bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 17
2 Samuel 17
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣኪጦፌል ድማ ንኣቤሴሎም “በይዛኻ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ሰብኡት መሪፀ ተሲአ ሎሚ ለይቲ ደድሕሪ ዳዊት ክግስግስ ፍቐደለይ።
2
ተዳኺሙን ለሽ ኢሉን እንተሎ፥ ሓደጋ ኣውዲቐ ኸደንግፆ እየ። እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢ ኸዓ ኽሃድም እዩ። ንንጉስ በይኑ ቐቲለ፥
3
መርዓት ናብ ሰብኣያ ኸም እትምለስ፥ ንዅሉ ህዝቢ ናባኻ ኽመልሶ እየ፤ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ምስ ሞተ፥ ኵሉ ህዝቢ ብሰላም ክነብር እዩ” በሎ።
4
እዝ ምኽሪ እዙይ ንኣቤሴሎምን ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤልን ኣሐጐሰ።
5
ኣቤሴሎም ግና “እስኪ ንኵሲ እቲ ኣርካዊ ኸዓ ፀውዕዎ፤ ንሱ ዝብሎ ድማ ኽንሰምዕ” በለ።
6
ኵሲ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መፀ ኸዓ፥ ኣቤሴሎም “ኣኪጦፌል ከምዙይ ዝበለ ምኽሪ ሂቡና ኣሎ፤ ከምቲ ምኽሩዶ ኽንገብር ይግባእ እዩ? እንተ ዘይኮይኑ ግና ንስኻ ንገረና” ኢሉ ተዛረቦ።
7
ኵሲ ኸዓ ንኣቤሴሎም “ኣኪጦፌል በዝ ጊዜ እዙይ ዝመኸሮ ምኽሪ ፅቡቕ ኣይኮነን” በሎ።
8
ኵሲ ድማ መሊሱ፥ “ኣቦኻን እቶም ጀጋኑ ሰቡን ኣብ በረኻ፥ ዀራኹራ ኸም ዘግደፍዋ ሓራስ ድቢ ኸም ዝኾኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ። ምስ ሰራዊቱ ኸዓ ኣይሓድርን።
9
ሕዚ እኳ ኣብ ሓደ በዓቲ ወይ ኣብ ዝኾነ ቦታ ተሓቢኡ ይህሉ ይኸውን። ብመጀመርታ ንሱ እንተ ደኣ ተዋጊኡኩም፥ እቲ ዝሰምዐ ዅሉ ህዝቢ ‘እቲ ደድሕሪ ኣቤሴሎም ዝሰዓበ ህዝቢ ተስዒሩ እዩ’ ኽብል እዩ።
10
ኣቦኻ ጅግና ኸም ዝኾነ፥ እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸዓ ሓያላት ምዃኖም ኵሉ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፥ ሽዑ እቲ ኸም ኣንበሳ ዝልቡ ጅግና እኳ ፈፂሙ ልቡ ኽመክኽ እዩ።”
11
ስለዙይ “ከም ሑፃ ባሕሪ ዝበዝሕ፥ ኵሉ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤሕ ናባኻ ክኸትት፥ ባዕልኻውን መሪሕኻዮም ናብቲ ውግእ ክትከይድ እመክር ኣለኹ” በሎ።
12
ሽዑ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝወድቕ፥ ኣብታ ዝርከበላ ቦታ ሓደጋ ነውድቐሉ። ንእኡን ነቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከዓ ሓደ እንተየትረፍና ንቐትሎም።
13
ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ኣተወ ድማ ሽዑ ዅሉ እስራኤል ናብታ ኸተማ ገመድ የምፅእ፤ ንእሽተይ እምኒ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፍ ናብ ውሽጢ ሩባ ኽንስሕባ ኢና።
14
ሽዑ ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን፥ “ካብ ምኽሪ ኣኪጦፌልስ ምኽሪ እቲ ዓርካዊ ኵሲ ይበልፅ” በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ኸምፅአሉስ፥ ነቲ ፅቡቕ ምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ገበሮ።
15
ሽዑ ኵሲ ነቶም ካህናት፥ ንሳዶቅን ንኣብያታርን፥ “ኣኪጦፌል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዙይ ኢሉ መኸሮም፤ ኣነውን ከምዙይ ኢለ መኸርኩ።
16
እምበኣር ሕዚ ንጉስን እቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ምእንቲ ኸይወሓጡ ‘ዝገበርካ ጌርካ ቐልጢፍካ ተሳገር እምበር፥ በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት ምድረ በዳ ኣይትሕደር’ ኢልኩም ንዳዊት ንገርዎ” በሎም።
17
ዮናታንን ኣኪማኣስን ድማ ኣብ ዔንሮጌል ተሪፎም ነበሩ፤ ምእንቲ ኸይረኣዩ ተገሊፆም ናብ ከተማ ኽኣትዉ ኣይከኣሉን። ስለዙይ ሓንቲ ገረድ ከይዳ ነገረቶም፤ ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ዳዊት ከይዶም ነገርዎ።
18
ግና ሓደ መንእሰይ ረአዮም እሞ፥ ንኣቤሴሎም ነገሮ። ሽዑ ኽልቲኦም ቀልጢፎም ከዱ። ኣብ ብራቂም ምስ በፅሑ እንዳ ሓደ ሰብኣይ ኣተዉ። ኣብ ውሽጢ መረባኡ ዒላ ስለ ዝነበረቶ ድማ ናብኣ ወረዱ።
19
እታ ሰበይቱ ኸዓ፥ ሰብ ምእንቲ ኸይሪኦም፥ ማእሲ ወሲዳ ኣብ ኣፍ እታ ዒላ ዘርግሐት፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ፍፁሕ ስገም ኣስጠሐት እሞ፥ ነገሩ ኸም ዘይፍለጥ ኮነ።
20
ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ናብታ ቤት፥ መፂኦም ነታ ሰበይቲ “ኣኪማኣስን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ?” በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ “ከይዶም ሩባ ተሳጊሮም” በለቶም። ንሳቶም ከዓ ደለይዎም፤ ምስ ሰኣንዎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
21
ንሳቶም ምስ ከዱ፥ ኣኪማኣስን ዮናታንን ድማ ኻብታ ዒላ ወፂኦም ከይዶም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ንዳዊት ድማ “ኣኪጦፌል ከምዙይ ከምዙይ ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፥ ተሲእኹም ቀልጢፍኩም ነቲ ሩባ ተሳገርዎ” በልዎ።
22
ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ተሲኦም ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ። ክሳዕ ወጋሕታ፥ ንፈለግ ዮርዳኖስ ዘይተሳገረ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
23
ኣኪጦፌል ከም ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፥ ኣድጉ ፅዒኑ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣመሓዲሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸዓ ተቐበረ።
24
ዳዊት ድማ ናብ ማሓናይም ከደ። ኣቤሴሎምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ከዓ ሩባ ዮርዳኖስ ተሳገሩ።
25
ኣቤሴሎም ከዓ ኽንዲ ኢዮኣብ ንኣሜሳይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ኣሜሳይ ወዲ ዮቴር ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብ እዩ። ንሱ ሰብኣይ ኣቤጊያ ጓል ናዖስ እዩ። ኣቤጊያ ሓፍቲ ፅሩያ እኖ ኢዮኣብ እያ።
26
እስራኤልን ኣቤሴሎምን ድማ ኣብ ምድሪ ገለዓድ ሰፈሩ።
27
ዳዊት ናብ ማሃናይም ምስ ኣተወ፥ ኡኤስቢ ወዲ ናዖስ ካብ ራባት ናይ ደቂ ኣሞን፥ ማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ኻብ ሎዶባር፥ ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ኸዓ ኻብ ሮግሊም፥
28
“እቲ ህዝቢ ኣብ ምድረ በዳ ጠምዩን ደኺሙን ፀሚኡን እዩ ዘሎ” ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፥ ዓራውትን ሒላባትን ኣቕሓ መሬትን ኣምፅኡ። ከምኡውን ዝብላዕ ስርናይን ስገምን ሕሩጭን ጥቡስ ሸዊትን ኣዳጕራን ብርስንን ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ላሕምን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኣምፅኡሎም።
← Chapter 16
Chapter 18 →