bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 19
2 Samuel 19
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንኢዮኣብ ድማ “እንሆ፥ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ይበክን ይሓዝንን ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።
2
እቲ ንጉስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሓዘነ፥ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ነበረ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ንዅሉ ህዝቢ እቲ ናይ ዓወት ታሕጓስ ናብ ሓዘን ተለወጠ።
3
ካብ ኲናት ብምህዳሞም ሓፊሮም እናደነኑ ኸም ዝኸዱ ህዝቢ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ህዝቢ ብፍርሓት እናደነነ ናብ ከተማ ኣተወ።
4
እቲ ንጉስ ከዓ ገፁ ኸደነ፤ ዓው ኢሉ ድማ “ወደይ ኣቤሴሎም! ኣቤሴሎም ወደይ! ወደይ!” ኢሉ በኸየ።
5
ሽዑ ኢዮኣብ ናብ ቤት ንጉስ ኣትዩ ንንጉስ “ሎሚ ነቶም ህይወትካን ህይወት ኣወዳትካን ኣዋልድካን፥ ህይወት ኣንስትኻን ኣንስቲ ወሰንካን፥ ንዘድሓኑ ዅሎም ኣገልገልትኻ ኣሕፈርካዮም።
6
ነቶም ዝፀልኡኻ ብምፍታውካን፥ ነቶም ዝፈትዉኻ ድማ ብምፅላእኻን፥ ነቶም ሓሻኽርካ ኣሕሉቕን ግዲ ኸም ዘይብልካ፥ ሎሚ ኣፍለጥካ። ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተ ዝህሉ፥ ንሕና ዅልና ግና ሎሚ እንተንመውት፥ ዝሐሸ ኾይኑ ኸም ዝረአየካ፥ ሕዚ ፈለጥኩ።
7
ሕዚ ኸዓ፥ ተሲእካ ውፃእሞ፥ ንሓሻኽርካ ኣተባብዕ። እንተ ዘይወፂእኻ ግና፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘየሓድር፥ ብእግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። ካብቲ ብንእስነትካ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕዚ ዝበፅሐካ ኽፉእ ድማ፥ እዙይ ዝገደደ እዩ” በሎ።
8
ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። “እንሆ፥ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ” ኢሎም ድማ ንዅሉ ህዝቢ ነገርዎ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ናብ ቅድሚ ንጉስ መፀ። እስራኤል ግና፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሃዲሙ ነበረ።
9
ኣብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ “እዝ ንጉስ ካብ ኢድ ፀላእትና ኣውፅአና፥ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንውን ኣድሓነና፤ ሕዚ ኸዓ ብሰንኪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ።
10
እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞተ። ሕዚ ኸዓ፥ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለ ምንታይ ስቕ እትብሉ?” ኢሎም ንስንሳቶም ተኻትዑ።
11
ንጉስ ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፥ ሳዶቅን ኣብያታርን፥ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸሎም፤ “ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዙይ ኢልኩም ተዛረብዎም፦ ‘ዘረባ ዅሉ እስራኤል ናባይ በፂሑ ሰሚዐዮ እየ፤ ስለ ምንታይከ ንስኻትኩም ንኣይ ናብ ቤተ መንግስተይ ንምምላስ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ?
12
ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፤ ንስኻትኩም ዓፅመይን ስጋይን ኢኹም። ስለ ምንታይ ንምምላሰይ ድሕሪ ዅሉ እትኾኑ?’
13
ንኣሜሳይ ከምዙይ በልዎ፦ ‘ንስኻስ ዓፅመይን ስጋይን ኢኻ፤ ንስኻ ኽንዲ ኢዮኣብ ንዅልሻዕ ሓለቓ ሰራዊት ከም ዝገብረካ ብስም ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ።’ ”
14
ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸዓ ንልቢ ዅሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ መለሰ። ናብ ንጉስ ከዓ “ንስኻን ኵሎም ሓሻኽርካን ተመለሱ” ኢሎም ለኣኹ።
15
ሽዑ ንጉስ ተመሊሱ ናብ ዮርዳኖስ መፀ። ሰብ ይሁዳ ድማ ኸይዶም ንንጉስ ተቐቢሎም ፈለግ ዮርዳኖስ ከሳግርዎ ናብ ጌልገላ መፁ።
16
ሳሚ፥ ወዲ ጌራ ብንያማዊ በዓል ባሑሪም ድማ ምስ ሰብ ይሁዳ ኾይኑ ንንጉስ ዳዊት ክቕበሎ ቐልጢፉ ወረደ።
17
ካብ ነገድ ብንያም ከዓ ሽሕ ሰብኡት ምስኡ ነበሩ። ሲባ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ድማ፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ኣገልገልቱን ሒዙ መፀ። ኵላቶም ከዓ ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ናብ ዮርዳኖስ መፁ።
18
ንስድራ ንጉስ ከሳግሩን፥ ነቲ ንጉስ ዘድልዮ ኽገብሩሉን ነቲ ሩባ ተሳገሩ። ሳሚ ወዲ ጌራ ኸዓ፥ ንጉስ ንዮርዳኖስ ክሳገር እንተሎ፥ ኣብ ቅድሚኡ ወዲቑ ሰገደሉ።
19
ንንጉስ ድማ፦ “ጐይታይ! ነቲ በደለይ ይቕረ በለለይ፤ በታ ጐይታይ ካብ ኢየሩሳሌም ዝወፃእኻላ መዓልቲ ነቲ ኣነ ኣገልጋሊኻ ዝበደልኩኻ ኣይትዘክሮ፤ ኣብ ልብኻውን ኣይተሕድሮ።
20
ኣነ ኣገልጋሊኻ ኸም ዝበደልኩኻ እፈልጥ ኣለኹ። እንሆ ኸዓ፥ ሎሚ ቕድሚ ዅላ ቤት ዮሴፍ ወሪደ፥ ንጐይታይ ንጉስ ክቕበል መፂአ ኣለኹ” በሎ።
21
ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና “ሳሚ ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ረጊሙ እዩ እሞ፥ ክመውት እዩ ዝግብኦ” ኢሉ ተዛረበ።
22
ዳዊት ድማ “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ስለ ምንታይ ትፃረሩኒ? ምሳኻትኩምከ እንታይ ኣለኒ? ሎሚ ኣብ እስራኤል ኣነ እየ ንጉስ፤ ሎሚ ኸዓ ኣብ እስራኤል ሰብ ብሞት ኣይቕፃዕን እዩ?” በሎም።
23
ንጉስ ከዓ ንሳሚ “ኣይትመውትን ኢኻ” ኢሉ መሓለሉ።
24
ሜምፊቦስቴ ወዲ ወዱ ንሳኦልውን ንንጉስ ክቕበሎ ወሪዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝተመለሰላ መዓልቲ እግሩ ኣይሓፀበን ጭሕሙውን ኣይላፀየን፤ ክዳኑውን ኣይሓፀበን ነበረ።
25
ንንጉስ ክቕበሎ ኻብ ኢየሩሳሌም ምስ ወፀ ኸዓ፥ ንጉስ፦ “ኣታ ሜምፊቦስቴ፥ ስለ ምንታይ ምሳይ ዘይኸድካ?” በሎ።
26
ንሱ ድማ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኣነ ሓሽከርካ ሓንካስ እየ እሞ፥ ኣድጊ ፅዒነ ተቐሚጠ ምስ ንጉስ ክኸይድ ሓሲበ ነበርኩ፤ ግና ሲባ ሓሽከረይ ኣታለለኒ።
27
ንሱ ኣባኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ሓስዩ ኣባኣሰኒ። ጐይታይ ንጉስ ግና ኸም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኢኻ እሞ፥ ደስ ዝበለካ ግበር።
28
ኵላ ቤት ኣቦይ ብዘይ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፤ ንስኻ ግና ጐይታይ ንጉስ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ምስቶም ኣብ ማእድኻ ዝበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣለኒ? ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ?” በለ።
29
እቲ ንጉስ ከዓ፦ “ነቲ ርስቲ ሳኦል ንስኻን ሲባን ተማቐልዎ ኢለ እየ፤ ብዛዕባ ኻልእ ነገር ግና መሊስካ ኣይትዛረብ” በሎ።
30
ሜምፊቦስቴ ድማ ንንጉስ፥ “እንኳዕ ደኣ ጐይታይ ንጉስ ብደሓን ናብ ገዛኻ ተመለስካ እምበር ኵሉውን ይውሰዶ” በሎ።
31
ቤርዜሊ በዓል ገለዓድ ከዓ ሮግሊም ካብ ዝበሃል ቦታ ወሪዱ ኽሳዕ ሰገር ዮርዳኖስ ከፋንዎ ኢሉ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተሳገረ።
32
ቤርዜሊ ወዲ ሰማንያ ዓመት ነበረ። እምብዛ ድማ ሸምጊሉ ነበረ። የመና ሃብታም ነበረ እሞ፥ ንንጉስ ኣብ መሓናይም እንተሎ ይቕልቦ ነበረ።
33
ንጉስ ከዓ ንቤርዜሊ “ንስኻ ምሳይ ናብ ኢየሩሳሌም ተሳገር እሞ፥ ዘድልየካ ዅሉ ኽገብረልካ እየ” በሎ።
34
ቤርዜሊ ግና ንንጉስ “ምሳኻ ናብ ኢየሩሳሌም ዝድይብስ ክንደይ ዓመትዶ ተሪፉኒ እዩ?
35
ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ፤ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ክፈሊ ኣይክእልን እየ፤ ጣዕሚ ዝበልዖ ኾነ ዝሰትዮ ኣይፈልጥን እየ፤ ድምፂ ዝደርፉን ዝደርፋን ኣይሰምዕን እየ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ኣገልጋሊኻ ንጐይታይ ንጉስ ሸኽሚ ዝኾነካ?
36
እዝ ዅሉ ሞሳውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን። ግና ዮርዳኖስ ክሳዕ እትሳገር ቁሩብ ከፋንወካ።
37
ሽዑ ኣብቲ መቓብር ኣቦይን እኖይን ዘለዎ፥ ኣብ ከተማይ ክመውት ንኣይ ንሓሽከርካ ኽምለስ ፍቐደለይ። ወደይ ከመዓም ግና፥ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፤ ንእኡ ደስ ዝበለካ ግበረሉ” በሎ።
38
ንጉስ ከዓ “እምበኣር ከመዓም ምሳይ ይሳገር፤ ንኣኻ ደስ ዘብለካ ድማ ኽገብረሉ እየ፤ ንኣኻውን ኵሉ ኻባይ እትደልዮ ኽገብረልካ እየ” በሎ።
39
ንጉስን ኵሉ እቲ ህዝብን ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገረ፤ ንጉስ ድማ ንቤርዜሊ ስዒሙ መረቖ። ቤርዜሊ ከዓ ናብ ቦታኡ ተመለሰ።
40
ንጉስ ከዓ ናብ ጌልገላ ተሳገረ፤ ከመዓምውን ምስኡ ተሳገረ። ኵሎም ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኮይኖም ድማ ንንጉስ ኣሳገርዎ።
41
እንሆ ድማ፥ ኵሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መፂኦም፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ስለ ምንታይ እዮም እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ንኣኻን ንስድራኻን ንዅሎም ሓሻኽርካን እንተይነገሩና ንዮርዳኖስ ዘሳገሩኹም?” በልዎ።
42
ኵሎም ሰብ ይሁዳ ኸዓ ንሰብ እስራኤል፥ “ንጉስ ንኣና ስለ ዝቐርብ ኢና፥ ስለ ምንታይ ኢኹም በዝ ነገር እዙይ እትዅርዩ? ኻብ ንጉስዶ ዝኾነ ብላዕ በሊዕና ኢና? ወይ ዝኾነ ውህብቶዶ ሂቡና እዩ?” ኢሎም መለሱሎም።
43
እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብ ይሁዳ፥ “እቲ ንጉስ ንኣና ብዓሰርተ ኢድ ይቐርበና፤ ኣብ ዳዊትውን ካባኻትኩም ዝበለፀ መሰል ኣለና፤ ስለ ምንታይከ ነዓቕኩምና? ንንጉስ ‘ንምለሶ’ ኢልና ቕድም ዝተዛረብናስ ንሕናዶ ኣይኮንናን?” ኢሎም መለሱሎም፤ ግና ኻብ ዘረባ ሰብ እስራኤልስ ዘረባ ሰብ ይሁዳ ደኣ ረዘነ።
← Chapter 18
Chapter 20 →