብ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ምስ ኣውፅእዎ፥ ኣሕዮ ቐቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ።
5
ዳዊትን ኵላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዅሉ ዓይነት ቃናታት፥ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጭላትን ብፀናፅልን ብምሉእ ሓይሎም እናዘመሩ ይፃወቱ ነበሩ።
6
ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ በፅሑ ግና፥ እቶም ነቲ ሰረገላ ዝስሕቡ ኣብዑር ይፋንኑ ስለ ዝነበሩ፥ ዖዛ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ።
7
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዖዛ ነደደ፤ ስለ ድፍረቱ ድማ እግዚኣብሄር ቀሰፎ፤ ኣብኡውን ኣብ ጥቓ ታቦት እግዚኣብሄር ሞተ።
8
ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ንዖዛ ስለ ዝቐሰፎ፥ የመና ሓዘነ፤ ነታ ቦታ እቲኣ ኸዓ፥ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝበሃል ዘሎ፥ “ስብራት ዖዛ” ኢሉ ሰመያ።
9
ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑ፥ “ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ክመፅእ” በለ።
10
ስለዙይ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማኡ ኸእትዎ ስለ ዘይፈተወ፥ ናብ ቤት እቲ ጌታዊ ኣቢዳራ ኣእተዎ።
11
እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ቤት እቲ ጌታዊ ሰብ ኣብ ኣቢዳራ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣቢዳራን ንዅላ ቤቱን ባረኸ።
12
እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኪዳን ኢሉ ንቤት ኣቢዳራን ንዘለዎ ዅሉን ከም ዝባረኸሉ ሰሚዖም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት እግዚኣብሄር ካብ ቤት ኣቢዳራ ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣምፅኦ።
13
እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሽዱሽተ ስጕምቲ ምስ ሰጐሙ፥ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ዝራብዕን ሰውአ።
14
ብሃሪ ዝተሰርሐ ኤፉድ ተዓጢቑ ድማ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ።
15
ዳዊትን ኵላ ቤት እስራኤልን ከዓ ንታቦት እግዚኣብሄር ብዕልልታን ብቓና መለኸትን ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅእዎ።
16
እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ እንተሎ ኸዓ፥ ሜልኮል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ፥ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዘልልን ክስዕስዕን እንተሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ።
17
ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምፂኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእኸል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከዓ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ።
18
ዳዊት ድማ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕሪቡ ምስ ወድአ፥ ነቲ ህዝቢ ብስም ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ባረኾ።
19
ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ፥ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ጉማድ ስጋን ሓደ ጎጎ ዘቢብን ሃቦም። ድሕሪዙይ ከዓ ዅሉ እቲ ህዝቢ ነናብ ገዛኡ ተመለሰ።
20
ዳዊትውን ንቤተሰቡ ኽባርኽ ተመለሰ። ሜልኮል ጓል ሳኦል ከዓ ንዳዊት ክትቅበሎ ወፂኣ፦ “ከንቱ ዝኾነ ሰብ ከም ዝቕላዕ፥ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ቘናጁ ባሮቱ፥ ዕርቃኑ ብምግላፁ ኸመይ ከበረ!” በለቶ።
21
ዳዊት ከዓ ንሜልኮል “ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣቦኽን ካብ ኵላ ቤቱን ዝሓረየኒ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መራሒ ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፥ ይመስገን፤ እወ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝሰሓቕ ዘለኹ።
22
ገናውን ካብዙይ ንላዕሊ ንርእሰይ ከዋርድ እየ፤ ብዓይንኺ የመና እንተ ተንዓቕኩ እኳ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክኸብር እየ” በላ።
23
ሜልኮል ጓል ሳኦል ኽሳዕ ዕለተ ሞታ ኣይወለደትን።
← Chapter 5
Chapter 7 →