bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 5
2 Samuel 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ናብ ኬብሮን መፂኦም፥ ንዳዊት “እኒሀና፥ ንሕና ዓፅምኻን ስጋኻን ኢና፤
2
ካብ ቀደም፥ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ እንተሎውን፥ ንእስራኤል ናብ ውግእ እትመርሕ ንስኻ ኢኻ ኔርኻ። እግዚኣብሄርውን ንኣኻ እዩ ‘ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፤ ንስኻ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መራሒ ኽትከውን ኢኻ’ ኢሉካ ነይሩ እዩ” በልዎ።
3
ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ናብ ኬብሮን መፁ፤ ንጉስ ዳዊት ከዓ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስኣቶም ኪዳን ኣተወ። ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ።
4
ዳዊት ክነግስ እንተሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፤ ኣርብዓ ዓመት ከዓ ነገሰ።
5
ኣብ ኬብሮን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
6
እቲ ንጉስን ሰቡን ድማ ኣብቲ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝቕመጡ ኢያቡሳውያን ክዋግኡ ናብ ኢየሩሳሌም ከዱ። ንሳቶም “ዳዊት ናብዙይ ክኣቱ ኣይኽእልን እዩ” ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ “ዕውራትን ሓንካሳትን እንተ ዘየውፂእኻ ናብዙይ ኣይትኣቱን ኢኻ” በልዎ።
7
ዳዊት ግና ነታ ደሓር ከተማ ዳዊት ዝተብሃለት እምባ ፅዮን ሓዛ።
8
ዳዊት በታ መዓልቲ እቲኣ “ንኢያቡሳውያን ክስዕሮም ዝደሊ በቲ መተሓላለፊ ማይ ኣቢሉ ይደይብ እሞ፥ ነቶም ኣነ ዝፀልኦም ሓንካሳትን ዕዉራትን የውፅእ” በለ። ስለዙይ ብምስላ “ዕዉርን ሓንካስን ናብ ቤተ መንግስቲ ኣይእተዉ” ተብሃለ።
9
ዳዊት ከዓ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፤ ከተማ ዳዊት ኢሉውን ሰየማ። ዳዊት ኻብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ።
10
ዳዊት ከዓ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ እናበርትዐ ኸደ።
11
ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻት ሰደደሉ። ምስኣቶም ድማ ኦም ፅሕድን ፀረብትን ሃነፅትን፥ ወቐርቲ እምንን ሰደደሉ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊት ቤት ሃነፁሉ።
12
ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖ፥ ነታ መንግስቱውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዓለ።
13
ዳዊት ኻብ ኬብሮን ምስ መፀ፥ ብተወሳኺ ኣንስቲ ወሰኑን ካልኦት ኣንስቱን ካብ ኢየሩሳሌም ወሰደ። ካልኦት ኣወዳትን ኣጓላትን ከዓ ተወለዱሉ።
14
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተወለዱሉ ድማ፦ ሳሙስ፥ ሶባብ፥ ናታን፥ ሰሎሞን፥
15
ኢያቤሓር፥ ኤሊሱዔ፥ ናፌቅ፥ ያፍያ፥
16
ኤሊሳማ፥ ኢሊዳሄ፥ ኤሊፋላት እዮም።
17
ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ከም ዝቐብእዎ ፍልስጥኤማውያን ምስ ሰምዑ፥ ኵሎም ክደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዕርዱ ወረደ።
18
ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ።
19
ዳዊት ድማ “ንፍልስጥኤማውያን ክዋግኦምስ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት “ንፍልስጥኤማውያን ብርግፅ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ እሞ ደይብ” በሎ።
20
ዳዊት ድማ ናብ በኣልፐራሲም መፀ፤ ኣብኣ ኸዓ ወቕዖም እሞ፥ “ማይ ከም ዘፍርስ፥ እግዚኣብሄር ንፀላእተይ ኣብ ቅድመይ ኣፍረሶም” በለ። ስለዙይ ነታ ቦታ እቲኣ በኣልፐራሲም ዝብል ስም ኣውፅአላ።
21
ጣዖታቶምውን ኣብኡ ሓደጉ፤ ዳዊትን ሰቡን ድማ ወሰድዎም።
22
ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኻልኣይ ጊዜ ደዪቦም ኣብ ለሰ ራፋይም ፋሕ ኢሎም ሰፈሩ።
23
ዳዊት ንእግዚኣብሄር ምስ ጠየቐ ድማ፥ ንሱ “ኣይትዋግኣዮም፤ ዘይርካ ብድሕሪኦም ኪዶም፤ ብመንፅር እቲ ሳጋሉ ድኣ ተጋጠሞም እምበር ኣይትደይብ።
24
ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ድምፂ ሰይፊ ምስ ሰማዕኻ፥ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ቅድሜኻ ወፂኡ ማለት እዩ እሞ፥ ቀልጢፍካ ተዋግኣዮም” በሎ።
25
ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንፍልስጥኤማውያንውን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓሮም።
← Chapter 4
Chapter 6 →