bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 23
2 Samuel 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መወዳእታ ዘረባ ዳዊት እዙይ እዩ፤ እቲ ልዕል ልዕል ዘበሎ ሰብ፥ እቲ ኣምላኽ ያእቆብ ዝቐብኦ፥ እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ዝኾነ፥ ዳዊት ወዲ እሴይ ዝተዛረቦ እዙይ እዩ።
2
“መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፤ ቃሉ ኸዓ ኣብ ኣንደበተይ ነበረ።
3
ኣምላኽ እስራኤል ተዛረበኒ፤ እቲ ሓላዊ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፤ እቲ ንሰብ ብቕንዕና ዝመርሕ ንጉስ፥ እቲ ብፍርሓት እግዚኣብሄር ዝገዝእ፥
4
ንሱ ኸምቲ ናይ ንግሆ ብርሃን ከም ኣወፃፅዓ ፀሓይ፥ ከምቲ ብድሕሪ ዝናም ዘንፀባርቕ፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ሳዕሪ ኸም ዘብቍል፥ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኸም ዝረአ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።
5
ብሓቂ ቤተይ ብእግዚኣብሄር፥ ከምኡዶ ኣይኮነን? ምሳይውን ንዘለኣለም ብዅሉ ቅኑዕን ፅኑዕን ንዝኾነ፥ ንዘለኣለም ቃል ኪዳን ገይሩ እዩ፤ ንዅሉ ምድሓነይን ድሌተይንከ ኣየብቍለለይን ድዩ?
6
ኵሎም እቶም ዓመፀኛታት ሰባት ግና፥ ከምቲ ብኢድ ሰብ ዘይተሓዝ፥ ዝተድርበየ እሾዅ እዮም።
7
ዝኾነ ሰብ ክነኽኦ እንተ ደለየ ግና፥ ብኢዱ ሓፂንን ዛብያ ዂናትን ይሕዝ፤ ኣብቲ ዘለውዎ ብስራሖም ድማ ፈፂሞም ብሓዊ ይነዱ።”
8
ስም እቶም ጀጋኑ ዳዊት እዙይ እዩ፦ ኢያቡስቴ ዝበሃል ከነዓናዊ፥ ርእሲ እቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ፤ ኲናቱ ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሸሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ።
9
ብድሕሪኡ ኸዓ ኤልያና ወዲ ዶዶ ኣሖሓዊ እዩ። ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ፤ ንሳቶም ነቶም ክዋግኡ ኣብኡ ዝተኣከቡ ፍልስጥኤማውያን እናላገፁ ምስ ኣለዓዓልዎም እቶም ሰብ እስራኤል ኣድሐርሐሩ።
10
ንሱ ግና ተሲኡ ኢዱ ኽሳዕ እትድንዝዝ፥ ኣብታ ሰይፊ እውን ክሳዕ እትለግብ ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም። እግዚኣብሄር ከዓ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ዓወት ከም ዝረኽቡ ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ምርኮ ኽገፉ ጥራሕ ደድሕሪኡ ተመለሱ።
11
ሳልሳዮም ከዓ ሳማ ወዲ ኣጌ ኣሮዳዊ ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ሓደ ጭፍራ ኾይኖም ኣብ ሓንቲ ሌሒ እትበሃል ብርስን ኣብ ዝመልአት ግራት ተኣከቡ። እስራኤላውያን ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ።
12
ንሱ ግና ኣብ ማእኸል እታ ግራት ቆይሙ ተፀበየ፤ ንፍልስጥኤማውያን ከዓ ሰዓሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ምድሓን ገበረ።
13
ብጊዜ ዓፂድ ድማ ኻብቶም ሰላሳ ኣሕሉቕ ሰለስተ ወሪዶም ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ኣዱላም መፁ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ለሰ ራፋይም ሰፊሩ ነበረ።
14
ሽዑ ዳዊት ኣብ ውሽጢ ዕርዲ ነበረ፤ ዘብዐኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኣብ ቤተ ልሔም ነበሩ።
15
ዳዊት ድማ፥ “ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤተ ልሔም ዘሎ ዒላ መን ኮን ማይ መስተየኒ?” በለ።
16
ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ዘሎ ዒላ ቤተ ልሔም፥ ማይ ቀዲሖም ንዳዊት ኣምፅኡሉ። ዳዊት ግና “ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ይኹን” ኢሉ ኣፍሰሶ እምበር፥ ክሰትዮ ኣይደለየን።
17
“ኦ እግዚኣብሄር፥ ነዙይስ ኣይሰትዮን እየ፤ እዙይ ደም እዞም ህይወቶም ቀቢፆም ዝኸዱ ሰባት ምስታይ እዩ” በለ። ስለዙይ ምስታይ ኣበየ። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ዝገበርዎ ዓበይቲ ተግባራት እዙይ ነበረ።
18
ኣቢሳ ሓው ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ኸዓ፥ ነቶም ሰላሳ ሓለቓኦም ነበረ። ንሱ ኲናቱ ኣልዒሉ ሰለስተ ሚእቲ ቐተለ። ስሙ ኸዓ ከምቶም ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ግኑን ነበረ።
19
ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ድማ ዝኸበረ ነበረ፥ ስለዙይ ሓለቓኦም ኮነ፤ ግና ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ኣይበፅሐን።
20
በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ፥ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ በዓል ቀብፅኤል፥ ዓብዪ ስራሕ ዝሰርሐ ነበረ፤ ንሱ ነቶም ክልተ ጀጋኑ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተሎም፤ በረድ ኣብ ዝኾነሉ መዓልቲ እውን ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ።
21
ከምኡ ድማ ንሓደ ምርኡይ ግብፃዊ ሰብኣይ ቀተለ። እቲ ግብፃዊ ዂናት ብኢዱ ሒዙ ነበረ፤ በናያስ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፤ ነቲ ዂናት ካብ ኢድ እቲ ግብፃዊ መንዚዑ፥ በገዛ ዂናቱ ቐተሎ።
22
በናያስ ወዲ ዮዳሄ እዝ ነገር እዙይ ገይሩ ነበረ፤ ንሱ ኸምቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ።
23
ካብቶም ሰላሳ ንላዕሊውን ይኸብር ነበረ፤ ከምቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይኮነን፤ ዳዊት ከዓ ኣብ ልዕሊ ናይ ክብሪ ዘብዐኛታቱ ሸሞ።
24
ካብቶም ሰላሳ እቶም ዝተረፉ እዚኣቶም እዮም፦ ኣሳሄል ሓው ኢዮኣብ ኣብ ማእኸል እቶም ሰላሳ ነበረ፤ ኤልያናን፥ ወዲ ዱዲ ኻብ ቤተልሔም፥
25
ሳማ በዓል ኣሮዳ፥ ኤሊቃ በዓል ሓሮዳ፥
26
ሴሌስ በዓል ፈልጣ፥ ዒራስ ወዲ ዒቄሽ ቆዓ፥
27
ኣቢዔዘር በዓል ኣናቶት፥ ምቡናይ በዓል ኩሳታ፥
28
ፀልሞን በዓል ኣሖሓ፥ ኖኤሬ በዓል ነጦፋ፥
29
ሔሌብ፥ ወዲ በዓና በዓል ነጦፋ፥ ኢታይ፥ ወዲ ሪባ ኻብ ጊብዓ ናይ ደቂ ብንያም፥
30
በናያስ በዓል ጲርዓቶን፥ ሂዳይ ካብ ሩባታት ገዓስ፥
31
ኣቢዓልቦን በዓል ዓረባ፥ ዓዝሞት በዓል በርሑማ፥
32
ኤልያሕባ በዓል ሸዓልቦና፥ ደቂ ኣሳን፥ ዮናታን
33
ሳማ በዓል ኣሮዳ፥ ኣምናን፥ ወዲ ኣራር በዓል ኣሮዳ፥
34
ኤሌፋላት፥ ወዲ ኣሓስባይ በዓል ማዕካታ፥ ኤልያብ ወዲ ኣኪጦፌል፥ በዓል ጊሎና፥
35
ሓፅሮ በዓል ቀርሜሎስ፥ ፈዓራይ በዓል ኣርባ።
36
ይግዓል ወዲ ናታን ካብ ሱባ፥ ባኒ በዓል ጋድ፥
37
ፄሌቅ በዓል ኣሞን፥ ነሓራይ በዓል ብዔሮት፥ ተሸካሚ ኣፅዋር ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ።
38
ዒራስ በዓል ይትራዊ፥ ጋሬብ በዓል ይትራዊ፥
39
ኦርዮ በዓል ኬጢያ፤ ኵሎም ሰላሳን ሸውዓተን እዮም።
← Chapter 22
Chapter 24 →