bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 15
2 Samuel 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ገበረ፤ ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ዓጀብቲውን ገበረ።
2
ኣንጊሁ ተሲኡ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ እተእቱ መንገዲ ደው ይብል ነበረ። ኵሉ ጉዳይ ዝነበሮ እሞ ኽፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመፀ ሰብ፥ ኣቤሴሎም ፀዊዑ “ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ?” ኢሉ ይጥይቖ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ሓሽከርካ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እየ” ይብሎ።
3
ኣቤሴሎም ድማ “ረአ፥ ነገርካስ ፅቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፤ ግና ኽንዲ ንጉስ ኮይኑ ኽሰምዐካ ዝተኣዘዘ የለን” ይብሎ ነበረ።
4
ቀፂሉውን “ኣነ ዳኛ እንተ ዝኸውን ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ወይ ዝፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ እንተ ዝመፅእ፥ ሓቂ ምፈረድኩሉ ነይረ፤ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ!” ይብል ነበረ።
5
ዝኾነ ሰብ ክሰግደሉ ኢሉ እንተ ቐረቦ ብኢዱ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ።
6
ኣቤሴሎም ናብ ንጉስ ክፍረድ ኢሉ ንዝመፀ ዅሉ እስራኤል ከምዙይ እናበለ ይቕበሎ ነበረ። ከምዙይ እናገበረ ኸዓ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።
7
ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣቤሴሎም ንንጉስ ዳዊት “እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹሉ መብፅዓ ኣብ ኬብሮን ክፍፅም ክኸይድ ክትፈቕደለይ እልምነካ ኣለኹ።
8
ኣነ ሓሽከርካ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ እንተለኹ ‘እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ብርግፅ እንተ ደኣ መሊሱኒ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኬብሮን ክሰግደሉ እየ’ ኢለ ተመባፂዐ ነይረ እየሞ” በሎ።
9
ንጉስ ከዓ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ተሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ።
10
ኣቤሴሎም ግና ናብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል፥ ሰባት ብምስጢር ልኢኹ “ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ‘ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ’ በሉ” በሎም።
11
ምስ ኣቤሴሎም ድማ ኽልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ ኢየሩሳሌም ከዱ፤ ንሳቶም ከዓ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ሓደኳ እንተይፈለጡ ብገርህነቶም ከዱ።
12
ኣቤሴሎም ድማ ነቲ ኣማኻሪ ዳዊት ዝነበረ ንበዓል ጊሎ ኣኪጦፌል ኣብ ከተማ ጊሎ መስዋእቲ ኣብ ዘቕርበሉ ጊዜ ፀውዖ። እቲ ሻራ ኸዓ በርትዐ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዘሎ ህዝቢ ድማ እናበዝሐ ኸደ።
13
ሓደ ልኡኽ ናብ ዳዊት መፂኡ ኸዓ፦ “ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሴሎም ይስዕቡ ኣለዉ” በሎ።
14
ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታቱ “ተስኡ ንህደም፥ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውፅኢ የብልናን እሞ፥ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸየውድቐልና፥ ክፉእ ድማ ኸየብፅሐልና፥ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሰይፊ ኸይወቕዓስ፥ ቀልጥፉ ንኺድ” በሎም።
15
እቶም ሹመኛታት ንጉስ ከዓ ንንጉስ፥ “ጐይታይ ንጉስ፥ ኵሉ ዝደለኻዮ ንምግባር፥ እኒሀና ኣገልገልትኻ ድልዋት ኢና” በልዎ።
16
ንጉስ ድማ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፀ፤ እንትርፊ እተን ቤተ መንግስቲ ኽሕልዋ ዝሓደገን ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ፤ ኵሉ ቤተሰቡ ደድሕሪኡ ሰዓቦ።
17
እቲ ንጉስ ወፀ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ ሰዓቦ። ርሕቕ ኢሎም ከዓ ኣብ ሓደ ቦታ ደው በሉ።
18
ኵሎም ሓሻኽሩ ኸዓ ብቕድሚኡ ሓለፉ። እቶም ንንጉስ ዝሕልውዎ ዝነበሩ ኽረታውያንን ጵለታውያንን ኵሎም እቶም ካብ ጌት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ጌታውያንን ቀቅድሚኡ ሓለፉ።
19
ሽዑ እቲ ንጉስ ንጌታዊ ኢታይ “ንስኻኸ ስለ ምንታይ ምሳና ትኸይድ ኣለኻ? ተመለስ፤ ምስ ንጉስ ኣቤሴሎም ድማ ተቐመጥ፤ ንስኻስ ተሰዲድካ ዝመፃእኻ ጓና ኢኻ እሞ፥ ናብ ቦታኻ ተመለስ።
20
ትማሊ ኢኻ ዝመፃእኻ። ኣነ ንርእሰይ ናብ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፤ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ ኾይነ? ኺድ ደኣ ተመለስ፤ ነሕዋትካውን ምለሶም፤ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን” በሎ።
21
ኢታይ ግና ንንጉስ “ጐይታይ ንጉስ! ኣብ ዘለኻዮ ቦታ ብህይወት ኮነ ብሞት ኣነ ሓሽከርካ ኣብኡ ኸም ዝህሉ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ።
22
እምበኣር “ኪድ ሕለፍ” በሎ። እቲ ጌታዊ ኢታይን ኵሉ ሰቡን ኵሎም እቶም ምስኡ ዝነብሩ ቘልዑን ድማ ተሳገሩ።
23
ኵሎም እቶም ሰዓብቲ ዳዊት ክሓልፉ እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ ይበኽዩ ነበሩ። ንጉስ ድማ ሩባ ቄድሮን ተሳገረ፤ ኵሎም እቶም ህዝቢ እውን በታ ናብ ምድረ በዳ ኣቢላ እትወስድ መንገዲ ተሳገሩ።
24
ሳዶቅ ድማ ኣብኡ ነበረ፤ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን ከዓ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ፆይሮም መፁ። ነቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ከዓ ኣቐመጥዎ፤ እቲ ዅሉ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝወፅእ ድማ ኣብያታር ብርኽ ናብ ዝበለ ቦታ ደየበ።
25
ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ንኻህን ሳዶቅ፦ “ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ ክመልሰኒ እዩ፤ ንእኡን ንማሕደሩን ድማ ኸርእየኒ እዩ።
26
ብኣይ ሕጉስ እንተ ዘይኮይኑ ግና፥ እኒሀኹ፥ ከም ዝደለዮ ይግበረኒ” በሎ።
27
ንጉስ ድማ ንኻህን ሳዶቅ፥ “ንስኻ ረኣዪዶ ኣይኮንካን? ብሰላም ናብ ከተማ ተመለስ፤ ወድኻ ኣሒማዓፅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ።
28
እነሆ፥ እቲ ወረ ዝነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረ በዳ ኽፀንሕ እየ” በሎ።
29
ሽዑ ሳዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ ኢየሩሳሌም መለስዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ተቐመጡ።
30
ዳዊት ግና ናብ ደብረ ዘይት ደየበ። ክድይብ እንተሎ ኸዓ ይበኪ ነበረ፤ ርእሱ ተጐልቢቡ ድማ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፤ እናበኸየ ድማ ይድይብ ነበረ።
31
ንዳዊት ከዓ “ኣኪጦፌል ኣብ መንጎ እቶም ሻራ ዝገበሩልካ ተሓዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ “ኦ እግዚኣብሄር! ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኽትገብሮ እልምነካ ኣለኹ” ኢሉ ፀለየ።
32
ዳዊት ከዓ ናብ ርእሲ እቲ እምባ፥ ናብታ ንእግዚኣብሄር ዝስገደላ ቦታ ምስ መፀ፥ እንሆ፥ እቲ ኣርካዊ ኵሲ፥ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ኽራኸቦ መፀ።
33
ዳዊት ድማ “ምሳይ እንተ ኼድካ ኽትከብደኒ ኢኻ።
34
ግና ናብ ከተማ እንተ ተመለስካ፥ ንኣቤሴሎም ከዓ፥ ‘ኦ ንጉስ፥ ኣነ ሓሽከርካ ክኸውን እየ፤ ቀደም ኣገልጋሊ ኣቦኻ ኸም ዝነበርኩ፥ ሕዚ ድማ ሓሽከርካ ክኸውን እየ’ እንተ በልካዮ፥ ሽዑ ንምኽሪ ኣኪጦፌል ከንቱ ኸም ዝኸውን ክትገብረለይ ኢኻ።
35
እቶም ካህናት ሳዶቅን ኣብያታርን ኣብኡ ምሳኻ ኣለዉ። እቲ ዅሉ ኣብ ቤት ንጉስ ዝሰማዕኻዮ ንኣኣቶም ንገሮም።
36
ክልቲኦም ደቆም፥ ኣሒማዓፅ ወዲ ሳዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን፥ ኣብኡ ምስኣቶም ኣለዉ። ኵሉ እትሰምዕዎ ነገር ድማ ብኣኣቶም ጌርኩም ለኣኹለይ” በሎ።
37
ኣቤሴሎም ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ እንተሎ ኵሲ ፈታዊ ዳዊት ከዓ ኣብኣ በፅሐ።
← Chapter 14
Chapter 16 →