bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 16
2 Samuel 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ዳዊት ካብ ርእሲ እቲ እምባ ቑሩብ ምስ ሓለፈ፥ እንሆ፥ ሲባ ኣገልጋሊ ሜምፊቦስቴ ክልተ ሚእቲ እንጀራን ሚእቲ እሳር ዘቢብን ሚእቲ ጎጎ በለስን ሓደ ሓርቢ ወይንን ዝተፅዓና ኽልተ ኣእዱግ ሒዙ ተራኸቦ።
2
እቲ ንጉስ ድማ ንሲባ፥ “እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሲባ ኸዓ፥ “እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ክቕመጥወን፥ እዝ እንጀራን ፍረታትን ድማ እዞም ሓሻኽር ክበልዕዎ፥ እዝ ወይኒ ኸዓ እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝደኽሙ ዘለዉ ኽሰትይዎ ኢለ እየ” በለ።
3
እቲ ንጉስ ድማ “ወዲ ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” በለ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ንሱስ፥ ‘ሎሚ ቤት እስራኤል፥ መንግስቲ ኣቦይ ክመልሱለይ እዮም’ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ።
4
ሽዑ ንጉስ ንሲባ “እንሆ፥ ናይ ሜምፊቦስቴ ዝኾነ ዅሉ ንኣኻ እዩ” በሎ። ሲባ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ! ኢድ እነስእ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ጥራሕ ሞገስ እርከብ” በለ።
5
ንጉስ ዳዊት ናብ ብራቂም ምስ መፀ፥ ሳሚ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፥ እናረገሞ ኻብኣ ወፀ።
6
እቶም ህዝብን እቶም ጀጋኑኡን ንንጉስ ብየማነ ፀጋሙ እንተለዉ፥ ንሱ ኣብ ዳዊትን ኣብ ኵሎም ኣገልገልቲ ንጉስ ዳዊትን ኣእማን ይድርቢ ነበረ።
7
ሳሚ ኽረግሞ እንተሎ “ኣታ ናይ ደም ሰብ፥ ከንቱ ዝኾንካ ውፃእ፤ ውፃእ።
8
ንስኻ ኽንዲ ሳኦል ነገስካ፤ ክንዲ እቲ ዅሉ ኣብ ቤት ሳኦል ዘፍሰስካዮ ደም፥ እግዚኣብሄር ፈደየካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሴሎም ሃቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ፤ ስለዙይ እንሆ ብኽፍኣትካ ተትሓዝካ” ይብሎ ነበረ።
9
ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ንንጉስ፥ “እዝ ምዉት ከልቢ እዙይ ስለ ምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዝፀርፎ ዘሎ? ኸይደ ርእሱ ኽቘርፆ፥ በይዛኻ ፍቐደለይ” በሎ።
10
ንጉስ ግና “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? እቲ ዝረግመኒ ዘሎስ፥ እግዚኣብሄር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እንተ ኾነ ንእግዚኣብሄር ‘ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብር?’ ዝብሎ መን እዩ?” በሎ።
11
ዳዊት ድማ ንኣቢሳን ንዅሎም ሹመኛታትን፥ “እንሆ፥ እቲ ኻብ ሕቘይ ዝወፀ ወደይ እኳ ኽቐትለኒ እናደለየስ እዝ ብንያማዊ ግዳ ከመይ ዝገደደ ዘይገብር! ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ እዩ እሞ፥ ይርገም ሕደግዎ።
12
እግዚኣብሄር ነዝ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመፃ ሪኡስ፥ ክንዲ እዝ ሎሚ ዝቕበሎ ዘለኹ መርገም ምናልባሽ ፅቡቕ ይፈድየኒ ይኸውን” በሎም።
13
ዳዊትን ሰቡን ብመንገዳ መንገዲ ይኸዱ ነበሩ፤ ሳሚ ኸዓ ኣብ መንፅሩ ብጎቦ እቲ ዀረብታ ኣቢሉ እናኸደ እንተሎ ይረግሞ፥ እምኒውን ይድርብየሉ፥ ሓመድ ከዓ የብንነሉ ነበረ።
14
ንጉስን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ድማ ድሕሪ ብዙሕ ድኻም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ በፅሑ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣዕረፉ።
15
ኣቤሴሎምን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ናብ ኢየሩሳሌም ኣተዉ፤ ኣኪጦፌልውን ምስኡ ነበረ።
16
ኵሲ በዓል ኣርኪ፥ ፈታዊ ዳዊት፥ ናብ ኣቤሴሎም ከይዱ፥ ንኣቤሴሎም “ንጉስ ህያው ኩን፥ ንጉስ ህያው ኩን” በሎ።
17
ኣቤሴሎም ከዓ ንኵሲ “እቲ ንፈታዊኻ ዘለካ ፍቕሪ እዙይ ድዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ምስ ፈታዊኻ ዘይከድካ?” በሎ።
18
ኵሲ ድማ ንኣቤሴሎም “ኣይፋለይን፤ ኣነስ ናይቲ እግዚኣብሄርን እዝ ህዝቢ እዙይን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዝሓረይዎ እየ፤ ምስኡ ኸዓ እነብር።
19
መሊሱውን፥ ንመን ድየ ኸገልግል ዘለኒ? ንኣኻ ንወዱዶ ኣይኮነን? ከምቲ ነቦኻ ዘገልገልክዎ ንኣኻ ድማ ኸገልግለካ እየ” በሎ።
20
ኣቤሴሎም ድማ ንኣኪጦፌል “እንታይ ንግበር? እስኪ ምኸሩ” በሎ።
21
ኣኪጦፌል ከዓ ንኣቤሴሎም “ምስተን ቤት ንጉስ ክሕልዋ ዝሓደገን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ ተራኸብ። ኵሉ እስራኤል ድማ ነቦኻ ኸም ዘዋረድካ ኽሰምዕ እዩ፤ ሽዑ ዅሎም እቶም ምሳኻ ዘለዉ ክተብዑ እዮም” በሎ።
22
ንኣቤሴሎም ድማ ድንኳን ኣብ ናሕሲ ተኸሉሉ፤ ኣቤሴሎም ከዓ ዅሉ እስራኤል እናረአየ፥ ናብተን ዕቁባት ኣቦኡ ኣተወ።
23
በቲ ጊዜ እቱይ ኣኪጦፌል ዝመኽሮ ምኽሪ ኸም ቃል እግዚኣብሄር ገይሮም ይቕበልዎ ነበሩ። ምስ ዳዊትን ምስ ኣቤሴሎምን ከዓ ኸምዙይ ነበረ።
← Chapter 15
Chapter 17 →