bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 14
2 Samuel 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ከም ዝዘምበለ ፈለጠ።
2
ኢዮኣብ ድማ ናብ ቴቁሔ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ “በይዛኺ ኸም ዝሓዘንኪ ኹኒ፤ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፤ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ፤ ብዝሞተ ሰብ ነዊሕ ዘመን ከም ዝሓዘነት ሰበይቲውን ኩኒ።
3
ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸዓ ኸምዙይ ኢልኪ ተዛረብዮ” በላ፤ ኢዮኣብውን ነቲ ቓሉ ኣብ ኣፋ ገበረ።
4
እታ ቴቁሓዊት ሰበይቲ ድማ ናብ ንጉስ ኣትያ፥ ብገፃ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ። “ኦ ንጉስ! ርድአኒ” ድማ በለቶ።
5
ንጉስ ከዓ “እንታይ ኴንኪ ኢኺ?” በላ። ንሳ ድማ “ብሓቂ ኣነ ሰብኣየይ ዝሞተኒ መበለት እየ።
6
ኣነ ገረድካ ኸዓ ኽልተ ኣወዳት ነበሩኒ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ዘገላግሎም ኣብ ዘይብሉ በረኻ ተባኢሶም፥ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ።
7
እንሆ ኸዓ፥ ንኣይ ንገረድካ ዅሎም ዓሌቱ ተሲኦም ‘ነዝ ቐታሊ ሓዉ፥ ክንዲ እቲ ዝቐተሎ ሓዉ፥ ክንቀትሎ፥ ነቲ ወራሲ ኸዓ ኽነጥፍኦ ሃብና’ ይብሉኒ ኣለዉ። ከምኡ እንድሕር ገይሮም ነቲ ወራሲ ኽቐትልዎ እዮም፤ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ ተስፋ ድማ ኸጥፍእዎ እዮም። ንሰብኣየይ ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስም ኮነ ሓድጊ ኣየሓድጉሉን እዮም” በለቶ።
8
ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ “ንገዛኺ ኺዲ፤ ኣነ ድማ ብዛዕባ ነገርኪ ኽእዝዝ እየ” በላ።
9
እታ ቴቁሓዊት ሰበይቲ ኸዓ ንንጉስ፥ “ጐይታይ ንጉስ! እቲ በደል ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፤ ንጉስ ምስ ዙፋኑ ግና ንፁህ ይኹን” በለቶ።
10
ንጉስ ድማ “ነቲ ዝዛረበኪ ናባይ ኣምፅእዮ፤ መሊሱ ኸዓ ኣይነኽአክን እዩ” በላ።
11
ንሳ ድማ “በይዛኻ፥ እቲ ፈዳዪ ደም ጥፍኣት ከየብፅሕ እሞ ንወደይ ከይቐትሎስ፥ ንጉስ፥ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቃል እተወለይ” በለቶ። ንሱ ድማ “ካብ ወድኺ ሓንቲ ፀጕሪ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ፥ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በላ።
12
ሽዑ እታ ሰበይቲ “በይዛኻ፥ ኣነ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ክዛረበካ” በለቶ። ንጉስ ከዓ “ተዛረቢ” በላ።
13
እታ ሰበይቲ ድማ ኸምዙይ በለት፦ “ስለ ምንታይከ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ከምዙይ ሓሰብካሉ? ንጉስ ነቲ ኻብኡ ዝተሰጐ ዘይመለሶስ፥ እዝ ነገር እዙይ ብምዝራቡ ንጉስ ከም በዳሊ እዩ።
14
ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ኢና እሞ፥ ግድን ክንመውት ኢና። ኣምላኽ ድማ ጥፍኣት ነፍሲ ኣይፈቱን እዩ። ግናኸ እቲ ዝተሰጐ ኻብኡ ኸይድርበ ኣፀቢቑ ይሓስብ እዩ።
15
“ሕዚ ኸዓ እቲ ህዝቢ ስለ ዘፍርሐኒ፥ ነዝ ነገር እዙይ ንጐይታይ ንጉስ ክዛረቦ ኢለ መፃእኹ። ኣነ ገረድካ ‘ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ፤ ንጉስ ድማ ንዘረባ ገረዱ ምናልባሽ ይፍፅሞ ይኸውን።
16
ካብ ኢድ እቲ ንኣይን ንወደይን ካብ ርስቲ ኣምላኽ ከጥፍአና ዝደሊ ዘሎ ሰብኣይ፥ ንጉስ የድሕነና እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ።
17
“ከምኡውን ‘ጐይታይ ንጉስ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር ፅቡቕን ክፉእን ፈሊኻ እትፈልጥ ኢኻሞ፥ ቃልካ ኸዕርፈኒ እዩ’ ኢለ ሓሰብኩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ይኹን” በልኩ።
18
ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ “በይዛኺ፥ እዝ ኣነ ዝጥይቐኪ ነገር ኣይትሕብእለይ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ፥ ተዛረብ ደኣ” በለት።
19
እቲ ንጉስ ድማ “ኣብዝ ዅሉ እትብልዮ ዘለኽስ ኢድ ኢዮኣብዶ ኣለዎ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “ጐይታይ ንጉስ፥ ብህያው ነፍስኻ እምሕል ኣለኹ፤ ካብቲ ዅሉ ንስኻ እትዛረቦ ሓደ እኳ ንየማን ኮነ ንፀጋም ዘብል የለን። እወ፥ ኣገልጋሊኻ ኢዮኣብ እዩ ዝነገረኒ። እዝ ዅሉ ዝበልኩኻውን ንሱ ዝኣዘዘኒ እዩ።
20
ኣገልጋሊኻ ኢዮኣብ እቲ ነገር ምእንቲ ኽቃናዕ እዙይ ገበረ። ጐይታይ ከዓ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝግበር ኵሉ ንምፍላጥ ከም ጥበብ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጥበበኛ ኢኻ” ኢላ መለሰትሉ።
21
ድሕሪዙይ ንጉስ ንኢዮኣብ “እንሆ፥ ከምቲ ዝበልካዮ ኽገብር እየ እሞ ኺድ፤ ነቲ መንእሰይ ኣቤሴሎም ምለሶ” በሎ።
22
ኢዮኣብ ድማ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ፤ ንንጉስ ከዓ መረቖ። “ጐይታይ ንጉስ፥ ዘረባይ ዘረባ ሓሽከርካ ብምትግባርካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፥ ሎሚ ፈለጥኩ” በለ።
23
ኢዮኣብ ከዓ ናብ ጌሹር ከደ፤ ንኣቤሴሎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ኣምፅኦ።
24
ንጉስ ከዓ “ናብ ቤቱ ይኺድ፤ ገፀይ ግና ኣይርአ” በለ። ስለዙይ ኣቤሴሎም ናብ ቤቱ ኸደ፤ ገፅ ንጉስ ድማ ኣይረአየን።
25
ኣብ ኵላ እስራኤል ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ብቑመናኡ የመና ዝተንኣደ ሰብ ኣይነበረን፤ ካብ ፅፍሪ እግሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሱ ዝወዳደሮ ኣይነበረን።
26
ፀጕሪ ርእሱ ይኸብዶ ስለ ዝነበረ በብዓመቱ ይቘርፆ ነበረ። ምስ ቘረፆ ድማ ብሚዛን ንጉስ ክልተ ኺሎ ግራም ይምዘን ነበረ።
27
ንኣቤሴሎም ሰለስተ ኣወዳትን ትእማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወለዱሉ። ትእማር ትርኢታ የመና ፅብቕቲ ሰበይቲ ነበረት።
28
ኣቤሴሎም ከዓ፥ ገፅ ንጉስ እንተይረአየ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ክልተ ዓመት ተቐመጠ።
29
ኣቤሴሎም ናብ ንጉስ ክሰዶ ደልዩ ንኢዮኣብ ለኣኸሉ። ኢዮኣብ ግና ናብኡ ምምፃእ ፍቓደኛ ኣይኮነን። መሊሱ ኸዓ ኻልኣይ ጊዜ ለኣኸሉ፤ ንሱ ግና መሊሱ ኣበየ።
30
ሽዑ ኣቤሴሎም ንኣገልገልቱ “ስምዑ፥ ኢዮኣብ ኣብ ጥቓ ግራተይ ግራት ስገም ኣላቶ እሞ ኼድኩም ብሓዊ ኣባርዕዋ” በሎም። እቶም ኣገልገልቲ ኣቤሴሎም ከዓ ነታ ግራት ብሓዊ ኣባርዕዋ።
31
ሽዑ ኢዮኣብ ተሲኡ ንኣቤሴሎም ናብ ቤቱ መፆ እሞ “ስለ ምንታይ እዩ ኣገልገልትኻ ንግራተይ ብሓዊ ዘባርዕዋ?” ኢሉ ጠየቖ።
32
ኣቤሴሎም ድማ ንኢዮኣብ፦ “ስለ ምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መፃእኹ? ንኣይስ ገና ኣብኡ እንተ ዝህሉ ምሐሸኒ ነይሩ” ኽትብለለይ ኢለ ልኢኸልካስ ስለ ዘይመፃእኻ እዩ። ሕዚ ኸዓ ምስ ንጉስ ኣራኽበኒ፤ በደል እንተ ተረኺቡኒ ኾይኑ ድማ ይቕተለኒ በሎ።
33
ኢዮኣብ ከዓ ናብ ንጉስ ኣትዩ እዝ ነገር እዙይ ነገሮ። ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ፀውዖ፤ ኣቤሴሎም ከዓ ናብ ንጉስ መፂኡ፤ ኣብ ቅድሚኡ ብገፁ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። እቲ ንጉስ ድማ ንኣቤሴሎም ሰዓሞ።
← Chapter 13
Chapter 15 →