bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 22
2 Samuel 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ድማ በታ እግዚኣብሄር ንእኡ ኻብ ኢድ ኵሎም ፀላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘድሓነላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እዝ መዝሙር እዙይ ዘመረ።
2
ከምዙይ ከዓ በለ፦ “እግዚኣብሄር ከውሐይን እምባይን መድሓኒየይን እዩ።
3
እግዚኣብሄር ሓላዊየይ እዩ፤ ብእኡውን እእመን ኣለኹ። ዋልታይን ቀርኒ ረድኤተይን፥ መፀግዒየይን መሕብኢየይን እዩ። ኦ መድሓኒየይ! ካብ ተግባር ግፍዒ ተድሕነኒ ኢኻ።
4
ነቲ ኽውደስ ዝግብኦ እግዚኣብሄር እፅውዕ፤ ካብ ፀላእተይ ከዓ ኽድሕን እየ።”
5
ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ወሓይዝ ዓመፃ ኣፍርሐኒ፤
6
ፃዕሪ ሲኦል ከበበኒ፤ መፈንጠሪታት ሞት መፀኒ፤
7
ብጊዜ መከራይ ንእግዚኣብሄር ፀዋዕኹ፤ ናብ ኣምላኸይ ከዓ ኣእወኩ፤ ቃለይ ድማ ኻብ መቕደሱ ሰምዐ፤ ኣውያተይውን ኣብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በፅሐ።
8
ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን፤ መሰረታት ሰማይ ተናወፁ፤ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘጥዐ ኸዓ ኣንቀጥቀጠ፤
9
ካብ ቍጥዓኡ ትኪ ወፀ፤ ካብ ኣፉ ድማ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤ ፍሕሚውን ካብኡ በርሀ።
10
ንሰማያት ትሕት ትሕት ኣቢሉ ወረደ፤ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።
11
ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፤ በኽናፍ ንፋስ ከዓ ተርኣየ።
12
መሰወሪኡ ፀልማት፥ ማይ ዝተፅዓነ ኸቢድ ደመና ኸዓ ኸበቦ።
13
ካብ ነፀብራቕ ገፁ ዝተልዓለ፥ ፍሕሚ ነደደ።
14
እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፤ እቲ ልዑልውን ቃሉ ሃበ።
15
ፍላፃታት ወርዊሩ ንፀላእቱ በተኖም፤ መባርቕቱ ለኣኸ ሃወኾምውን።
16
ካብ ተግሳፅ እግዚኣብሄር፥ ካብ መንፈስ እስትንፋስ መዓቱ ዝተልዓለ፥ መዓሙቝ ባሕሪ ተርኣየ፤ መሰረታት ዓለምውን ተቐልዑ።
17
ካብ ኣርያም ሰዲዱ ወሰደኒ፤ ካብ ብዙሕ ማያትውን ኣውፅአኒ።
18
ካብቶም ካባይ ዝሕይሉ ፀላእተይ፥ ካብቶም ዝፀልኡኒ ብርቱዓት ፀላእተይ ኣናገፈኒ።
19
ብመዓልቲ መከራይ መፁኒ፤ ግና እግዚኣብሄር ደገፍ ኮነኒ።
20
ናብ ገፊሕ ኣውፅአኒ፤ ፈትዩኒ እዩሞ ኣድሓነኒ።
21
እግዚኣብሄር ከም ፅድቀይ ይፈድየኒ፤ ከም ንፅህና ኣእዳወይውን ይምልሰለይ።
22
መንገዲ እግዚኣብሄር ሓልየ እየሞ፥ ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን።
23
ኵሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ እሞ፤ ካብ ስርዓቱውን ኣይረሓቕኩን እሞ።
24
ኣብ ቅድሚኡ ቅኑዕ ነበርኩ፤ ካብ በደልውን ንርእሰይ ዓቀብኩ፤
25
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከም ቅንዕናይን፥ ከም ንፅህና ኢደይን፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ፈደየኒ።
26
ምስ ፃድቅ፥ ፃድቅ ኴንካ ትርከብ፤ ምስ ቅኑዕ፥ ቅኑዕ ኾይንካ ትርከብ፤
27
ምስ ንፁህ፥ ንፁህ ኾይንካ ትርከብ፤ ምስ ጠዋይ፥ ጠዋይ ኴንካ ትርከብ።
28
ንስኻ ንዝተጠቕዑ ህዝቢ ተድሕን ኢኻሞ፤ ንዓይኒ ዕቡያት ግና ተዋርዶ።
29
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መብራህተይ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ንፀልማተይ የብርሆ።
30
ብናትካ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ እጐዪ እየሞ፤ ብኣምላኸይውን ንዕርዲ እዘሎ።
31
መንገዲ ኣምላኽይ ፍፁም እዩ፤ ቃል እግዚኣብሄር ተፈቲኑ ዝፀረየ እዩ፤ ንሱ ነቶም ኣብኡ ዝዕቈቡ ዅሎም፥ ዋልታኦም እዩ።
32
ብዘይ እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ መን እዩ? ብዘይ ኣምላኽናኸ፥ ኰዅሒ መን እዩ?
33
ሓይሊ ዘዕጥቐኒ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንመንገደይውን የቕንዖ።
34
ንሱ ነእጋረይ ከም እግሪ እራብ ኣደልደለን፤ ኣብ እምባታት ከዓ ዘቑመኒ እግዚኣብሄር እዩ።
35
ነእዳወይ ውግእ፥ ንቐላፅመይ ከዓ ቐስቲ ነሃስ ምግታር መሃረን።
36
ዋልታ ምድሓንካ ሃብካኒ፤ ተግሳፅካውን ኣዕበየኒ።
37
ስጓመይ ብትሕተይ ኣስፋሕኻ፤ ኣእጋረይውን ኣየንደልሃፃን።
38
ንፀላእተይ ኣሳጐጕኩዎም፥ ኣጥፋእኹዎምውን፤ ክሳዕ ዝውድኦም ከዓ ኣይተመለስኩን።
39
ከም ዘይትስኡ ገይረ ፈፂመ ወዳእኹዎም፤ ተስዒሮም ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ።
40
ንውግእ ሓይሊ ኣዕጠቕካኒ፤ ኣብ ልዕለይ ንዝቖሙ ፀላእተይ፥ ኣብ ትሕተይ ኣግዛእኻዮም።
41
ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤ ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኹዎም።
42
ኣእወዩ፤ ዝረድኦም ግና ኣይነበረን፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱ ግና ኣይሰምዖምን።
43
ከም ሓመድ ምድሪ ጠሓንኩዎም፤ ከም ጭቃ መንገዲ ረገፅኩዎም፤
44
ካብ ክርክር ህዝቢ ተድሕነኒ፤ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ትሸመኒ፤ ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ይግዝአኒ።
45
ደቂ ባዕዲ ይግዝኡኒ፤ ብእዝኒ ሰሚዖም ይእዘዙኒ።
46
እቶም ደቂ ጓና እናጠፍኡ ይኸዱ፤ ካብቲ ዝተዓፀዉሉ እናንቀጥቀጡ ይወፁ።
47
እግዚኣብሄር ህያው እዩ፤ እቲ ሓላዊየይውን ይባረኽ፤ እቲ እምባ ምድሓነይ ዝኾነ ኣምላኽ ልዕል ልዕል ይበል።
48
ንሱ ሕነይ ዝፈድየለይ ኣምላኽ እዩ፤ ነህዛብ ኣብ ትሕተይ የግዝኦም፤
49
ካብ ፀላእተይ ዘውፅአኒውን ንሱ እዩ፤ ኣብ ልዕለይ ካብ ዝተልዓሉ ፀላእተይ ልዕል ልዕል ተብለኒ፤ ካብ ገፋዕቲውን ተናግፈኒ ኢኻ።
50
ስለዙይ ኦ ጐይታ! ኣብ ማእኸል ኣህዛብ አመስግነካ፤ ንስምካውን እዝምር ኣለኹ።
51
ንመድሓኒት ንጉስ ዓባይ ዝገብራ ንሱ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዝቐብኦ ዳዊትን ንዘርኡን፥ ንዘለኣለም ይገብር።
← Chapter 21
Chapter 23 →