bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 24
2 Samuel 24
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ መሊሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከዓ “ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቍፀሮም” ኢሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣለዓዓሎ።
2
ንጉስ ከዓ ንኢዮኣብን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን “ቍፅሪ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥስ፥ ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ ዘይርኩም ቍፀርዎም” በሎም።
3
ኢዮኣብ ድማ ንንጉስ “ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ እናረአየ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሚእቲ ሻዕ የብዝሓዮ፤ ግና፥ ጐይታይ ንጉስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ምንታይ ክትገብሮ ደለኻ?” በሎ።
4
ግና ቓል ንጉስ፥ ኣብ ኢዮኣብን ኣብ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ኣሸነፈ፤ ኢዮኣብን ኣሕሉቕ ሰራዊቱን ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወፁ።
5
ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፥ ኣብታ ኣብ ምድሪ ጋድ፥ ኣብ ማእኸል ለሰ ዘላ ብየማን ከተማ ኢያዜር ኣብ ኣሮዔር ሰፈሩ።
6
ናብተን ኣብ ምድሪ ኬጢያውያን ዝርከባ ገለዓድን ቃዴስን ድማ ኣተዉ። ሽዑ ናብ ዳንየዓንውን በፅሑ፤ ካብኡ ኸዓ ናብ ምዕራብ ሲዶና ኸዱ።
7
ካብኡ ናብ ደቡብ ሓሊፎም ናብታ ዕርድቲ ኸተማ ጢሮስ ከዱ፤ ካብኡ ድማ ናብ ኵለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነዓናውያንን ከዱ። ናብ ደቡብ ይሁዳ ዘላ ቤርሳቤህ እትብሃል ድማ በፅሑ።
8
ስለዙይ ንዅላ እታ ሃገር ዘይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
9
ኢዮኣብ ድማ ፀብፃብ እቲ ዝተቘፀረ ህዝቢ ንንጉስ ኣቕረበ፦ ተዋጋእቲ ሰባት ኣብ እስራኤል ሸሞንተ ሚእቲ ሽሕ ብርቱዓት ሰባት ነበሩ። ሰብ ይሁዳ ኸዓ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ነበሩ።
10
ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈፀሮ ግና ሕሊናኡ ወቐሶ። ንእግዚኣብሄር ድማ “በቲ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፤ እዝ ዝገበርክዎ ዓብዪ በደል እዩ እሞ፥ ሕዚ ኦ እግዚኣብሄር፥ በይዛኻ፥ ንኣይ ንባርያኻ በደለይ ይቕረ በለለይ” በሎ።
11
ዳዊት ንግሆ ቕድሚ ምትስኡ፥ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነቢይ ጋድ፥ ናብቲ ናይ ዳዊት ራእይ ነጋሪ መፂኡ
12
“ኪድ ንዳዊት፥ እግዚኣብሄር ‘ሰለስተ ነገራት ኣቕርበልካ ኣለኹ፤ ካብኣተን ሓንቲ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ፤ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ።
13
ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መፂኡ “ኣብ ሃገርካ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ክመፀካዶ? ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ፀላእትኻ ኽትሃድም፥ ንሳቶም ከሳጕጉኻዶ? ወይ ኣብ ሃገርካ ሰለስተ መዓልቲ ፌራ ክኸውን ትመርፅ? ነቲ ዝለኣኸኒ ኽምልሰሉስ ኣስተውዒልካ ምረፅ” በሎ።
14
ዳዊት ከዓ ንጋድ “የመና ጨኒቑኒ ኣሎ፤ ግና ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፥ ኣብ ኢድ ሰብ ካብ ምውዳቕስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ምውዳቕ ይሕሸኒ” በሎ።
15
እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ፥ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ።
16
እቲ መልኣኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ ኢዱ ምስ ዘርግሐ፥ እግዚኣብሄር በቲ ጥፍኣት ሓዚኑ፥ ነቲ ህዝቢ ዘጥፍእ ዝነበረ መልኣኽ፥ “ደጊም ይኣኽለካ፤ ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ነበረ።
17
ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዝቐስፍ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረአዮ፥ ንእግዚኣብሄር “እንሆ፥ ኣነ እየ ዝበደልኩ፤ ኣነ ኸዓ እየ ኽፉእ ዝገበርኩ፤ እዞም ኣባጊዕ እዚኣቶም እንታይ ገበሩ? ኢድካ ኣባይን ኣብ ቤት ኣቦይን ኸትከውን እልምነካ ኣለኹ” በሎ።
18
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ጋድ ናብ ዳዊት መፂኡ “ናብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ኺድ፥ ንእግዚኣብሄር ከዓ መሰውኢ ስራሕ” በሎ።
19
ዳዊት ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብጋድ ገይሩ ዝኣዘዞ ኸደ።
20
ኦርና ኸዓ ንጉስን ኣሕሉቑን ናብኡ ኽመፁ እንተለዉ ረአየ፤ ወፂኡ ኸዓ ብገፁ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ።
21
ኦርና ድማ “ጐይታይ ንጉስ! ናባይ ናብ ኣገልጋሊኻ ስለ ምንታይ መፃእኻ?” በሎ። ዳዊት ከዓ “እዝ መቕሰፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ኽኽልከል፥ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሐሉ፥ ነዝ ዓውዲ ኻባኻ ኽዕድግ እየ መፂአ” በሎ።
22
ኦርና ድማ ንዳዊት “ጐይታይ ንጉስ፥ እቲ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ወሲድካ ኣቕርብ። ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ኣብዑር፥ ንዝነድድ ዕንፀይቲ፥ ሰረገላታትን መሳርሒ ማሕረስን እንሆ” በሎ።
23
ኦርና ድማ “ኦ ንጉስ! እግዚኣብሄር ደኣ ይቀበለልካ እምበር እዝ ዅሉ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ” በሎ።
24
ንጉስ ግና ንኦርና “ኣይፋልካን ዋጋ ዘይከፈልኩሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣየቕርበሉን እየ እሞ፥ ብዋጋኡ ደኣ ሽጠለይ” በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ቕርሺ ብሩር ዓደጎም።
25
ዳዊት ከዓ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናንውን ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመኖ ሰምዐ፤ እቲ መቕሰፍቲ እውን ካብ እስራኤል ተኸልከለ።
← Chapter 23