bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 20
2 Samuel 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኣብኡ ኸዓ ሓደ ዓመፀኛ ሰብ፥ ሳቤዔ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፥ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸዓ “ንሕና ኣብ ዳዊት ብፅሒት የብልናን፤ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን። ኦ እስራኤል! ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ገዛኹም ተመለሱ” ኢሉ መለኸት ነፍሐ።
2
ኵሎም ሰብ እስራኤል ከዓ ንዳዊት ሓዲጎም ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ሰዓቡ። ሰብ ይሁዳ ግና ንንጉሶም እሙናት ኮይኖም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኢየሩሳሌም ተኸተሉ።
3
ዳዊት ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤቱ ኣተወ። ሽዑ ነተን ቤት ክሕልዋ ሓዲጉወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ኻብቲ ዝነበራኦ ወሲዱ፥ ክሕለዋ ኣብ ሓደ ቤት ኣቐሚጡ ይቕልበን ነበረ። ምስኣተን ግና ርክብ ኣይገበረን። ንሳተን ከዓ ኸም መበለታት ኮይነን ክሳዕ ዕለተ ሞተን ተዓፅየን ነበራ።
4
ንጉስ ድማ ንኣሜሳይ “ንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፤ ንስኻ ኸዓ ሒዝካዮም ኣብዙይ ተረኸብ” በሎ።
5
ሽዑ ኣሜሳይ ንሰብ ይሁዳ ኸኽትት ከደ፤ ግና በቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ኣይተመለሰን።
6
ሽዑ ዳዊት ንኣቢሳ፥ “ሕዚ ሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ዝገደደ ጕድኣት ከውርደልና እዩ፤ ዕሩዳት ከተማታት ከይረክብ እሞ፥ ከይመልቝስ፥ ንስኻ ኣገልገልተይ ሒዝካ ሰዓቦ” በሎ።
7
ሽዑ ናይ ኢዮኣብ ሰባትን እቶም ሓለውቲ ንጉስን ኵሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወፁ፤ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኸሳጕጉዎ ኸዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፁ።
8
ኣብቲ ኣብ ገባዖን ዘሎ ዓብዪ እምኒ ምስ በፅሑ፥ ኣሜሳይ ክራኸቦም መፀ። ኢዮኣብ ድማ ኽዳን ውግእ ተኸዲኑ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሰይፊ ምስ ሰገባኡ ተዓጢቑ ነበረ። ንሱ ክኸይድ እንተሎ ድማ እቲ ሰይፊ ወደቐ።
9
ኢዮኣብ ድማ ንኣሜሳይ “ደሓንዶ ኣለኻ፤ ሓወይ?” ኢሉ፥ ዝስዕሞ መሲሉ ብየማነይቲ ኢዱ ጭሕሙ ሓዞ።
10
ኣሜሳይ ግና ነቲ ኢዮኣብ ዝሓዞ ሰይፊ ስለ ዘይተጠንቀቐሉ፥ ኢዮኣብ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ፥ ኣምዑቱውን ናብ ምድሪ ተዘርገፈ፤ ካልኣይ እንተይወግኦ ኸዓ ሞተ፤ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ድማ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኽሃድንዎ ኸዱ።
11
ሓደ ሰብኣይ ካብ ኣገልገልቲ ኢዮኣብ ከዓ ኣብ ጥቓ ሬሳ ኣሜሳይ ቖይሙ “ፈታዊ ኢዮኣብ ዝኾነን ወገን ዳዊት ክኸውን ዝደልን ደድሕሪ ኢዮኣብ ይስዓብ” ይብል ነበረ።
12
ኣሜሳይ ከዓ ኣብ ማእኸል መንገዲ ወዲቑ ኣብ ልዕሊ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ድማ ዅሉ እቲ ናብኡ ዝመፅእ ህዝቢ ደው ከም ዝብል ምስ ረአየ፥ ንሬሳ ኣሜሳይ ካብ መንገዲ ናብ ግራት ኣግለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክዳን ዘርግሐሉ።
13
ነቲ ሬሳ ኣሜሳይ ካብ መንገዲ ምስ ኣልዓልዎ ግና፥ ንሳቤዔ ወዲ ቢኽሪ ኽሃድኑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ደድሕሪ ኢዮኣብ ሓለፉ።
14
ሳቤዔ ድማ በቲ ዅሎም ነገዳት እስራኤል ሰፊሮምዎ ዝነበሩ ገይሩ ናብ ኣቤል፥ ናብ ቤትመዓካ፥ ናብ ኵሎም ደቂ ቢክሪ ሓለፈ። ኵሎም እቶም ሰባትውን ተኣኪቦም ሰዓብዎ።
15
እቶም ምስ ኢዮኣብ ዝነበሩ ሓሽኽር ድማ መፂኦም ኣብ ኣቤል ናይ ቤት ማዓካ ኸበብዎ፤ ነታ ኸተማ ምስቲ መካበብያኣ ዝቐውም ድልድል ሓመድ ገበሩላ። ነቲ መንደቕ ኸውድቕዎ ከዓ የፍርስዎ ነበሩ።
16
ሽዑ ኻብታ ኸተማ ሓንቲ ብልሂ ሰበይቲ “ስምዑ፥ ስምዑ፥ በይዛኻትኩም ንኢዮኣብ ‘ክዛረበካ ናብዙይ ቅረብ’ በሉለይ” እናበለት ዓው ኢላ ተዛረበት።
17
ኢዮኣብ ከዓ ናብኣ ቐረበ፤ እታ ሰበይቲ ድማ፦ “ኢዮኣብ ንስኻ ዲኻ?” በለቶ። ንሱ ኸዓ “እወ፥ ኣነ እየ” በላ። ንሳ ድማ “ዘረባ ባርያኻ ስማዕ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “እሰምዕ ኣለኹ” በላ።
18
ንሳ ድማ “ቐደም ‘ምኽሪ ዝጥይቕ፥ ኣብ ኣቤል ይጠይቕ’ ይበሃል ነበረ፤ ከምኡ ኸዓ ነገሩ ይፍፀም ነበረ።
19
ኣብ እስራኤል ሰላምን ሓቅን ካብ ዝፈትዉ ኣነ እየ፤ ንስኻ ደኣ ስለ ምንታይ ነዛ ኣብ እስራኤል እኖ ዝኾነት ከተማ ኽተፍርሳ ትደሊ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ኢኻ ነታ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ?” ኢላ ነገረቶ።
20
ኢዮኣብ ድማ “ኣይፋለይን፥ ንኸተማኹምስ ኣየዕንዋን እየ፤ ኣየጥፍኣንውን እየ።
21
ነገሩ ኸምኡ ኣይኮነን። ሳቤዔ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ቢክሪ ኻብ እምባታት ኤፍሬም፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዳዊት ዓመፀ፤ ሕዚ ኸዓ ንእኡ ጥራሕ ሃቡኒ እምበር ካብዛ ኸተማ ክኸደልኩም እየ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኢዮኣብ “እምበኣር ርእሱ ብመካበቢያ ኽንድርብየልካ ኢና” በለቶ።
22
ሽዑ እታ ሰበይቲ ሓሳባታ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ነገረቶም። ንሳቶም ድማ ርእሲ ሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ቘሪፆም ንኢዮኣብ ደርበዩሉ። ኢዮኣብ ከዓ “ተመለሱ” ዝብል መለኸት ነፍሐ። ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ገዛኡ ፋሕ በለ። ኢዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
23
ኢዮኣብ ሓለቓ ዅሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፤ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ነበረ።
24
ኣዶኒራም ድማ ናይቶም ተገዲዶም ዝሰርሑ ሓለቓ ነበረ። ዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ተሓዚ መዝገብ ነበረ፤
25
ሱሳም ድማ ፀሓፊ ነበረ፤ ሳዶቅን ኣብያታርን ከዓ ኻህናት ነበሩ፤
26
ዒራስ እቲ ያኢራዊ ድማ ናይ ዳዊት ኣማኻሪ ነበረ።
← Chapter 19
Chapter 21 →