bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 4
2 Samuel 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል፥ ኣበኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፥ ኢዱ ደኸመት፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ደንገፁ።
2
ንኢያቡስቴ ክልተ ሰባት፥ ኣሕሉቕ ጭፍራ ነበርዎ፤ ስም እቲ ሓደ በዓና፥ ስም እቲ ኻልኣይ ከዓ ሬካብ ነበረ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበሩ። ብኤሮት ምስ ብንያም እያ እትቝፀር።
3
እቶም ቀዳሞት ብኤሮታውያን ግና ናብ ጌቴም ሃዲሞም ከዱ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብኡ ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።
4
ዮናታን ወዲ ሳኦል ከዓ ኽልቲኡ እግሩ ዝሰለለ ወዲ ነበሮ። ሳኦልን ዮናታንን ከም ዝሞቱ ኻብ ኢይዝራኤል ወረ ኽመፅእ እንተሎ ንሱ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ሓዚላቶ ሃደመት። ቀልጢፋ ኽትሃድም እንተላ፥ ወደቐ እሞ እግሩ ተሰበረ። ስሙ ኸዓ ሜምፊቦስቴ ነበረ።
5
ሬካብን በዓናን ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፥ መዓልቲ ምስ ቀተረ፥ ኢያቡስቴ ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ እንተሎ፥ ናብ ገዛኡ ኣተዉ።
6
እታ ሓላዊት ሰበይቲ ኣብ ኣፍ ደገ ተቐሚጣ ስርናይ እናንተርተረት እንተላ ተታኸሰት። ሽዑ ሬካብን በዓናን ሰላሕ ኢሎም ናብ ምድቃስ ኢያቡስቴ ኣተዉ።
7
ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ንሱ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ እንተሎ፥ ወጊኦም ቀተልዎ፤ ርእሱውን ቈረፁ። ርእሱ ሒዞም ድማ ምሉእ ለይቲ ብስንጭሮ ዓረባ ኣቢሎም ከዱ።
8
ርእሲ ኢያቡስቴ ከዓ ናብ ኬብሮን ኣምፂኦም ንዳዊት ሃብዎ። ንንጉስ ከዓ “ርእሲ ኢያቡስቴ፥ ወዲ ሳኦል እቲ ንህይወትካ ዝደልያ ዝነበረ ሳኦል ፀላኢኻ፥ እኒሀልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንኣኻ ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈድዩልካ እዩ” በልዎ።
9
ሽዑ ዳዊት ንሬካብን ንበዓና ሓዉን፥ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፥ “በቲ ንነፍሰይ ካብ ኵሉ መከራ ዘድሓና ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ።
10
ነቲ ፅቡቕ ወረ ዘምፅአለይ መሲልዎ ‘እንሆ ሳኦል ሞይቱ’ ኢሉ ዝነገረኒ፥ ሒዘ ኣብ ፂቅላግ ቀተልክዎ። ናይቲ ብስራት ዘምፅአለይ ዝመሰሎ ኸዓ ኸምዙይ ገይረ ኸፈልክዎ።
11
ዝገደደ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ክፉኣት ሰባት ነቲ ቕኑዕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ ዓራቱን ቀተልኩምዎ፤ ሕዚ እውን ደሙ ኻብ ኣእዳውኩም ክደልዮ እየ፤ ካብ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍአኩም እየ” ኢሉ መለሰሎም።
12
ዳዊት ድማ “ቅተልዎም” ኢሉ ንሓሻኽሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ከዓ ንሬካብን ንበዓናን ቀተልዎም፤ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ድማ ቘራረፅዎም፤ ኣብ ጥቓ ቓላይ ኬብሮን ከዓ ሰቐልዎም። ንርእሲ ኢያቡስቴ ግና ኣብ መቓብር ኣበኔር፥ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ።
← Chapter 3
Chapter 5 →