bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 18
2 Samuel 18
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰራዊት ኣብ ሓደ ኣኪቡ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ሸመሎም።
2
ሓደ ሲሶ ኣብ ትሕቲ ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ሓው ኢዮኣብ፥ ሓደ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ እቲ ጌታዊ ኢታይ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፥ “ኣነውን ርግፅ ምሳኻትኩም ክወፅእ እየ” በሎም።
3
እቶም ህዝቢ ግና፥ “ንሕና እንተ ሃደምና ብዛዕባና ግዲ የብሎምን። ፍርቅና እንተ ሞትናውን ብዛዕባና ግዲ የብሎምን። ንስኻ ግና ኽንዲ ዓሰርተ ሽሕና ኢኻ እሞ፥ ኣይትውፃእ። ስለዙይ ሕዚ ተዳሊኻ ኣብ ከተማ ዄንካ እንተ ሓገዝካና ይሐይሽ” በልዎ።
4
እቲ ንጉስ ከዓ “ፅቡቕ ኮይኑ ዝተርኣየኩም እገብር” በሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ኣፍ ደገ ደው በለ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኮይኖም ወፁ።
5
እቲ ንጉስ ከዓ ንኢዮኣብን ንኣቢሳን ንኢታይን “ነቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም፥ ምእንታይ ኢልኩም፥ ኣይትጕድእዎ” ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ንጉስ ንዅሎም ኣሕሉቕ ብናይ ኣቤሴሎም ነገር ክእዝዞም እንተሎ፥ ኵሎም እቶም ህዝቢ ይሰምዑ ነበሩ።
6
እቲ ህዝቢ ከዓ ንደቂ እስራኤል ክዋግኦም ናብ ሜዳ ወፀ፤ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኮነ።
7
ኣብኡ ኸዓ እቶም ህዝቢ እስራኤል ብሰራዊት ዳዊት ተስዓሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ብርቱዕ ጥፍኣት ኮነ፤ ዕስራ ሽሕ ዝኣኽሉ ኸዓ ሞቱ።
8
እቲ ውግእ ኸዓ ኣብ ዅላ እታ ምድሪ ተጋፍሐ። በታ መዓልቲ ኻብቲ ሰይፊ ዝወሓጦ ዱር ዝወሓጦ በዝሐ።
9
ኣቤሴሎም ድማ ብድንገት ንኣገልገልቲ ዳዊት ተራኸቦም። ኣብ በቕሊ ኸዓ ተቐሚጡ ነበረ። እታ በቕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዙሕ ጨንፈር ዘለዎ ዓብዪ ኦም ኣተወት፤ ርእሱ ኸዓ በቲ ጨንፈር ኦም ተትሓዘ እሞ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል ኢሉ ተረፈ፤ እታ ተቐሚጥዋ ዝነበረት በቕሊ ድማ ሓለፈት።
10
እዙይ ዝረአየ ሰብኣይ ድማ ንኢዮኣብ “ኣቤሴሎም ኣብ ሓደ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ ሪአዮ” ኢሉ ነገሮ።
11
ኢዮኣብ ከዓ ነቲ ዝነገሮ ሰብኣይ፥ “እንሆ ርኢኻዮ እንተለኻስ ስለ ምንታይ ደኣ ዘይቀተልካዮ? ዓሰርተ ቅርሺ ብሩርን ዕጥቒ ተዋግኣይን ምሃብኩኻ ነይረ” በሎ።
12
እቲ ሰብኣይ ድማ ንኢዮኣብ “ንጉስ ንኣኻን ንኣቢሳን ንኢታይን ‘ነቲ ጐበዝ ኣቤሴሎም፥ ምእንታይ ኢልኩም ኣይትጕድእዎ’ ኢሉ ኽእዝዘኩም እንተሎ ንሰምዖ ስለ ዝነበርና፥ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ኣብ ኢደይ እንተ ዝወሃበኒ እኳ፥ ናብቲ ወዲ ንጉስ ኣቢለስ ኢደይ ኣይመልዓልኩን።
13
ንእኡ ቀቲለዮ እንተ ዝኸውን ድማ ኻብ ንጉስ ዝሕባእ ነገር ስለ ዘየለ፥ ምፈለጠ ነይሩ፤ ንስኻውን ኣይመድሓንካንን ኔርካ” በሎ።
14
ሽዑ ኢዮኣብ፥ ኣቤሴሎም ገና ብህይወቱ ኣብ ጨንፈር ኦም ተንጠልጢሉ እንተሎ ሰለስተ ፍላፃ ወሲዱ ኣብ ልቡ ሸኸለሉ።
15
ንኢዮኣብ ኣፅዋሩ ዝስከሙሉ ዓሰርተ መንእሰያት ከዓ ንኣቤሴሎም ከበብዎ፤ ወቒዖም ድማ ቐተልዎ።
16
ኢዮኣብ ድማ እቲ ሰራዊት፥ ውግእ ምእንቲ ኸቋርፅ መለኸት ነፍሐ፤ እቲ ሰራዊት ከዓ ኻብ ምስጓጕ እስራኤል ተመለሰ።
17
ንኣቤሴሎም ድማ ወሲዶም፥ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበይዎ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ የመና ዓብዪ ዅምራ እምኒ ኾመሩሉ። ኵሎም እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሃደሙ።
18
ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተሎ “ንመዘከርታ ስመይ ዝኾነኒ ወዲ የብለይን” ኢሉ ይሓስብ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ለሰ ንጉስ ሓደ ሓወልቲ ኣቝሙ ነበረ። ነቲ ሓወልቲ ኸዓ ብስሙ ሰመዮ፤ ክሳዕ ሎሚ ድማ “ሓወልቲ ኣቤሴሎም” ተብሂሉ ይፅዋዕ ኣሎ።
19
ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ ድማ “ንንጉስ፥ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ፀላእቱ ኣናጊፍዎ እዩ እሞ፥ ጐይየ ደኣ ኸበስሮ” በለ።
20
ኢዮኣብ ከዓ “ሎሚ መዓልቲ፥ ብስራት እትነግር ንስኻ ኣይኮንካን፤ ንስኻ ብኻልእ መዓልቲ ኢኻ ብስራት እትነግር። ወዲ ንጉስ ሞይቱ ስለ ዘሎ፥ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንስኻ ብስራት ኣይትነግርን ኢኻ” በሎ።
21
ኢዮኣብ ግና ኵሲ “ኪድ፥ ዝረአኻዮ ንንጉስ ንገሮ” በሎ። ኵሲ ድማ ንኢዮኣብ ኢድ ነሲኡሉ ጐየየ።
22
ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ ኸዓ ንኢዮኣብ መሊሱ “ዝመፀ ይምፃእ፤ በይዛኻ ኣነውን ደድሕሪ ኵሲ ኽጐዪ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ወደይ፥ ብስራት ነጊርካ እትቕበሎ ውህብቶ የብልካን እሞ፥ ስለ ምንታይ ትጐዪ?” በሎ።
23
ንሱ ድማ “ዝመፀ ይምፃእ፤ ክጐዪ እየ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ኪድ ጕየ” በሎ። ኣኪማኣስ ድማ ብመንገዲ ጐልጐል ዮርዳኖስ ጐይዩ ንኵሲ ቐደሞ።
24
ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ኣፍ ደገ ተቐሚጡ ነበረ። ሓደ ሓላዊ ኸዓ ኣብ ዝባን እቲ መካበብያ ደዪቡ ኣብኡ ደው በለ። እንተ ጠመተ ኸዓ በይኑ ዝጐዪ ሰብኣይ ረአየ።
25
እቲ ሓላዋይ ከዓ ፀዊዑ ንንጉስ ዓው ኢሉ ነገሮ። ንጉስ ድማ “በይኑ እንተ ኾይኑስ፥ ብስራት ዝሓዘ እዩ” በለ። እቲ ሰብኣይ ከዓ ቐልጢፉ ቐረበ።
26
እቲ ሓላዊ ኻልእ ሰብኣይ ክጐዪ ረአየ፤ ሽዑ ነቲ ሓላዊ ኣፍ ደገ ፀዊዑ “በይኑ ዝጐዪ ኻልእ ሰብኣይ ድማ ይመፅእ ኣሎ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ “እዙይ እውን ዘበስር እዩ” በለ።
27
እቲ ሓላዊ ድማ “ንኣይስ ጕያ እቲ ቐዳማይ ከም ኣጓይያ ኣኪማኣስ ወዲ ሳዶቅ መሲሉ ይረአየኒ ኣሎ” በለ። ንጉስ ከዓ “ንሱስ ሕያዋይ ሰብ እዩ። ፅቡቕ ብስራት ዘምፅእ እዩ” በለ።
28
ኣኪማኣስ ድማ ንንጉስ ዓው ኢሉ “ሰላም” በሎ። ብገፁ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስአሉ እሞ “እቲ ኣብ ፀላእትኻ ዓወት ዝሃበካ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባረኽ” በሎ።
29
ንጉስ ድማ “እቲ መንእሰይ ኣቤሴሎምከ ደሓን ድዩ?” በሎ። ኣኪማኣስ ድማ “ኢዮኣብ ንኣይ ኣገልጋሊኻን ነቲ ኻልእ ኣገልጋሊኻን ክልእኸና እንተሎ፥ ብዙሕ ዕግርግር ረአኹ፤ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጥኩን” በሎ።
30
ንጉስ ከዓ “ርሕቕ ኢልካ ደው በል” በሎ። ንሱ ድማ ርሕቕ ኢሉ ደው በለ።
31
ኵሲ ኸዓ መፀ። ንንጉስ ድማ “ካብ ኵሎም ፀላእትኻ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣድሒኑካ እዩ እሞ፥ ጐይታይ ንጉስ ኣብስረካ ኣለኹ” በሎ።
32
ንጉስ ድማ ንኵሲ “እቲ መንእሰይ ኣቤሴሎም ደሓን ድዩ?” በሎ። ኵሲ ኸዓ “ፀላእቲ ጐይታይ ንጉስን ንኽፉእኻ ዝትስኡ ዅሎምን ከምቲ መንእሰይ ይኹኑ” በሎ።
33
ሽዑ ንጉስ የመና ሕንቕንቕ በለ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣፍ ደገ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ ድማ በኸየ። “ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ! ወደይ ኣቤሴሎም! ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ? ወደይ ኣቤሴሎም! ወደይ!” ኢሉ በኸየሉ።
← Chapter 17
Chapter 19 →