bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
2 Samuel 13
2 Samuel 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት፥ ትእማር ዝስማ መልክዐኛ ሓፍቲ ነበረቶ። ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከዓ ኣፍቀራ።
2
ትእማር ድንግል ስለ ዝነበረት፥ ኣምኖን ሓደ ነገር ንምግባር ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ጭንቂ ኾይንዎ ነበረ። ብፍቕሪ ሓፍቱ ትእማር የመና ስለ ዝተከዘ ሓመመ።
3
ንኣምኖን ድማ፥ ወዲ ሓዉ ንዳዊት ወዲ ሳምዓ፥ ኢዮናዳብ ዝስሙ ፈታዊ ነበሮ። ኢዮናዳብ የመና ጐራሕ ሰብ ነበረ።
4
ንሱ ድማ “ወዲ ንጉስ እንተለኻስ፥ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኸምዙይ ኴንካ እትዓብር እንታይ ኴንካ ኢኻ? እስኪ ንገረኒ?” በሎ። ኣምኖን ከዓ “ኣነስ ፍቕሪ ትእማር ሓፍቲ ሓወይ ኣቤሴሎም ሒዙኒ ኣሎ” በሎ።
5
ኢዮናዳብ ድማ “ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፤ ኣቦኻ ኽሪአካ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ ‘በይዛኻ ሓፍተይ ትእማር እንጀራ ኽትህበኒ ትምፃእ፤ ነቲ ብልዒ ድማ ምእንቲ ኽሪኦስ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፤ ባዕላ ኸዓ ተብልዐኒ’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
6
ኣምኖን ድማ “ሓሚመ” ኢሉ ደቀሰ። ንጉስ ንኣምኖን ክሪኦ ኢሉ ምስ መፀ ኸዓ፥ ኣምኖን ንንጉስ “በይዛኻ፥ ትእማር ሓፍተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕጫ ኽትገብረለይ፥ ብኢዳ ድማ ኸተብልዐንስ ስደደለይ” በሎ።
7
ሽዑ ድማ ዳዊት “በይዛኺ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኪ ኺዲ እሞ ዝብላዕ ግበርሉ” ኢሉ ናብ ገዛ ትእማር መልእኽተኛታት ለአኸ።
8
ትእማር ከዓ ናብ እንዳ ኣምኖን ሓዋ ኸደት፤ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸዓ ብሑቝ ወሲዳ ለዊሳ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕጫታት ሰንከተት። ምስ በሰለ ኸዓ፥
9
ካብቲ መቝሎ ኣውፂኣ ቐረበትሉ። ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ “ንዅሉ ሰብ ካብዙይ ኣውፅኡለይ” በለ። ኵሉ ሰብ ከዓ ኻብኡ ወፀ።
10
ኣምኖን ድማ ንትእማር “ብኢድኪ ኽበልዕስ ነቲ ብልዒ ናብ ሕልፍኚ ኣእትዊዮ” በላ። ትእማር ከዓ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፥ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶ።
11
ክበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ሒዙ “ሓፍተይ፥ ንዒ ምሳይ ደቅሲ” በላ።
12
ንሳ ኸዓ “ኣይፋልካን ሓወይ፥ ኣይተነውረኒ፤ ከምዙይ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፥ ነዝ ነውሪ እዙይስ ኣይትግበሮ።
13
ኣነኸ እንታይ ክኸውን እየ? ነዝ ነውረይ ተሰኪመኸ ናበይ ክኸይድ እየ? ንስኻኸ ኸም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ነውራማትዶ ኽትከውን ኢኻ? ሕዚ ኸዓ በይዛኻ፥ ንንጉስ ንገሮ ንኣይ ክትምርዐወኒ ኣይኸልአካን እዩ” በለቶ።
14
ንሱ ግና ዘረባኣ ኽሰምዕ ኣይደለየን፤ ካብኣ ዝሕይል ስለ ዝነበረ ዓመፃ፥ ምስኣ ድማ ደቀሰ።
15
ድሕሪዙይ ኣምኖን የመና ፀልኣ፤ እኳ ደኣ ኻብቲ ዘፍቀራ ንላዕሊ የመና ፀልኣ። “ተስኢ፤ ኪዲ” ድማ በላ።
16
ንሳ ኸዓ “ኣይፋልካን፤ ካብቲ ቕድም ዝገበርካዮ በደል ነኣይ ብምውፃእኻ ሕዚ ዝገደደ በደል ትሰርሕ ኣላኻ” በለቶ። ንሱ ግና ኽሰምዓ ኣይደለየን።
17
ነቲ ዘገልግሎ ሓሽከሩ ፀዊዑ ድማ “በይዛኻ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ኻብ ቅድመይ ንደገ ኣውፅአለይ፤ ነቲ ማዕፆ ኸዓ ዕፀዎ” በሎ።
18
ሽዑ እቲ ኣገልጋሊ ንደገ ኣውፅኣ፤ ነቲ ማዕፆ ድማ ብድሕሪኣ ዓፀዎ። ትእማር ከዓ ኸምቲ ኣዋልድ ንጉስ ደናግል እንተለዋ ዝኽደናኦ ዝነበራ ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ቀምሽ ተኸዲና ነበረት።
19
ትእማር ድማ ሓሙዅሽቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፤ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎ ቐሚሽ ከዓ ቐደደቶ፤ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ ድማ እናእወየት ከደት።
20
ኣቤሴሎም ሓዋ ኸዓ “ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ? ሓፍተይ፥ ሕዚ ስቕ በሊ፤ ንሱ ሓውኪ እዩ፤ ነዝ ነገር እዙይ ኣብ ልብኺ ኣይትዕቘርዮ” በላ። ትእማር ድማ ብጕህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ንበይና ተቐመጠት።
21
ንጉስ ዳዊት ግና፥ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ፥ የመና ተቘጥዐ፤ ግና በኵሪ ወዱ ነበረሞ ስለ ዝፈትዎ ንነፍሲ ኣምኖን ወዱ ኣየሕዘነን።
22
ኣቤሴሎም ከዓ ኣምኖን ንትእማር ሓፍቱ ስለ ዘነወራ፥ ፀሊእዎ ነበረ እሞ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ ኣይተዛረቦን።
23
ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፥ ኣቤሴሎም ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በቤላሶር ፀጕሪ ኣባጊዑ የቝርፅ ነበረ። ንዅሎም ደቂ ንጉስ ከዓ ናብኡ ዓደሞም።
24
ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መፂኡ “እንሆ ፀጕሪ ኣባጊዕ ኣቝርፅ ኣለኹ እሞ፥ ንጉስን ሓሻኽሩን ምሳይ ምስ ሓሽከርካ ይኺዱ” በሎ።
25
ንጉስ ከዓ ንኣቤሴሎም “ኣይፋልካን ወደይ፤ ከይንኸብደካስ ኵላትናስ ኣይንመፅእን ኢና” በሎ። ኣቤሴሎም ከዓ ግዲ በሎ። ንጉስ ግና መረቖ ደኣ እምበር፥ ክኸይድ ኣይፈተወን።
26
ሽዑ ኣቤሴሎም “እዙይ እንተ ደኣ ዘይኸውን ኮይኑስ፥ እምበኣር በይዛኻ፥ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ” በሎ። ንጉስ ድማ፥ “ስለ ምንታይ እዩ ምሳኻ ዝኸይድ?” በሎ።
27
ኣቤሴሎም ግና ኣፅኒዑ ለመኖ፤ ሽዑ ንኣምኖንን ንዅሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ክኸዱ ፈቐደ። ኣቤሴሎም ንደቂ ንጉስ ዝግባእ ምሳሕ ኣዳለወ።
28
ንሓሻኽሩ ድማ “ኣስተውዒልኩም ስምዑኒ፤ ኣምኖን ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ ረአዩ፤ ንኣምኖን ቅተልዎ ምስ በልኩኹም ቅተልዎ። ንስኻትኩም ከዓ ኣነ ባዕለይ እእዝዘኩም ስለ ዘለኹ ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ሓያላት ድማ ኹኑ” በሎም።
29
ሓሻኽር ኣቤሴሎም ድማ ኸምቲ ኣቤሴሎም ዝኣዘዞም ንኣምኖን ቀተልዎ። ሽዑ ዅሎም እቶም ደቂ ንጉስ ተሲኦም፥ ነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሃደሙ።
30
ገና ኣብ መንገዲ እንተለዉ፥ ንዳዊት “ኣቤሴሎም ሓደ እኳ እንተየትረፈ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ቀቲልዎም” ዝብል ወረ ኣምፅኡሉ።
31
ሽዑ ንጉስ ተሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኵሎም ኣገልገልቱውን ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ።
32
ኢዮናዳብ፥ ወዲ ሳምዓ ሓው ዳዊት ግና፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ “ጐይታይ፥ ኵሎም እቶም ኣጕባዝ ደቂ ንጉስ ሞይቶም እዮም ኢልካ ኣይትሕሰብ፥ ኣምኖን ጥራሕ እዩ ዝሞተ። እዙይ ከዓ ኻብታ ኣምኖን ንሓፍቱ ትእማር ዘነወረላ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣቤሴሎም ዝሃቀኖ ነገር እዩ።
33
እምበኣርከስ፥ ሕዚ፥ ጐይታይ ንጉስ፥ ኣምኖን ጥራሕ እዩ ሞይቱ እምበር ‘ኵሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም እዮም’ ኢልካ ነዝ ነገር እዙይ ኣይትእመን፤ ኣብ ልብኻውን ኣይተሕድሮ” በሎ።
34
ኣቤሴሎም ግና ሃደመ። እቲ ዝሕሉ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቘላሕ እንተ ኣበለ፥ እንሆ፥ በታ ብድሕሪኡ ብወገን ኰረብታ ዘላ መንገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝቢ ኽመፅእ ረአየ። እቲ ሓላዊ ኸዓ ናብ ንጉስ ከይዱ “እንሆ ብፀግዒ እቲ ዀረብታ፥ በታ ናብ ሖርናይም እተእቱ መንገዲ ሰባት ይመፁ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ።
35
ኢዮናዳብ ከዓ ንንጉስ “ከምቲ ኣገልጋሊኻ ዝበልኩኻ ኾይኑ፤ ደቂ ንጉስስ እኒሀዉ ይመፁ ኣለዉ” በሎ።
36
ዘረባኡ ምስ ወድአ፥ እንሆ እቶም ደቂ ንጉስ ኣተዉ፤ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከዓ በኸዩ። ንጉስን ኵሎም ሓሻኽሩንውን የመና ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ።
37
ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ፥ ናብ ታልማይ ወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹር ከደ። ዳዊት ከዓ ንወዱ ኣምኖን ኵልሻዕ ይበኽየሉ ነበረ።
38
ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፤ ኣብኣውን ሰለስተ ዓመት ተቐመጠ።
39
ንጉስ ዳዊት ከዓ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ ዝተፀናንዐ፥ ናብ ኣቤሴሎም ክኸይድ ናፈቐ።
← Chapter 12
Chapter 14 →