bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 21
2 Samuel 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ዓመት ዓመት ጥሜት ኮነ። ዳዊት ከዓ ንገፅ እግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ሳኦል ንሰብ ገባዖን ስለ ዝቐተሎም፥ እዙይ ብሰንኩን ብሰንኪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን እዩ” በሎ።
2
ሽዑ ንጉስ ንገባዖናውያን ፀዊዑ ተዛረቦም። (ገባዖናውያን ካብቶም ኣሞራውያን ተሪፎም ዝነበሩ እዮም እምበር፥ ካብ ወገን ደቂ እስራኤል ኣይኮኑን። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸየጥፍእዎም ምሒሎምሎም ነበሩ። ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት፥ ከጥፍኦም ፈቲኑ ነበረ።)
3
ዳዊት ከዓ ንገባዖናውያን፦ “ንርስቲ እግዚኣብሄር ክትባርኹስ፥ እንታይ ክገብረልኩም፥ መተዓረቒኸ እንታይ እዩ?” በሎም።
4
እቶም ገባዖናውያን ድማ “ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ዘሎ ናይ ብሩርን ወርቅን ነገር ኣይኮነን። ካብ ወገን እስራኤልውን እንቐትሎ የለን” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እቲ እትብልዎ ኽገብረልኩም እየ” በሎም።
5
ንሳቶም ድማ ንንጉስ፥ “እቲ ዝወድአናን ኣብ ኵሉ ወሰን እስራኤል ከይንነብር፥ ምእንቲ ኽንፀንት ዝተተናዀለናን ሰብኣይ፥
6
ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ገባዖን ናይ ሳኦል፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንሰቅልስ፥ ካብ ደቁ ሸውዓተ ሰባት ሃበና” በልዎ። እቲ ንጉስ ከዓ “ኣነ ኽህበኩም እየ” በሎም።
7
እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ።
8
ግና ነቶም ደቂ ሪፅፋ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞንን ሜምፊቦስቴን፥ ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል ጓል ሳኦል፥ ንዓድርኤል ወዲ ቤርዜሊ መሖላታዊ ዝወለደትሉን ወሰዶም።
9
ኣብ ኢድ ገባዖናውያን ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፤ ሸውዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፤ ንሳቶም ክሞቱ እንተለዉ ዓፂድ ስገም ዝጅመረሉ ጊዜ ቐውዒ ነበረ።
10
ሪፅፋ ጓል ዮዳሄውን ወጮ ወሲዳ፥ ካብ መጀመርታ ቐውዒ ሒዛ፥ ካብ ሰማይ ዝናም ክሳዕ ዝዘንም ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዘርግሐት፤ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ብለይቲ ድማ ኣራዊት በረኻ ክዓርፉሎም ኣይሓደገቶምን።
11
እቲ ሪፅጳ ጓል ዮዳሄ፥ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል ዝገበረቶ ኸዓ ንዳዊት ነገርዎ።
12
ዳዊት ድማ ኸይዱ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ወሰደ። (ፍልስጥኤማውያን በታ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐተሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ፤ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ከዓ ኻብቲ ኣደባባይ ቤትሳን ሰሪቖም ወሲዶምዎም ነበሩ።)
13
ዳዊት ከዓ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ወሰደ፤ ከምኡ እውን ኣዕፅምቲ እቶም ዝተሰቕሉ ሸውዓተ ደቂ ሳኦል ኣከበ።
14
ነቲ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ድማ ኣብ መቓብር ቂስ ኣቦ ሳኦል፥ ኣብ ምድሪ ብንያም፥ ኣብ ፄላ ቐበርዎ። ኵሉ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ኸዓ ገበሩ። ድሕሪዙይ ድማ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመነ ሰምዐ።
15
ፍልስጥኤማውያን ድማ ኸም ብሓድሽ ምስ እስራኤል ተዋግኡ። ዳዊትን ሰቡንውን ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ። ዳዊት ድማ ክዋጋእ ውዒሉ ደኸመ።
16
ካብ ወገን ራፋይም፥ ሰለስተ ኺሎን ፈረቓን ዝምዘን ኲናት ነሃስ ዝነበሮ፥ ይሽቢብኖብ ሓድሽ ሰይፊ ተዓጢቑ ነበረ፤ ንዳዊትውን ክቐትሎ ሓሰበ።
17
ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና ረድኦ፤ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸዓ ብሰይፉ ቐተሎ። ሽዑ እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “መብራህቲ እስራኤል ከይትጠፍእስ፥ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትወፅእን” ኢሎም ኣብ ቅድሚኡ መሓሉ።
18
ድሕሪዙይ ድማ መሊሶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ጎብ ኣብ ዝበሃል ቦታ ውግእ ኮነ። ሽዑ ሴቦካይ ሑሳታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋይም ዝነበረ ኣሳፍ ዝበሃል ሰብኣይ ቀተሎ።
19
ቀፂሉውን ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኮነ። ኤልያናን ወዲ የዓሬኦርጊም በዓል ቤተ ልሔም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ መጠቕለሊ ኣላማይ ዝነበረ ጎልያድ በዓል ጌት ቀተሎ።
20
ከምኡውን ኣብ ጌት ውግእ ኮነ። ኣብኡ ኸዓ ሸሽዱሽተ ኣፃብዕ ኣእዳውን፥ ኣፃብዕቲ ኣእጋርን፥ ኣብ ኵሉ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ኣፃብዕቲ ዝነበሮ፥ ጕልቡት ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብ ራፋይም ዝተወለደ ነበረ።
21
ንሱ ንእስራኤል ምስ ፀረፎም ድማ፥ ዮናታን፥ ወዲ ሳማ ሓው ዳዊት፥ ቀተሎ።
22
እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ኣብ ጌት ካብ ራፋይም ዝተወለዱ ነበሩ፤ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ሰቡን ከዓ ተቐተሉ።
← Chapter 20
Chapter 22 →